ክፍሊት መትከል እግሪ

ክፍሊት መትከሊ-እግሪ፡ኣብ መደብ መትከሊ-እግሪ ምስ ትሳተፍ ካብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳን) ዝወሃበካ ክፍሊት እዩ።ካልኦት ተወሰኽቲ ክፍሊታት ክወሃቡኻ’ውን መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ክፍሊት መትከል እግሪ ክረክብ ከመይ ክገብር ኣለኒ?

ኣብ መደብ መትከሊ-እግሪ ምዝጉብ እንተ ኾይንካ፡ካብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።እቲ ተመልክቶ ናይ’ታ ዝነጠፍካላ ዝሓለፈት ወርሒ እዩ።ከምኡ እንዳ ገበርካ ድማ ወርሒ ወርሒ ትቕጽሎ።እቲ ዝቐለለ ኣብ መካነ-መርበብ ናይ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን (ፈርሸክሪን ካሳን) ምስ ተመልክት እዩ።ኣብ’ቲ መካነ-መርበብ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን እቲ ገንዘብ መዓስ ከም ዝወርደልካን ከተንብቦ ትኽእል።

ካብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳን) ክፍሊት ክወሃበካ ኣመልክት (forsakringskassan.se)

ነቲ ናይ መትከል እግሪ ገንዘበይ መተካእታ ክዕቅብ እንታይ ከማልእ ኣሎኒ?

ብዘይ እቲ ዝዉሃበካ መተካእታ ገንዘብ ምእንቲ ከይትተርፍ ነቲ ትገብሮ ናይ ስራሕ ምንዳይ ክትኣልዮ ኣገዳሲ እዩ ከምኡ ዉን ነቲ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ግዜኻ ምእንቲ ከይናዋሕ ንዝዉሃበካ ኹሉ ናይ ስራሕ ዕድል ሕራይ ኢልካ ምቕባል፡ እዚ ማለት ንምሳሌ እቲ ምስና ዘሎካ መደብ ምክትታልን ከምኡ ኽኣ ኣብ ኣኼባን ኣብ ካልእ ዝተሰማማዕናሉ ንጥፈታትን ምስታፍን፡ እንድሕሪ ድኣ ካብቶም ናትና ኣቕረብቲ ደገፍ ትረክብ ኴንካ እቲ ትገብርዎ መደብ ክትከታተል ኣሎካ።

ኣብ ናይ ተግባር ትልሞም እንድሕር ዘይሃልዩ ጥራሕ እንበር ንቑሕ ምዃንን ስራሕ ክእልሹን ኣለዎም። ከምኡ እውን በቢወርሑ ካብ 1ይ ክሳብ መበል 14 ኣብ ዘለዉ መዓልትታት ሓበሬታ ንጥፈት (aktivitetsrapport) ከቕርቡ ኣለዎም።

እቲ ኩነት ኩሉ ማለት እንድሕሪ ድኣ ናይ ምንዳይ ስራሕካ ብሕማቕ ኣገባብ ሒዝካዮ ወይ ናይ ስራሕ ኣልቦነትካል ግዜ እንድሕሪ ኣናዊሕካዮ ነቲ ናይ መተካእታ ገንዘብካ ጽልዋ ክገብረሉ ከም ዝኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ነቲ ናይ መደብ መተካእታ ገንዘብካ ኩነት

እንድሕሪ ሓሚምካ ወይ ዝሓመመ ቆልዓ እንድሕሪ ክትኣሊ ኾንካ ኣብቲ መደብ ክትካፈል ከም ዘይትኽእል ንዓና ምሕባር ከድልየካ እዩ፡ እንድሕሪ ድኣ ከተዕርፍ ደሊኻ ኣቐዲምካ ካባና ተቐባልነት ክትረክብ ኣሎካ።

እንድሕሪ ሓሚምካ

እንድሕሪ ዝሕመመ ቆልዓ ትኣሊ ኣሎኻ

ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ እዩ ዝወሃበኒ?

ኣብ እዋን ምልላይ ዓቕምታትካ፡ንመዓልቲ 231 ክሮኖር ይፍቀደልካ።እዚ ናይ ምልላይ ዓቕሚ እዋን ምስ ኣብቀዐን ሓቢርና መደብ ምስ ኣውጻናን፡እቲ ዝወሃበካ ክፍሊት 308 ክሮኖም ይኸውን።ናይ እተን ኣብ መትከሊ-እግሪ ዝተሳተፍካየን ነፍሲ-ወከፍ መዓልትታት ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።ተወሳኺ ክፍሊት’ውን ይፍቀደካ ይኸውን፡

እእንተደኣ ኣብቲ ናይ መትከል-እግሪ መደብ ትሳተፍ ዅንካ (ናይ ዉሕስነት ካሳ መርበብ ኢንንተርነት) (forsakringskassan.se)

ካልኦት ክፍሊታት

ንኣብነት ካብቲ ትነብረሉ ቦታ ወጻኢ ኣብ ካልእ ቦታ ኣብ ሓደ ትምህርቲ ክትሳተፍ እንተ ዄንካ፡ ናይ መጕዓዝያን መንበርን ወጻኢታት ክትክፈል ትኽእል ኢኻ። ነዚ ክፍሊት ኣባና ተመልክት። ንሕና ኢና ብዛዕባ ናይቲ ክፍሊት ንውስንን መሰል ናይ ክንደይ መጠን ክፍሊት ከም ዘለካ ንሓስብን።

ሕቶታትን መልስን

እቲ ገንዘብ ምዓስ እዩ ዝኽፈል?

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ኣብ ዕለት 26 ናይ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ነቲ ገንዘብ ይኸፍልዎ። ገንዘብካ ኣብ ዕለት 26 ክመጸካ ንኽኽእል፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ናይ ግድን እንተ ደንጎየ እቲ ምልክታኻ ኣብ ዕለት 7 ናይ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ክበጽሖም ኣለዎ።

እንተ ሓሚመ እንታይ የጋጥም?

እንተ ሓሚምካ፡ ኣብታ መጀመርታ ዝሓመምካላ መዓልቲ ምሳና ርክብ ክትገብር ኣገዳሲ እዩ። እንተ ዘኮነ ነይ’ተን ሓሚምካለን ዝነበርካ መዓልታት ክፍሊት መትከል እግሪ ክትከስሮ ትኽእል ኢኻ።

እንተ ሓሚምካ

ውላደይ እንተ ሓሚሙ እንታይ የጋጥም?

ንዝሓመመ ውላድካ ክትኣሊ ኣብ ገዛ ምጽናሕ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ፡ ኣብታ መጀመርታ መዓልቲ ምሳና ርክብ ክትገብር ኣገዳሲ እዩ።

እንተ ሓሚምካ ወይ ንዝሓመመ ቈልዓ ትኣሊ ኣለኻ

ኣብ ናይ መትከል እግሪ መደብ እንዳ ተሳተፍኩ ማዕረ ማዕሪኡ ክሰርሕን ናይ መትከል እግሪ ክፍሊት ክረክብን ይኽእል ድየ?

እወ፡ኣብ መደብ መትከሊ-እግሪ እንዳተሳተፍካ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።እቲ ዝወሃበካ ክፍሊት መትከሊ-እግሪ ግን ብመጠን እቲ ትረኽቦ ደሞዝ ይቕንስ።ነዚ ኣቀናንሳ ክንደይ ምዃኑ ዝቕምሮ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳን) እዩ።

ኣብ’ቲ ቤ/ጽ ዕዮ ዘዳልዎ መደብ ምስ ትሳተፍ(ኣብ መካነ-መርበብ ናይ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን) (forsakringskassan.se)

ክፍሊት እንዳ ተኸፍለኒ ማዕረ ማዕሪኡ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ክረክብ ይኽእል’ዶ?

እወ፡ኣብ መትከሊ-እግሪ እንዳተሳተፍካ ከለኻ ንወላዲ ዝኽፈሎ ክፍሊት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ግን ማዕረ እቲ ከም ወላዲ ዝኽፈለካ ክፍሊት መጠን፡ክንድኡ ድማ እቲ ክፍሊት መትከሊ-እግሪ ይቕንስ።ነዚ ኣቀናንሳ ክንደይ ምዃኑ ዝቕምሮ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን (ፈርሸክሪን ካሳን) እዩ።

ኣብ’ቲ ቤ/ጽ ዕዮ ዘዳልዎ መደብ ምስ ትሳተፍ(ኣብ መካነ-መርበብ ናይ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን (forsakringskassan.se)

ናብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ጕዕዞይ መን ይኸፍሎ ?

ብቐዳማይ ደረጃ(ከም ዑቕበኛ) ወይ ብካልኣይ ደረጃ(ከም ጽላልተኛ) ወይ ብምጥርናፍ ስድራቤት መንበሪ-ፍቓድ ምስ ዝወሃበካ፡ቤ/ጽ ዕዮ ነዞም ናብ/ካብ ምጒዓዛት ክሽፍነልካ ይኽእል እዩ።እዚ ነቲ ኣብ’ቲ ፈለማ እዋን ናባና መጺኻ ትገብሮ ዑደት ይሽፍኖ።

ነዚ ናባና ንምምጻእ ዝግበር ጒዕዞኻ ባዕልና ግዜ ክንሕዘልካ ንኽእል ኢና።ብዛዕባ’ዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ትደሊ፡ተወከሰና።