ኣብ ቤጽ መራኸብቲ ስራሕ ምሳና ርክብ ንምግባር

ኣገልግሎት ብሽወደንኛን ትግርኛን

ብቴለፎንን ብኢመይልን ካብ ፈላጣት መራኸብቲ ስራሕ ሓገዝ ትረክብ።

ኣብ መዓልታት ስራሕ ሰዓት 8-16።

ቍጽሪ ቴለፎን፡ 0771-416 416

እቲ ንዓኻ ዝቐረበ ቤ/ጽ መራኸብቲ ስራሕ ርኸብ

እቲ ንዓኻ ዝቐረበ ቤት ጽሕፈት ርኸብ (እዚ ገጽ ብሽወደንኛ’ዩ)

ነዞም ኣብ መደብ መትከል-እግሪ ዘለኹም

ኣብ መደብ መትከል-እግሪ ትሳተፍ እንተ ኾይንካ፡ ብተወሰኽቲ ሓሙሽተ ቋንቋታት ደገፍ ንህብ ኢና።

ሰዓታት ስራሕ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ሰዓት 10-16 እዩ።

0771-860 100

ክፍሊ ኣገልግሎት ኣብዞም ዚስዕቡ ኪሕግዘካ ይኽእል፡-

  • ኣብ ቤ/ጽ መራኸብቲ ስራሕ ንምምዝጋብ ዘድሊ ደገፍ
  • ከመይ ጌርካ ክፉት ቦታ ስራሕ ከም ትረክብ ዚሕግዝ ምኽሪ
  • ከመይ ጌርካ ስራሕ ናይ ምድላይ ክእለትካ ከም ተመሓይሽ ዚሕግዝ ምኽሪ
  • ኣብ ፕላትስባንከን (Platsbanken) ከመይ ጌርካ ስራሕ ከም እተናድይን፡ ጠለብ ስራሕ ከመይ ጌርካ ከም ተቕርብን
  • ብዛዕባ ኵነታትካን ካባና እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ትረክብን ምስ መራኸብቲ ስራሕ ምዝታይ
  • ብዛዕባ መደባትናን ጻዕርታትናን፡ ብዛዕባ ትምህርትን ሙያን ከምኡውን፡ ብዛዕባ ውሕስነት ሸቕለኣልቦነት ዚምልከቱ ሓፈሻውያን ሕቶታት መልሲ ምርካብ