ደገፍ ንዓኻ ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካ

ከም ስራሕ ኣልቦ ወይ ፍሉይ ድልየት ዘድልየካ እንተ ዄንካ፡ ካባና ተወሳኺ ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣየናይ ዓይነት ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእል ኣብዚ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።

A

Arbetsintegrerande övningsplatser

እቲ ደገፍ ንዓኻ ካብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ንነዊሕ እዋን ዝተፈለኻን ብናይ ስራሕ ክእለትካን ኣብ ኣየናይ ስራሕ ከም ዝሰማማዕካን ትጠራጠርን እዩ ዝምልከት።

Arbetsmarknadsutbildning

ሓደ ናይ ዕዳጋ ስራሕ ትምህርቲ፡ ኣብ እቲ እዋናዊ ዕዳጋ ስራሕ ብዝያዳ ተደላዪ ይገብረካ እዩ። እቲ ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓደ ፍሉይ ወሃብ ስራሕ ብሓባር ብፍሉይ ዝተዳልወን ብዙሕ ግዜ ብቐጥታ ናብ ስራሕ ዘምርሕን እዩ።

Arbetsmarknadsutbildning för personer med synnedsättning

እንድሕሪ ድኣ ናይ ምርኣይ ጸገም ወይ ናይ ምርኣይ ድኻም ኣሎካ ኾይኑ ንናትካ ድሌትን ኩነታትን ዝሰማማዕ ናይ ዉልቂ ትምህርት ናብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ መንገዲ ክኸዉን ይኽእል።

Arbetspraktik

ናይ ስራሕ ሂወት ተመኩሮ ከተጥሪን ስራሕ ንኽትረክብ ዘሎካ ዕድል ከተዕብዮን የድልየካ ድዩ? እምበኣር ናይ ስራሕ ልምምድ ንዓኻ ዝበለጸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ልምምድ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ንዓኻ ናይ ባዕልኻ ትካል ንምኽፋት ትቀራረብ ዘሎኻ ሓደ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ።

Arbetsträning

ትደሊ’ዶ? መልስኻ እወ እንተኾይኑ ልምምድ-ስራሕ(ኣርቤትስ ትሬኒንግ) ክሰማማዓካ ይኽእል እዩ።ኣብ እዋን ልምምድ-ስራሕ ኣብ ቦታ-ስራሕ ብምኻድ ኣብ’ቶም ንጥፈታት ዕዮ ብሓገዝ ዓላሚ ክትሳተፍ ትኽእል።

B

Bidrag för personligt biträde

ብሰንኪ ሓደ ስንክልና ዝነከየ ዓቕሚ ምስራሕ እንተ ኣሎካ ኾይኑ ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታኻ ካብ ሓደ ሰብ ደገፍን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ ኵነት እቲ ወሃብ ስራሕካ ነዚ ዝኸውን ሰራሕተኛ ንኽምድብ ሓደ ቍጠባዊ ሓገዝ ይወሃቦ እዩ።

Bidrag till hjälpmedel på arbetsplatsen

ስራሕካ ኽትፍጽም ንኽትክእል ንናውቲ ሓገዝ ዝኸውን ቍጠባዊ ሓገዝ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ውሃብ ስራሕካ እውን ንናውቲ ሓገዝ ወይ ንናይ ስራሕ ቦታ መሰማምዒ ዝኸውን ቍጠባዊ ሓገዝ ክወሃቦ ይኽእል እዩ።

Bidrag till uppstartskostnader vid start av näringsverksamhet

ንስኻ ሓደ ኣኽሳቢ ክኸውን ዝኽእል ጽቡቅ ናይ ንግዲ ሓሳባትን ዘሎካ፡ ከምኡ’ውን ዝነከየ ናይ ምስራሕ ዓቕሚ ዘስዕብ ስንክልና ዘሎካ፡ ንምስቲ ናትካ ምጅማር ንጥፈታት ዝተተሓሓዘ ዝህሉ ወጻኢታት ቍጠባዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

E

Etableringsjobb

ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ እንተኾይኖም ወይከዓ ኣብ ሓድሓደ ናይ ሓደሽቲ ምድባት ኣባል እንተኾይኖም፤ ኣብ ዕዳጋ ስራሕ እግሮም ንክተኽሉ መትከሊ እግሪ ስራሕ (etableringsjobb) ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

Etableringsprogrammet

መደብ መትከሊ-እግሪ፡ንጥፈታትን ትምህርትን ዝሓቘፈ ኮይኑ፡ነቶም ኣብ ሽወደን ሓደስቲ መጻእቲ ቋንቋ ሽወደን ብዝቐልጠፈ ተማሂሮም ስራሕ ረኺቦም ነብሶም ንኽኽእሉ ዝሕግዝ መደብ’ዩ።

F

Förmedlingsinsatser

ናይ ስራሕ መራኸብቲ ጻዕርታት ንስራሕ ከተናዲ ወይ ትምህርቲ ንኽትጅምር ዘድልየካ ዝድግፍ ሓደ መደብ እዩ፡ ካብቶም ኣቕረብትና ከም ደገፍ ሓደ ተቖጻጻሪ ማለት ትሓጋጋዚ ይግበረልካ፡

Förstärkt arbetsträning

ናይ ስራሕ ተኽእሎታትካ ንምፍላጥን ምንጻርን ስራሕ ክትፍትን ትደሊ’ዶ? ኣብ ዝተደርዐ ልምምድ ስራሕ(ፈርሽተርክት ኣርቤትስ ትሬኒንግ) ዘለዎ ስራሕ ቦታ ኾይንካ ብሓገዝ ሓደ ሓባሪ ኣብ’ቶም ንጥፈታት ናይ’ቲ ስራሕ ትሳተፍ።

I

Individuellt pedagogiskt stöd vid utbildning

ካብቶም ናትና ትምህርታዊ ጻዕርታት ኣብ ገሊኦም ክትሳተፍ ከሎኻ፡ ምስ ናውቲ ሓገዝ ዝተማልኣ ስነ-ምምህርናዊ ደገፍ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ።

Intensivår

ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ ምስ ትኸውንን ኣብ መትከሊ እግሪ ምስ ትሳተፍን ብስሉጥ ኣገባብ ክትመሃር ወይ ኣብ ናይ ስራሕ-ቦታ ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ።ቀልጢፍካ ስራሕ ንኽትረክብ፡ነዚ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ኣብ ነጻ ግዜኻን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

Introduktionsjobb

ናብ ዕዳጋ ስራሕ ንምእታው ሓገዝ ከድልየካ ከሎ ነቲ መላለዪ ስራሕ ምስ ነቲ ዘሎካ ብቕዓትን ናይ መሃብቲ ስራሕ ጠለባትን ዘሓይል ትምህርትታት ብሓባር ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

J

Jobbgarantin för ungdomar

ዕድሜኻ ትሕቲ 25 ምስ ዝኸውን እዚ ፕሮግራም(መደብ) ይምልከተካ እዩ።ኣብ’ዚ ፕሮግራም ንኣብነት ስራሕ፡ልምምድ-ስራሕ ወይ ንትምህርትን ስራሕን ዝኸውን ምኽሪ ንኽትረክብ ደገፍ ክወሃበካ ይኽእል።

Jobb- och utvecklingsgarantin

ነዊሕ እዋን ስራሕ-ኣልቦ ኮይንካ ካብ ስራሕ ዓለም ተኣሊኻ ምስ ትጸንሕ፡ዳግም ናብ ስራሕ ዓለም ንኽትምለስ ዝሕግዝ ፕሮግራም(መደብ) እዩ።

K

Karriärvägledning

ኣብ’ዚ ኣገልግሎት ሞያዊ ምኽሪ በቶም ትምህርታውን ሞያውን ኣማኸርቲ ናብ ዕዳጋ-ስራሕ ብኸመይ ከምትበጽሖ ሓገዝ የበርክቱልካ። እዚ ኣገልግሎት’ዚ በቶም ተዃናተርትና(ምሳና ውዕል ዘለዎም ብሕታውያን ትካላት) ይካየድ።

L

Lönebidrag

ብምኽንያት ሓደ ስንክልና ዝነከየ ዓቕሚ ስራሕ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ምስቲ ናትካ ኵነታት ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ ሓደ ስራሕ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ማዕረ ማዕርኡ እቲ ወሃብ ስራሕካ ንደሞዝካ ዝኸውን ቍጠባዊ ሓገዝ ክወሃቦ ይኽእል እዩ።

N

Nystartsjobb

ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ንዓኻ ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ ዝነበርካ፡ ወይ ንኣብነት ብምኽንያት ሕማም ካብ ናይ ስራሕ ዓለም ርሒቕካ ዝነበርካ፡ ከም ብሓድሽ ንኽትጅምር ዕድል ይህበካ።

P

Projekt med arbetsmarknadspolitisk inriktning

ኣብቲ ተነብረሉ ቦታ ምስ ካልኦት ተዋሳእቲ ዄንና ነካይዶ ናይ ፖሊሲ ዕዳጋ ስራሕ ፕሮጀክት ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ሓደ ብቑዕ ፕሮጀክት እንተ ኣሎ ኾይኑ ንኽትሳተፍ ክትዕደም ትኽእል ኢኻ።

R

Rusta och matcha

እዚ ናይ “ምዕጣቕን ምግጥጣምን” (Rusta och matcha) ተወሳኺ ሓገዝ ዘድልየካ ሰብ፥ ንዓኻ ኣብቲ ስራሕ ተናድየሉ ጊዜ፡ ደገፍ ንኪዀነካ ዝተዳለወ’ዩ። ነቲ “ወሃብ-ኣገልግሎት” (leverantör) ባዕልኻ ኢኻ ትመርጾ። ሽዑ ድማ ሓደ ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ዘብጽሓካ መገዲ ዚሕግዘካ “መራሒ” (handledare) ኪወሃበካ እዩ።

S

Samhall

ኣብ ትካል ሳምሃል ብምስራሕ፡ ናይ ስራሕ ዓቕምኻን ብቕዓት ሞያኻን ከተማዕብል ዕድል ትረክብ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ደገፍን መምርሕን ኪወሃበካ’ዩ።

Särskild stödperson för introduktions- och uppföljningsstöd – SIUS

ስንክልና እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ስራሕ ኣብ ትደልየሉ እዋን፡ ወይ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ሓዲሽ ኣብ ዘሎኻሉ እዋን ደገፍን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓጋዚ ሰብ ስራሕ ንምርካብ ክሕግዙኻ ኣብ ዝኽእሉ ዕማማትን ካልኦት ዘድልዩ ነገራትን ስልጠና ብምሃብ ክሕግዘካ እዩ።

Skyddat arbete hos offentlig arbetsgivare

ሓደ ከም ዝሰማምዓካ ዝተገብረ ስራሕ ንዓኻ ሓደ ስንክልና ዘሎካ።

Starta eget, stöd till start av näringsverksamhet

ንስኻ ደላይ ስራሕ ዝኾንካን ንሓደ ዋኒን ከተካይድ ኣብ ጽቡቕ ደርጃ ዘለኻን፡ ኣብ ገለ ገለ ጉዳያት ናይ ገዛእ ርእስኻ ዋኒን ኣብ ትኸፍተሉ እዋን ደገፍን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል። ኣብቲ መጀመርታ እዋን ናይቲ ንጥፈት፡ ብመልክዕ ናይ ንጥፈት ደገፍ ቍጠባዊ ሓገዝ ይወሃበካ።

Steg till arbete

ነዚ ዝስዕብ ክትገብር ሓገዝ ዘድልየካ ክትምዕብልን ንስራሕ ወይ ንትምህርቲ ክትድልድልን ከምኡ ዉን ስራሕ ንኽትረክብን ንምድላው።

Studiemotiverande kurs på folkhögskola

ክትማሃር ፈትን፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ደራኺ ሓይሊታትካ ኣለሊ፡ ከምኡ’ውን ብትምህርቲ ወይ ብስራሕ ንቅድሚት ከሰጉመካ ዝኽእል መገዲ ርኸብ። ብንጥፈታት መተባብዒ ንምርካብ፡ ብልምምድ ሜላ መጽናዕትን፡ ከምኡ’ውን ኣብቶም ፍሉይ ኣገዳስነት ዘሎዎም ዓይነት ትምህርትታት ኣድህቦ ብምግባርን፡ ትምህርትኻ ንኽትቅጽል ብዝሓሸ ዝተቐራረብካ ትኸውን። እዚ ነቲ ናይ ስራሕ ምርካብ ዕድላትካ የዕብዮ እዩ።

Studiestöd för utbildning på grundskole- och gymnasienivå

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ዝህልወካ፡ስራሕ ክትረክብ ዘለካ ዕድል ክብ ይብል።ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝተመሃርካዮ መሰረታዊ ትምህርትኻ ብሓገዝናን ሓገዝ ካልኦት መንግስታውያን ትካላትን ወስኸሉ።

Studiestöd för utbildning på yrkeshögskola, högskola och universitet

ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድላትካ ንኸተዛይድ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ኮለጅ ወይ ኣብ ብደረጃ ድሕረ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብምምሃር ብቕዓትካ ከተዕቢ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሽወደን ሓዲሽ እንተ ድኣ ኴንካን ብዙሓት ሰባት ዘድልዮ ሞያ እንተድኣ ኣለካ ኾይኑን፡ ዝያዳ ብዙሓት ዕድላት ኣለዉኻ።

Svenska för invandrare

ከም ሓድሽ መጠን ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት መሰረታዊ ፍልጠት ናይ ቋንቋ ሽወደንኛ ትረክብ። እቲ ትምህርቲ በታ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብካላ ኮሙን እዩ ዝዳሎ።

U

Uppdragsutbildningar för akademiker

ናይ ኣካዳሚያዊ ዲግሪ ዘሎካ ብሞያኻ ብቐሊሉ ስራሕ ክትረክብ ወይ ነቲ ናይ ሞያኻ ምስክር ወርቐት ክትረኽበሉ ትገብሮ ናይ ፍልጠት መርመራ ክትሓልፎ በቲ እተመዘዘ ትምህርቲ (uppdragsutbildningar) ብምክፋል ከተማልእ ትኽእል።

V

Validering

ምርግጋጽ ብቕዓት ክበሃል እንከሎ፡ ብቕዓትካን ፍልጠትካን ከምዝግምገም ምግባር ማለት እዩ። ኩሉ ብመንገዲ ትምህርቲ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለምን መዓልታዊ መንባብሮኻን ዘጥረኽዮ ተመኲሮታት ማለት እዩ።

Y

Yrkesintroduktion för teckenspråkiga

ብናይ ምልክት ቋንቋ ትጥቀም ስራሕ ክትረክብ፣ ናትካ ትካል ክትጅምር ወይ ክትምሃር ትደልን ደገፍ ዘድልየካን።

Yrkessvenska

ናይ ቋንቋ ሽወደን ፍልጠትካ ከተማሓይሾ ዘድልየካ እንተ ኮይኑ ከምኡ ዉን እንድሕሪ ንጹር ናይ ሞያ ዝንባለ ኣሎካ ንሞያ ዝውሃሃድ ኣስተምህሮ ቋንቋ ሽወደን ክትዉሃብ ትኽእል።