Bidrag för personligt biträde

ብሰንኪ ሓደ ስንክልና ዝነከየ ዓቕሚ ምስራሕ እንተ ኣሎካ ኾይኑ ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታኻ ካብ ሓደ ሰብ ደገፍን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ ኵነት እቲ ወሃብ ስራሕካ ነዚ ዝኸውን ሰራሕተኛ ንኽምድብ ሓደ ቍጠባዊ ሓገዝ ይወሃቦ እዩ።

እንታይ

ዕላማ ናይ bidrag för personligt biträde፡ ስራሕ ንኽትረክብን ነቲ ስራሕ ንክትዕቅቦን ንኸቃልለልካ እዩ። ከምኡ’ውን እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ኣብ ሓደ መደብ ወይ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ተግባራዊ ናይ ስራሕ ሂወት ልልይ ንኽትካፈል ዝቐለለ ክገብሮ ይኽእል እዩ። ንስኻ ወናኒ ትካል ዝኾንካን ሓደ ስንክልና ዘሎካን እውን ንውልቃዊ ተሓጋጋዚ ቍጠባዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ውልቃዊ ተሓጋጋዚ፡ ኣብ ተደጋጋሚ ስራሕ ወይ ባዕልኻ ክትገብሮ ንዘይትኽእል ናይ ስራሕ ኵነታት ዝተተሓሓዘ ንዓኻ ከም ሓገዝ ኾይኑ ይሰርሕ።

ንሕና ኢና ነቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ንወሃብ ስራሕካ ንኸፍሎ። እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ እንተ በዝሐ 60 000 ክሮኑር ንዓመት እዩ። ናይ ባዕልኻ ትካል ትውንን ርክብ ናይ ምግባር ጸገማት ዘስዕብ ሓደ ስንክልና ዘሎካ ዄንካን፡ ክሳብ 120 000 ክሮኑር ንዓመት ዝበጽሕ ቍጠባዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናትካ ወሃብ ስራሕ ወይ ንስኻ ከም ብዓል ትካል፡ ክሳብ ስራሕካ ባዕልኻ ንኽትገብሮ ሓገዝ ዘድለየካ፡ ቍጠባዊ ሓገዝ ንውልቃዊ ተሓጋጋዚ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ንመን

ብሰንኪ ሓደ ስንክልና ዝነከየ ዓቕሚ ምስራሕ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ እቲ ወሃብ ስራሕካ እዚ ዝስዕብ እንተ ተማሊኡ ቍጠባዊ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል እዩ፡

  • ስራሕካ ክትገብር ንኽትክእል ውልቃዊ ሓገዝ ትደልየሉ ስራሕ ዘሎካ ወይ ክትኣቱ ዄንካ።
  • ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ትምሃርን ኣብ ተግባራዊ ናይ ስራሕ ሂወት ልልይ ክትሳተፍ ንኽትክእል ውልቃዊ ሓገዝ ዘድልየካ ኾይኑን።
  • ኣብ ሓደ መደብ ወይ ኣብ ናይ ስራሕ ሂወት ዘተኮረ ተሃድሶ ክትሳተፍ ንኽትክእል ሓገዝ ዘድልየካ ኾይኑ።

ብኸምዚ ይሰርሕ።

  • ጌና ኣብ ”ቤትስልጣን መራኸብቲ-ስራሕ” (Arbetsförmedlingen) ዘይተመዝገብካ እንተ ዄንካ፥ መታን ሓገዝ-ገንዘብ ክትቅበል ክትክእል፥ ኣብዚ ኣቲኻ ክትምዝገብ ከድልየካ እዩ።
  • ናይ ርእስኻ ተሓጋጋዚት ሰብ ተድልየካ ምዃና ዘረጋግጽ፥ ካብቲ ወሃብ-ስራሕካ ዝተላእከ ሓበሬታ ክንረክብ ከድልየና እዩ።
  • መጽናዕቲ ንገብርን መጠን ብዝሒ ናይቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ክንደይ ክኸውን ከም ዝኾነ ንውስንን።

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።