Uppdragsutbildningar för akademiker

ናይ ኣካድሚያዊ ዲግሪ እንድሕሪ ኣሎካ በቲ ብናህና እተመዘዘ ትምህርቲ ዝዉሃብ ኮርሳት ከተማልኦ ትኽእል፡ ዕላማ ናይዚ በቲ ናትካ ሞያ ብቐሊሉ ስራሕ ክትረክብ ወይ ክኣ ነቲ ናይ ሞያኻ ምስክር ወረቐት ንኽትረኽበሉ ዝግበር ናይ ፍልጠት መርመራ ንኽትሓልፎ ፍልጠትካ ንኸተዛይዶ ዕድል ንኽትረክብ እዩ።

ንኣካዳማዉያን እተመዘዘ ትምህርቲ እንታይ እዩ?

መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ኣብቲ ሕጽረት ናይ ሰራሕተኛታት ዘለዎ ሞያታት ንዝምልከት ምስ ዩኒቨርሲትን ኮለጃትን ብምትሕብባር ብመራኸብቲ ስራሕ ዝምወል እተመዘዘ ትምህርቲ የዳሉ፡ እቲ ዕላማ ናይ ኣካዳሚያዊ ዲግሪ ዘሎካ ብሞያኻ ብቐሊሉ ስራሕ ክትረክብ ወይ ነቲ ናይ ሞያኻ ምስክር ወረቐት ክትረኽበሉ ትገብሮ ናይ ፍልጠት መርመራ ክትሓልፎ ምእንቲ ኣብቲ እተመዘዘ ትምህርቲ ዘሎ ኮርሳት ብምክፋል እቲ ዘድልየካ ከተማልእ ትኽእል።

እቲ ትምህርቲ ብናይ ኮለጅ ደረጃ ኮይኑ ኣብ ሓደ ሓደ ኩነታት ናይ ኮለጅ ነጥቢ ይህብ፡ ኣብኡ ክትካፈል ከሎኻ ናይ ንጥፈታት መተካእታ ገንዘብ ክመጸካ ከተመልክት ትኽእል ናይ ሲ ኤስ ኤን (CSN) ናይ ትምህርቲ ገንዘብ ኣይኮነን፡ እዚ እተመዘዘ ትምህርቲ ናይ ሙሉእ ስዓታት ኮይኑ ብናይ ርሕቀት (distans) ይዉሃብ፡ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ኣብ ድላይካ ክትቅመጥ ትኽእል።

ብዙሓት ናይ እተማእዘዙ ትምህርትታት ብናይ ኣካዳማዉያን ቋንቋ ሽወደን ወይ ካልእ መዳለዊ ዘለዎ ትሕዝቶታት ይጅምሩ ድሓር በቲ ሞያ ልምምድ ብምግባር ክዛዘምዎ ይክኣል፡ እቲ ናይ መዳለዊ ትምህርትን ልምምድን ብናይ ኣካዳማዉያን ኣሰር ሓጺር መንገዲ (Akademikerspåret Korta vägen) እዩ ዝካየድ፡ ኣብቲ ናይ ኣካዳማዉያን ኣሰር ሓጺር መንገዲ ብዘይ እተመዘዘ ትምህርቲ ዉን ክትካፈል ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዕድል ናይ እተመዘዘ ትምህርቲ መን ክካፈሎ ይኽእል?

እዚ ትምህርትታት ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ከም ደላይ ስራሕ ዝተመዝገበን ናይቲ እዋናዊ ትምህርቲ ድማ ዲግሪ ንዘለዎ ሰብን ይምልከት፡ እቶም ኮለጅን ዩኒቨርሲትን እቲ ናይ ፍልጠትካ ክእለታት (meriter) ይግምግሙ መራኸብቲ ስራሕ ድማ ናይ ምቕባል ጉዳይ ይዉስኑ፡ ጽቡቕ ክእለት ናይ ቋንቋ ሽወደን ከድልየካ እዩ።

ኣብ 2024 ዝጅመር እተመዘዘ ትምህርትታት

ኣብ 2024 ነዞም ናይ ሞያ ምስክር ወርቐት እተመዘዘ ትምህርቲ ኣሎና፡ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሞያ ተወሳኺ ሓበሬታን ከመይ ጌርካ ከም ተመልክትን ክኣ ትረክብ።

እንድሕሪ ካብ ሕቡራት ኣዉሮጳ (EU/EES) ወጻኢ ናይ ፋርማሲስት ዲግሪ ዘምጻኻ ኾንካ ቅድሚ ናይ ሽወደን ናይ ሞያ ምስክር ምምልካትካ ንናይ ፍልጠት መርመራ፣ ንናይ ፋርማሴዉቲካል ኣስተምህሮ፣ ንዕዶት ክሕግዙኻ ንሴና ፕሮጀክት (projekt Senna) ተወከሶም።

ተወሳኺ ሓበሬታ (sverigesfarmaceuter.se/senna) (ብቛንቋ ሽወደን)

ብናይ ሙሉእ ስዓታት ናይ ርሕቀት ትምህርቲ (distansundervisning) ይካየድ፡ መምርሕን መዳለዉን ቅድሚ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ/ኣካዳምያዊ ቋንቋ ሽወደን ኣብ ሉሊዮ (Luleå) ጥቅምቲ (October) 2023 ይጅምር፡ ካብ ሽወደን ወይ ካብ ካልእ ሃገር እንተ ዉሓደ ናይ ባችለር ደርጃ ወይ ምቹእ ኣንፈት ዘሎካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ ኣድላይነት ናይ ልምምድ ወይ ትምህርቲ እንድሕሪ’ሎ፡ እቲ ምምልካት ብመባእታዊ ኣብ መጀመርያ ነሓሰ ይጅመር።

ተወሳኺ ሓበሬታ ምምልካትን (ltu.se)(ብቛንቋ ሽወደን)

ናይ ሙሉእ እዋን ናይ ርሕቀት ትምህርቲ። ኣብ ሉልያ ናይ ቴክኖሎጂ ዩኒቨርሲቲ ንዝካየድ ኣካዳምያዊ መፅናዕትታትን/ ኣካዳምያዊ ሽወደንኛ መምርሕን ምድላውን ይጅምር። ካብ ሽወደን ወይ ካልእ ሃገር እንተንኣሰ ብናይ ቀዳማይ ዲግሪ ኢንጂነር ዝኾንኩምን ብዝስማዕማዕ ንፁር ሞያ ዘለኩምን ድልየታትኩም ክተመዝግቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣድላዪ እንተኾይኑ ተግባራዊ ልምምድ ድሕሪ እቲ ትምህርቲ ይግበር።

ተወሳኺ ሓበሬታን ምምልካትን (ltu.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ብናይ እተማእዘዘ ትምህርቲ ዝዳሎ ናይ ሓይሊ ኤለትሪክን ናይ ጽዓትን መሃንድስን ዘርኢ ፊልም (ብቛንቋ ሽወደን)

ንታሴራ ሽወደን ናይ ፍልጠት ፈተና 6 ወርሒ እንትተርፎ ናይ ሙሉእ እዋን ናይ ርሕቀት ትምህርቲ። ኣብ ሉንድ ዩኒቨርስቲ ዝካየድ። ብዶክተር፣ ነርስ፣ ራዲዮሎጂስት፣ ኣዋላዲ ወይከዓ ናይ ስኒ ሓኪም ናይ ደገ ዲግሪ ዘለኩም ድልየታትኩም ክተመዝግቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ተወሳኺ ሓበሬታን ምምልካትን (ltu.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ብናይ ሙሉእ ስዓታት ናይ ርሕቀት ትምህርቲ (distansundervisning) ይካየድ፡ መባእታዊ ዝጅመረሉ ዕለት ነሓሰ 2023 ኣብ ሉንድ (Lund) ዩኒቨርሲቲ፡ ካብ ናይ ኣዉሮጵ ሕብረት ሃገራት ወጻኢ ናይ ሓኪም ዲግሪ ዘሎካ ተገዳስነትካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ እቲ ምምልካት መባእታዊ ዝኽፈለተሉ ዕለት ኣብ መጋቢት እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታን ምምልካትን (ltu.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ናይ ሙሉእ እዋን ናይ ርሕቀት ትምህርቲ። ኣብ ኦሬብሮ ዩኒቨርስቲ ዝካየድ። ካብ ሕብረት ኤሮጳ/EES ወፃኢ ካብ ዝኾነ ሃገር ናይ ምምሃር ኣካዳሚያዊ ብቕዓት ዘለኩም ድልየታትኩም ክተመዝግቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ተወሳኺ ሓበሬታን ምምልካትን (oru.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ፊልም ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ናይ ሽወደን መምህር ምዃንካ ምስክር ወረቐት (lärarlegitimation) ከም ትረክብ (ብቛንቋ ሽወደን)

(ULV) ትኽእል እንድሕሪ ኾንካ ዘርኢ ፊልም (ብቛንቋ ሽወደን)

Distansutbildning på heltid. Genomförs vid Lexicon i 18 veckor och vid Luleå tekniska universitet 21 veckor (30 högskolepoäng). Utbildningen avslutas med 1 månads praktik i norra Sverige. Sammanlagt pågår utbildningsinsatsen under cirka 1 år. Du som har utbildning inom it, från Sverige eller annat land, och/eller ett stort intresse av it är välkommen att anmäla intresse.

Mer information och anmälan (ltu.se)

ናይ ሙሉእ እዋን ናይ ርሕቀት ትምህርቲ። ብኣካዳምያዊ ሽወደንኛ ን7 ሰሙናት ብዝሓፀረ መንገዲ (Korta vägen)፣ ን15 ሰሙናት ድማ ኣብ ትካል ካሮሊንካ ይቕፅል። ካብ ሕብረት ኤሮጳ/EES ወፃኢ ካብ ዝኾነ ሃገር ናይ ነርሲንግ ዲግሪ ዘለኩም ድልየታትኩም ክተመዝግቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ተወሳኺ ሓበሬታን ምምልካትን (ltu.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ናይ ሙሉእ እዋን ናይ ርሕቀት ትምህርቲ። ብኣካዳምያዊ ሽወደንኛ ጀሚሩ፣ ን26 ሰሙናት ድማ ኣብ ሶደስቶርን ዩኒቨርሲቲ ይቕፅል። እንተንኣሰ ብቀዳማይ ዲግሪ ደረጃ ብኢኮኖሚክስት ትምህርቲ ዘለኩም/ሲቪል ኢኮኖሚስት፣ ካብ ሽወደን ወይከዓ ካብ ካልእ ሃገር ብኢኮኖሚስት ትምህርቲ ዘለኩም ክተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ተወሳኺ ሓበሬታን ምምልካትን (sh.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።

ተወሰኽቲ ደገፋት ርኸብ