ኣብ መደብ እንትሳተፉ
ከም ደለይቲ ስራሕ ንዝተመዝገቡ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ዝተፈላለዩ ደገፋትን መደባትን የቕርብ። ኣብዚ ኣብ መደብ እንትሳተፉ እንታይ ከም ዝትግበር ነብራህርህ። ንኣብነት፤ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ሕማም ጥቕማጥቕሞም ንምዕቃብ ኣብ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ሕማሞም ከም ዝሓመሙ ከፍልጡ ኣለዎም።
ኣብ መደብ እንትሳተፉ ካሕሳ
ድሕሪ ገምጋም ኣብ መደብ ምስታፍ ግቡኦም ምዃኑ ዝውስን ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) እዩ። ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ኣብ መደብ ንኽሳተፉ እንተወሲኑ፣ ደገፍ ንጥፈት (aktivitetsstöd)፣ ደገፍ ዕብየት (utvecklingsersättning) ወይከዓ ካሕሳ መትከል እግሪ (etableringsersättning) ንምርካብ ናብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) የመልክቱ።
ካሕሳ መትከል እግሪ (ኣብ መደብ መትከል እግሪ (etableringsprogrammet) እንትሳተፉ)
ካሕሳ እንትህልዎም ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ
ኣብ መደባት እንትሳተፉ ንሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ መዓልታት ካብ ካሕሳ ናይ ምእጋድ ስግኣት ንዘይምእታው ቅድመ ኹነታት ከኽብሩ ኣለዎም።
ብኲራት ምፍላጥ
ኣብ ዝሓመምሉ ወይከዓ ዝሓመመ ህፃን ዝሕብሕብሉን ኣብ መደቦም ክሳተፉ ዘይኽእልሉን ናይ መጀመርያ መዓልቲ ከፍልጡና የድሊ። ናይ ዕረፍቲ ግዘ እንተደልዮም መጀመርያ ክረኽቡናን (ብሽወደንኛ) ክፀድቀሎምን ኣለዎ።
ንጥፈት ምፅብፃብ - ወርሓዊ
ኣብ ሕድሕድ ወርሒ ናብ ስራሕ ንምስግጋር ዝገበሩዎም ንጥፈታት ፀብፃብ ናባና ከቕርቡ ኣለዎም። ነዚ ፀብፃብ ኣብ መንጎ ዕለት 1ን 14ን ብዘሎ ዝኾነ እዋን ከቕርቡ ኣለዎም።
ናይ ጉዕዞ ካሕሳ
ኣብ ካልእ ቦታ ንዝግበር ቃለ-ምሕተት ስራሕ ናይ ጉዕዞን መፅለልን ወፃእታት ንምሽፋን ወይከዓ በቢመዓልቱ ክኸዱ ኣብ ዘይኽእሉዎ ቦታ ኣብ መደብ እንዳተሳተፉ እንተኾይኖም ንድጎማ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።
ናይ ጉድኣት መድሕንን ካሕሳን
ኣብ መደብ እንትሳተፉ፣ ኣብ ሓደ ሓደ ኩነታት ብውልቃውን ጉጅለኣውን መድሕን ህይወት ብሕጋዊ፣ ፋይናንሳውን ምምሕዳራውን ግልጋሎታት ኤጀንሲን (Kammarkollegiet) ብሄራዊ ቦርድ ጡረታን (Statens Pensionsverk) ይሽፈነሎም እዩ። ኣብ ደገፍ ንግዲ ምጅማር እንትሳተፉ እቲ መድሕን ተግባራዊ ኣይኸውንን። ከይተሓሰበ ጉድኣት እንተብፂሖም እቲ መዳለዊ ንካሕሳ ከመልክት ይኽእል እዩ።
ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታትን መልስታትን
ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት እንዳተመለሱን ኣብቲ መደብ እንትሳተፉ እንታይ ክፅበዩ ከመዘለዎም እንዳተብራህረሀን ዘርኢ ቪድዮ ይመልከቱ። (ብሽወደንኛ)
Ersättning – så funkar det när jag deltar i program
När du har fått ett beslut och ska delta i något av Arbetsförmedlingens program behöver du själv ansöka om ersättning hos Försäkringskassan.