Yrkessvenska

ናይ ቋንቋ ሽወደን ፍልጠትካ ከተማሓይሾ ዘድልየካ እንተ ኮይኑ ከምኡ ዉን እንድሕሪ ንጹር ናይ ሞያ ዝንባለ ኣሎካ ንሞያ ዝውሃሃድ ኣስተምህሮ ቋንቋ ሽወደን ክትዉሃብ ትኽእል።

ናይ ሞያ ቋንቋ ሽወደን - እቲ ናይ ሞያ ቋንቋ ተመሃሮ

ፊልም
/

10 ደቓይቕ 43 ካልኢታት

እቲ ኣብቲ ናይ ስራሕካ ቦታ ዘድልየካ ቋንቋ ሽወደን ክትመሃሮ ትደሊዶ? ወይ ክኣ ንናይ ሞያ ትምህርቲ ንኽትምሃር ዝያዳ ቋንቋ ሽወደን ኽትክእልዶ ትደሊ? ኣብቲ ብሽዱሽተ ቋንቋታት ብጽሑፍ መግለጺ ዘለዎ ፊልም ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

እንታይ

ናይ ሞያ ቋንቋ ሽወደን ንሞያ ዝተዉሃሃደ ነቲ ክትሰርሓሉ ሓሲብካ ዘሎኻ ሞያ ናይ ሽወደን ቋንቋ ኣስተምህሮ እዩ፡ እቲ ኣስተምህሮ ናብቲ ፍልይ ዝበለ ሞያ ዘተኩር ቋንቋ ሽወደን እዩ።

ንመን

ናይ ሞያ ቋንቋ ሽወደን ቅድሚ ስራሕ ወይ ናይ ሞያ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማርካ ነቲ ዘሎካ ናይ ቋንቋ ሽወደን ፍልጠት ከተማሓይሽ ድልየት ዘሎካ እዩ፡ እቲ ክትሰርሓሉ ትደሊ ሞያ ወይ እቲ ክትምሃሮ ትደሊ ናይ ሞያ ትምህርቲ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብዚ ናይ ሞያ ቋንቋ ትምህርቲ ክትሳተፍ ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ዝተመዝገብካ ክትከዉን ኣሎካ፡ ኣብቲ ትምህርቲ እንድሕሪ ድኣ ክትጅምር ትኽእል ኮንካ መራኸብቲ ስራሕ እዮም ዝዉስንዎ።

እቲ ኣገባብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ

እቲ ትምህርቲ ናይ ሞያ ቋንቋ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይካየድ፡ ናብቲ ትምህርቲ ብናይ ሙሉእ ስዓታት ወይ ብፈረቓ ስዓታት ክትካፈል ዕድል ኣሎ፡ ኣብ ገለ ቦታታት እቲ ትምህርቲ ብኹሉ ወይ ብኸፊሉ ብማዕዶ (distans) ትምህርቲ ክኸዉን ይኽእል፡ ናይ ሞያ ቋንቋ መጀመርያ ብሙሉእ ስዓታት ክትምሃር ልሙድ እዩ ድሓር ትምህርቲ ወይ ፕራክቲክ ምስ ጀመርካ ትምህርቲ ናይ ሞያ ቋንቋ ብፈረቓ ስዓታት ምምሃር ትቕጽሎ።

ናይ ሞያ ቋንቋ ሽወደን A ንናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርቲ (arbetsmarknadsutbildning) ፕራክቲክ ወይ ተቖጺርካ ንኽትሰርሕ ናይ መዳለዊ ትምህርቲ እዩ፡ ኣብቲ ናይ ሞያኻ ዓዉዲ እቲ ናይ ቋንቋኻ ክእለት ብኣፍን ብጹሑፍን ብኽልቲኡ ከተማዕብል ዕድል ትረክብ፡ እቲ ትምህርቲ ንምሳሌ ምስ SFI ከምኡ ዉን ምስ ፕራክቲክ ክትጽምብሮ ይክኣል እዩ፡ ንስኻ ኣብ ኣዕጥቕን ኣጻምድን መደብ ዘሎኻ ዉን እቶም ኣብ መራኸብቲ ስራሕን ኣብቲ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ዘሎዉ ትሓባበርትኻ (handledare) ክልቲኦም እንድሕሪ ድኣ ንዓኻ ጽቡቕ’ዩ ብሃልቲ ኮይኖም ኣብ ናይ ሞያ ቋንቋ ትምህርቲ ክትካፈል ትኽእል ኢኻ።

እቲ ዕላማ ናይቲ ፈተና እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘድልየካ ንምግምጋም እዩ፡ እቲ ናይ ሞያ ቋንቋን ናይ ቋንቋ ደረጃን መገምገሚ ፈተናን ኣብ ሓደ ናይ ትምህርቲ መዓልቲ ይካየድ እዚ ኣብዚ እዋን ኣበየናይ ናይ ቋንቋ ደርጃ ከም ዘለኻ የርኢ፡ እቲ ፈተና ነቲ ናይ ሞያ ቋንቋ ትምህርቲ ምምሃር ንኽትቅጽሎ መሰረት እዩ ከምኡ ዉን ንናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርቲ ክትጅምር እቲ ፍልጠትካ እኹል እንድሕሪ ኮይኑ ዘርኢ መሰረት እዩ።

እቲ ኣስተምህሮ ኣብቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋ እንዳ ተመሃርካ ክድግፈካ እዩ፡ እቲ ትምህርቲ ዕላምኡ ንስኻ ኣብቲ ትምሃረሉ ዘሎኻ ናይ ሞያኻ ዓዉዲ ሓሳብ ንሓሳብ ምልዉዋጥ (kommunicera) ክትገብር ክትክእል፣ ክትረዳዳእ ከምኡ ዉን ምምዝጋብ ክትክእልን እዩ።

እቲ ትምህርቲ ኣብቲ ፕራክቲክ ትገብረሉ ወይ ተቖጺርካ ትሰርሓሉ ናይ ስራሕ ቦታ ይግበር፡ እቲ ትምህርቲ ንስኻ ኣብቲ ናይ ስራሕካ ቦታ ሓሳብ ናይ ሓሳብ ምልዉዋጥ ክትገብረሉ፣ ምርድዳእ ከምኡ ዉን መዝገብ ክትምዝግብ ክትምሃር ዝተዋሃሃደ እዩ፡ ተሳታፍነት ናይ ስራሕ ቦታ ኣብቲ ትምህርቲ ኣገዳሲ እዩ እዚ እንታይ እዩ እቲ ክትዕለሞ ዘሎካ ብሓባር ኮንኩም ንኽትርእይዎ ምእንቲ፡ እቲ ንዉሓት ናይ ሞያ ቋንቋ ሽወደን B ትምህርቲ ኣብቲ ናትካ ድሌታታካ ይዉሃሃድ።

መተካእታ ገንዘብን ኩነትን

ሞያ ቋንቋ ሽወደን A ክትካፈል ከሎኻ ኣብ ሓደ መደብ ስለ ትሳተፍ ንናይ መተካእታ ገንዘብ ናብ ናይ ዉሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ ኣብ ናይ ሞያ ቋንቋ ሽወደን B ኣብ ዘለኻሉ እዋን ናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርቲ ወይ ኣብቲ ፕራክቲክ ትገብረሉ ዘሎኻ ወይ ተቖጺርካ ትሰርሓሉ ዘሎኻ ናይ ስራሕ ቦታ እንታይ ዓይነት መተካእታ ገንዘብ ከም ዝመጸካን እቲ ኩነትን ንሶም እዮም ዝዉስንዎ።

ኣብዚ ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ምዝጉብ እንድሕሪ ድኣ ኴንካ እሞ ኣብ ሓደ መደብ እንድሕሪ ትካፈል ኴንካ መትካእታ ገንዘብ ንኽተመልክት እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን እንታይ እዩ እቲ ኩንተን ክነግረካ ኢና።

ኣብ ሓደ መደብ ክትሳተፍ ከሎኻ

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።

Hitta fler stöd

ሓፈሻዊ ትምህርቲ