Steg till arbete

ስጒምታት ናብ ስራሕ (Steg till arbete) ናይ ምስራሕ ወይ ምምሃር ክእለቶም ዝፀልው ጉድኣት ኣካል ወይከዓ ሕማም ንዘለዎም ሰባት እዩ። ምስ ዘለዎም ክእለት ዝሳነይ ስራሕ ንምርካብ ሞያታትን ናይ ስራሕ ቦታታትን ናይ ምሙካር ዕድል ይህልዎም።

ስጒምታት ናብ ስራሕ እንታይ እዮም?

ኣብ ስጒምታት ናብ ስራሕ ካብ መቕረብትና ብሓዲኦም ደገፍ ክግበሮም እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ኩነታት ኣብ ውሽጢ ግቢ እቲ ግልጋሎት መቕረባይ ንዖኦም ዝጥዕሞም ይሙክሩ። ምስ ኣማኻሪ ስራሕን ሞያዊ ቴራፒስትን ብምዃን እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘድልዮም ከፃርዩ እዮም።

መብዛሕትኡ ግዘ ኣብ ሓቅኣዊ ናይ ስራሕ ቦታታት ክሰርሑ ክሙክሩ ይኽእሉ እዮም። ዕላምኡ ስራሕ ምስራሕ ወይ ምምሃር ንክጅምሩ እዩ።

ናብ ስራሕ ኣብ ዝግበሩ ስጉምትታት ንዝሳተፉ

ፊልም
/

7 ደቓይቕ 19 ካልኢታት

እቲ ደገፍ እንታይ ማለት ምዃኑን እንታይ እንታይ ኩነታት ተግባራዊ ከም ዝኾኑን ይፍለጡ።

ስጒምታት ናብ ስራሕ መን ክረክብ ይኽእል?

ስጒምታት ናብ ስራሕ ናይ ምስራሕ ወይ ምምሃር ክእለቶም ዝፀልው ጉድኣት ኣካል ወይከዓ ሕማም ንዘለዎም ሰባት እዩ። ንምስታፍ ኣብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ክምዝገቡ ኣለዎም። ኣብኡ ክህልዉ ኣለዎም፤ ንቑሕ ምዃን ምኽኣል እውን ኣገዳሲ እዩ።

ኣርባዕተ ክፋላት ስጒምታት ናብ ስራሕ

ስጒምታት ናብ ስራሕ ኣርባዕተ ክፋላት ኣለዉዎ፤ ግን ኩሎም ዘይከድልዩዎም ይኽእሉ እዮም። ን2ይ ክፋል ክዘልዎ ይኽእሉ ይኾኑ እዮም። ድሕሪ ሸውዓተ ሰሙናት ክሰርሑ ክሙክሩ ይኽእሉ ይኾኑ እዮም።

1ይ ክፋል. ድልየታት ኣብ ግልጋሎት፣ 3 ሰሙን።

ኣብ ስጒምታት ናብ ስራሕ እንዳሃለዉ ንሶምን ካብ መቕረብትና ሓዲኦምን እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘድልዮም ክተፃርዩ ኢኹም።

2ይ ክፋል. ሜላታትን ድሌታት ደገፍን፣ 5 ሰሙን።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኩነታት ስራሕ ንዖኦም ዝስማዕምዖም ይሞክሩ። ነዚ ኣብ ውሽጢ ግቢ እቲ መቕረባይ ይገብርዎ። ዕላምኡ ንሶም ኣብ ምንታይ ጎበዝ ከም ዝኾኑን ኣብ ምንታይ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ብደምቢ ንክርድኡ እዩ። ምስ ሞያዊ ቴራፒስትን ኣማኻሪ ስራሕን ብምዃን እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘድልዮም ይውስኑ።

3ይ ክፋል. ምጥንኻርን ምዕባይን፣ 6 ኣዋርሕ።

ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ስራሕ ቦታታት ብምሙካር ክእለታት ንምዕባይ ዕድል ይህልዎም። ዕላምኡ ንሶም ንስራሕ ዝስማዕምዖም ሞያ ንክረኽቡን ንስራሕ ድሉው ንክኾኑን እዩ።

4ይ ክፋል. ስራሕ ምርካብ፣ 6 ኣዋርሕ።

ንዖኦም ዝስማዕምዖም ስራሕ ወይ ስልጠና ክረኽቡ ኣለዎም። ኣድላዪ እንተኾይኑ እቲ መቕረባይ በዚ መንገዲ ክሕግዞም እዩ። ስራሕ ክቖፅር ኣብ ዘድልይ ሓቅኣዊ ናይ ስራሕ ቦታ ንምስራሕ ይሙክሩ። ዕላምኡ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ንክጅምሩ እዩ።

እቲ ኣገባብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ

1. ስጒምታት ናብ ስራሕ ንዖኦም ጠቐምቲ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ንግምግም

ስጒምታት ናብ ስራሕ ንዖኦም ትኽክለኛ ደገፍ ምዃኑ ዝውስን ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ እዩ። ምስታፍ ንክኽእሉ ኣብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ክምዝገቡ ኣለዎም።

2. ካብ ረብትና ሓዲኦም ክረኽቡዎም እዮም

እቲ መቕረባይ ንናይ ፈለማ ምርኻብ ከዘራርቦም እዩ። ኣብ ግቢ እቲ መቕረባይ ብዛዕባ ስጒምታት ናብ ስራሕ ዝበለፀ ሓበሬታ ንዖኦም ዝህበሎም ናይ መፈለሚ ምርኻብ ክህልዎም እዩ። ብሓባር ብምዃን ብዝተኽኣለ ፍጥነት ናብ ስራሕ ወይ ስልጠና ምርካብ ብኸመይ ከም ዝቐርቡ ትልሚ የዳልዉ።

ነቲ መቕረባይ ንሶም ካብ ዝነብርሉ ቦታ ኣብ ቀረባ ይረኽቡዎ።

3. እዚ ከምዚ እንከሎ ኣብ ስጒምታት ናብ ስራሕ

ስጒምታት ናብ ስራሕ ክሳብ 13 ኣዋርሕ ክፀንሕ ይኽእል እዩ። ብሰንኪ ሕማም ወይ ጉድኣት ኣካል ናይ ሙሉእ እዋን ክሰርሑ እንተዘይክኢሎም ብናይ ከፊል እዋን ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም።

ስጒምታት ናብ ስራሕ ምስ ትምህርትታት ሽወደንኛ ንስደተኛታት (SFI) ከጣምርዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓድሓደ ንጥፈታት ብኻልእ ቋንቋ ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ብዛዕባ ዕብየቶምን እቶም ንጥፈታት ከመይ ይሰርሑ ኣለዉ ኢሎም ከም ዝሓስቡን ምስ’ቲ መቕረባይ መደበኛ ዝርርባት ኣለዎም። ነገራት ከመይ ይኸዱ ከም ዘለዉ እቲ መቕረባይ ናብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ፀብፃብ የቕርበልና፤ ካብኡ ናይ ቀፃሊ ስጒሞም እንታይ ከም ዝኸውን ንውስን።

መተካእታ ገንዘብን ኩነትን

ኣብዚ ንስራሕ ዝመርሕ ስጉምትታት ክትሳተፍ ከሎኻ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ፖሊሲ (arbetsmarknadspolitiskt) መደብ ስለ ትሳተፍ ንናይ መተካእታ ገንዘብ ናብ ናይ ዉሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ ኣብ ሓደ ናታና መደብ ክትሳተፍ ከሎኻ መተካእታ ገንዘብ ክመጸካ ከመይ ጌርካ ከም ተመልክትን እንታይ ከተማልእን ከም ዘሎካ ሓበሬታ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ መላገቢ (link) ትረክብ።

ኣብ ሓደ መደብ ክትሳተፍ ከሎኻ

እንድሕሪ ሓሚምካ ወይ ዝሓመመ ህጻን ክትኣሊ እንድሕሪ ኾንካ

እንድሕሪ ሓሚምካ ወይ ዝሓመመ ህጻን ክትኣሊ እንድሕሪ ኣብኵርካ ንመራኸብቲ ስራሕን ነቲ ኣብቲ ኣቕራቢ ዘሎ ናይ ግሊ መመህርካን ክትሕብር ኣሎካ፡ እዚ ትገብረሉ ምኽንያት ካብ ናትካ ኣ-ካሳ (a-kassa) ወይ ካብ ካልእ ምእንቲ እቲ መተካእታ ገንዘብ ክመጸካ እዩ፡ እቲ ኣብ ኣቕራቢ ዘሎ ናይ ግሊ መመህርካ ቡኩራት ከመይ ጌርካ ከም ተመልክት ክሕበረካ እዩ።

ቡክራት ናብ መራኸብቲ ስራሕ ከመይ ጌርካ ከም ተቕርብ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ መላገቢ ትረክብ።

እንድሕሪ ሓሚምካ ቡክራትካ ኣመልክት

ንቖልዓ ንምእላይ ንምብኳር (VAB) ኣመልክት

ጸብጻብ ንጥፈታት ኣቕርብ

ናይ ንጥፈታታ ጸብጻብ ወርሓዊ ንመራኸብቲ ስራሕ ከተቕርብ ኣሎካ፡ ናብ ናይ ስራሕ ወይ ትምህርቲ መንገድኻ ቅኑዕ ደገፍ ከምኡ ዉን ካብ ናይ ዉሕስና ካሳ ዝመጸካ መተካእታ ገንዘብ ቅኑዕ ክኸዉንን ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ መላገቢ ከመይ ጌርካ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ከም ተቕርብ ተወሳኺ ሓብሬታ ትረክብ።

ጸብጻብ ንጥፈታት ኣቕርብ