Steg till arbete

ስራሕ ከይትሰርሕ ወይ ከይትምሃር ንዓቕምኻ ጽልዋ ዝገብረልካ ኣካለ ስንክልና ወይ ጉድለት ናይ ጥዕና ኣሎካ? ንስራሕ ዝመርሕ ስጉምትታት ንዓኻ ኣካለ ስንክልና ዘሎካ ወይ ጥዕና ዘይብልካ ንስራሕ ወይ ንትምህርቲ የዳልወካ ስራሕ ክትረክብ ክኣ ይሕግዘካ።

ንስራሕ ዝመርሕ ስጉምቲ እንታይ ማለት እዩ?

ኣብቲ ንስራሕ ዝመርሕ ስጉምትታት ሓገዝ ካብ ኣቕረብትና ይፍየወለካ፡ ንስኻን እቲ ኣቕራብን ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር እንታይ ሓገዝ ከም ዘድልይካ ብሓባር ኮንኩም ትዉስኑ፡ እቲ ንስራሕ ዝመርሕ ስጉምትታት ኣርባዕተ ክፋላት ሃልይዎ ግዴታዉን ኣማራጽን ንጥፈታት ዝሓዘለ እዩ።

ብናይ ሙሉእ ወይ ብናይ ፈረቓ ስዓታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ፡ እንድሕሪ ድኣ ብምኽንያት ሕማም ወይ ኣካለ ስንክልና ክትሰርሕ ዘይክኣልካ ኣብቲ መደብ ብናይ ፍርቂ ግዜ ክትካፈል ተኽእሎ ኣሎ።

ምስ ናይ ሽወደንኛ ንስደተኛታት (sfi) መፅናዕታት ንምስራሕ ብርክታት (steg till arbete) ከጣምሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓደ ሓደ ንጥፈታት ዝተመሓየዘ ናይ ቋንቋ ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ናብ ስራሕ ኣብ ዝግበሩ ስጉምትታት ንዝሳተፉ

ፊልም
/

7 ደቓይቕ 19 ካልኢታት

እቲ ደገፍ እንታይ ማለት ምዃኑን እንታይ እንታይ ኩነታት ተግባራዊ ከም ዝኾኑን ይፍለጡ።

ንስራሕ ዝመርሕ ስጉምቲ ንመን ይዉሃብ?

ንስራሕ ዝመርሕ ስጉምትታት ስራሕ ከይትሰርሕ ወይ ከይትምሃር ንዓቕምኻ ጽልዋ ዝገብረልካ ኣካለ ስንክልና ወይ ጉድለት ናይ ጥዕና ንዘሎካ ይምልከት፡ ኣብዚ ክትሳተፍ ኣብ መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ዝተመዝገብካ ክትከዉን ኣሎካ።

እቲ ኣገባብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ

1ይ ክፋል ኣድላይነት ናይ ንስራሕ ዝመርሕ ስጉምቲ

እዚ ንስራሕ ዝመርሕ ስጉምትታት ንዓኻ ቅኑዕ ደገፍ እዩ ኢልና ምስ ወሰና ምስቶም ኣብቲ ትቕመጠሉ ቦታ ካብ ዘለዉ ኣቕረብትና ምስ ሓደ ርክብ ትገብር፡ ዝቕጽል ስጉምቲ ዉሳኔ ምእንቲ ኽንወስድ እቲ ኣቕራቢ እንታይ ደገፍ ከም ዘድልይካ ይፍትሽ።

2ይ ክፋል እቲ ዘድልየካ ደገፍ ይፍተሽ

እንድሕሪ እዚ ካልኣይ ክፋል ንዓኻ ዘድሊ ኾይኑ እሞ ንምስራሕን ንትምህርትን ምምዕባልን ምድልዳልን ዘድልየካ ኾይኑ ንምፍላጥ ኣብቲ ናይ ኣቕራቢ ኣዳራሽ ከም ስራሕ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ተካይድ፡ ዕላማ ናይዚ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ኩነተት ዘሎካ ክእለታትን ደረትን ከምኡ ዉን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ከይሽግረካ ምእንቲ ኣየናይ ምምዕርራያት ከም ዘድሊ ዝዓበየ ርድኢት ንኽህልወካ እዩ።

2ይ ክፋል ኣደልድልን ኣማዕብልን

ኣብ 3ይ ክፋል እቲ ንኽትሰርሕ ወይ ንኽትምሃር ዘሎካ ክእለታት ከተደልድልን ከተማዕብልን ሓባሪ መንገድን ሓገዝን ትረክብ፡ ከምኡ ዉን ስራሕ ትፍትን፡ እቲ ዕላማ ንዓኻ ዝሰማማዓካ ስራሕ ንምርካብ እዩ።

4ይ ክፋል ስራሕ ርኸብ

እቲ ኣቕራቢ ተቕጺርካ ትሰርሓሉ ስራሕ ወይ ክኣ ንዓኻ ትደልዮ ትምህርቲ ክትረክብ ይሕግዘካ፡ ኣብዚ ክፋል እዚ ዉን ስራሕ ትፍትን፡ እቲ ዕላማ ተቕጺርካ ክትሰርሕ ወይ ሓደ ትምህርቲ (ሰልጠና) ክትጅምር እዩ።

ክትትል

ምስቲ መቕረባይ ቀፃልነት ዘለዎ ዝርርባት ኣለዎም። እቲ መቕረባይ (leverantören) ናህቶም ከይድን እቶም ንጥፈታት ይሰርሑ ኣለዉ እዮም ኢሎም ዝሓስብሉ ኩነታትን ይከታተል።

መራኸብቲ ስራሕ ዉን ከመይ ይኸደልካ’ሎ ከምኡ ዉን እቲ ዝግብኣካ ደገፍ ትረክብ ምህላዉካ ይከታተሉኻ እዮም።

መተካእታ ገንዘብን ኩነትን

ኣብዚ ንስራሕ ዝመርሕ ስጉምትታት ክትሳተፍ ከሎኻ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ፖሊሲ (arbetsmarknadspolitiskt) መደብ ስለ ትሳተፍ ንናይ መተካእታ ገንዘብ ናብ ናይ ዉሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ ኣብ ሓደ ናታና መደብ ክትሳተፍ ከሎኻ መተካእታ ገንዘብ ክመጸካ ከመይ ጌርካ ከም ተመልክትን እንታይ ከተማልእን ከም ዘሎካ ሓበሬታ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ መላገቢ (link) ትረክብ።

ኣብ ሓደ መደብ ክትሳተፍ ከሎኻ

እንድሕሪ ሓሚምካ ወይ ዝሓመመ ህጻን ክትኣሊ እንድሕሪ ኾንካ

እንድሕሪ ሓሚምካ ወይ ዝሓመመ ህጻን ክትኣሊ እንድሕሪ ኣብኵርካ ንመራኸብቲ ስራሕን ነቲ ኣብቲ ኣቕራቢ ዘሎ ናይ ግሊ መመህርካን ክትሕብር ኣሎካ፡ እዚ ትገብረሉ ምኽንያት ካብ ናትካ ኣ-ካሳ (a-kassa) ወይ ካብ ካልእ ምእንቲ እቲ መተካእታ ገንዘብ ክመጸካ እዩ፡ እቲ ኣብ ኣቕራቢ ዘሎ ናይ ግሊ መመህርካ ቡኩራት ከመይ ጌርካ ከም ተመልክት ክሕበረካ እዩ።

ቡክራት ናብ መራኸብቲ ስራሕ ከመይ ጌርካ ከም ተቕርብ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ መላገቢ ትረክብ።

እንድሕሪ ሓሚምካ ቡክራትካ ኣመልክት

ንቖልዓ ንምእላይ ንምብኳር (VAB) ኣመልክት

ጸብጻብ ንጥፈታት ኣቕርብ

ናይ ንጥፈታታ ጸብጻብ ወርሓዊ ንመራኸብቲ ስራሕ ከተቕርብ ኣሎካ፡ ናብ ናይ ስራሕ ወይ ትምህርቲ መንገድኻ ቅኑዕ ደገፍ ከምኡ ዉን ካብ ናይ ዉሕስና ካሳ ዝመጸካ መተካእታ ገንዘብ ቅኑዕ ክኸዉንን ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ መላገቢ ከመይ ጌርካ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ከም ተቕርብ ተወሳኺ ሓብሬታ ትረክብ።

ጸብጻብ ንጥፈታት ኣቕርብ