Förstärkt arbetsträning

ስራሕ ንኽትሰርሕ ዘለካ ተኽእሎ ንምፍላጥ፡ስራሕ ክትፍትን ትደሊ’ዶ? መልስኻ እወ እንተኾይኑ ዝተደረዐ ልምምድ-ስራሕ(ፈርሽተርክት ኣርቤትስ ትሬኒንግ) ክሰማማዓካ ይኽእል እዩ።ኣብ እዋን ዝተደረዐ ልምምድ-ስራሕ ኣብ ቦታ-ስራሕ ብምኻድ ኣብ’ቶም ንጥፈታት ስራሕ ብሓገዝ ዓላሚ ክትሳተፍ ትኽእል።

እንታይ

ዝተደረዐ ልምምድ-ስራሕ ማለት ኣብ ሓደ ውሱን እዋን ኣብ ቦታ-ስራሕ ብምኻድ ኣብ ንጥፈታት ስራሕ ምስታፍ ማለት’ዩ።ኣብ ዝተደረዐ ልምምድ-ስራሕ ካብ ኣብ ልምምድ-ስራሕ ትረኽቦ ሓገዝ ዓላሚ ዝዛየደን ትጸንሓሉ ግዜ ድማ ዝነውሐን እዩ።ኣብ እዋን ዝተደረዐ ልምምድ-ስራሕ ዝተፈላለዩ ዕማማት ስራሕን ኣሰራርሓን ክትፍትን ዕድል ትረክብ።ዕላማ ናይ’ዚ ዝተደረዐ ልምምድ-ስራሕ ናይ ስራሕ ተኽእሎታትካ ኣነጺርካ ንምፍላጥ እዩ።ብሓገዝ ልምምድ-ስራሕ ኣብ መጻኢ ስራሕ ንምርካብ ዘቃልሉ ተሞኲሮ ስራሕን ምስክር-ብቕዓትን ክትረክብ ትኽእል።

ናይ’ዚ ወፈያ(ኣበርክቶ) ደረት ግዜ ከከም እቲ ትሳተፎ መደብ ይፈላለ’ዩ።ኣብ ውሕስነት-ስራሕ(ዮብ ጋራንቲ) ትሳተፉ መንእሰይ እንተኾይንካ እዚ ዝተደርዐ ልምምድ-ስራሕ እንተ በዝሐ 6 ኣዋርሕ ይካየድ።ኣብ መደብ መትከሊ-እግሪ (ኤታብሌሪን ፕሮግራም) ወይ ዕብየታዊ ውሕስነት (እዩትቨክሊንስ ጋራንቲ) ተሳታፋይ ምስ ትኸውን ድማ ዝተደርዐ ልምምድ-ስራሕ ክሳብ 12 ኣዋርሕ ክቕጽል ይኽእል።

ንመን

ዝተደርዐ ልምምድ-ስራሕ ነቶም ኣብ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን ወይ ውሕስነት ስራሕ ንመናእሰያት ወይ ድማ መደብ መትከሊ-እግሪ ተሳተፍቲ ንዝኾኑ እዩ ዝፍቀደሎም።

ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

  • ዝተደርዐ ልምምድ-ስራሕ ዝስሕበካ እንተኾይኑ ተወከሰና።ድሕሪኡ ነቲ ንዓኻ ዝበለጸ ናይ ስራሕ-ቦታ ሓቢርና ንውስኖ።
  • እቲ ወሃቢ-ስራሕ ኣብ’ቲ ናይ ስራሕ ቦታ ዝመርሓካ ወይ ዘለማምደካ ሰብ ይመርጸልካ።
  • ቅድሚ ዝተደርዐ ልምምድ-ስራሕ ምጅማርካ ንሕና፡ንስኻ፡ወሃቢ-ስራሕን ዓላማይን ውዕል ንምስርት። ገለ ካብ’ቲ ትሕዝቶ ውዕል እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘድልየካ፡ እቶም ትፍጽሞም ዕማማት ስራሕ ኣየኖት ምዃኖም፡ ትሰርሓሉ ሰዓታትን ደረት-ግዜ ናይ’ቲ ልምምድ-ስራሕን እዮም።

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።