Yrkesintroduktion för teckenspråkiga

ናይ ምልክት ቋንቋ ዝጥቀም ናይ ሞያ መላለይ ንዓኻ ብናይ ምልከት ቋንቋ ትጥቀም ናብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ንኽትቀርብ ደገፍ ዘድልይካ እዩ ዝምልከት፡ እቲ ዕላማ ስራሕ ክትረክብ፣ ናትካ ትካል ክትከፍት ወይ ትምህርቲ ክትጅምር እዩ።

እንታይ

ኣብቲ ዝዉሃብ ናይ ሞያ መላለይ ግብራዊ ልምምዳት፣ ስልጠና ናይ ክእለትን ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ንጥፈታት ምክያድን እዩ፡ ክልሰ-ሓሳባዉን ትምህርትን ምንዳይ ስራሕን ይባራረ (እንዳ ተቐያየረ)።

ትሕዝቶ እቲ ክልሰ-ሓሳባዊ ብኣቕረብትና (våra leverantörer) ዝዉሃብ ኣስተምህሮን መምርሕን እዩ፡ ናይ ዉልቅኻ መጽናዕቲ፣ ናይ ኣስተምህሮ ዑዶት፣ ኣስተምህሮን ምስ ናይ ደጋዊ ኣሃዱ ናይ ሓበሬታ ኣኼባ ዉን የጠቓልል እዩ።

እቲ ትሕዝቶ በቲ ናትካ ድልየትን ኩነታትን ነወሃህዶ።

ንመን

ናይ ሞያ መላለይ ብናይ ምልክት ቋንቋ ዝጥቀም ሰብ ንዓኻ ኩሉ ኹሉ እዝንኻ ዘይሰምዕ ወይ ክኣ ከቢድ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘሎካ ይምልከት፡ ብናይ ሽወደን ናይ ቋንቋ ምልክት ትጥቀም ተጥቃም ናይ ቋንቋ ምልክት ኢኻ፡ ስራሕ ንኽትረክብ፣ ናትካ ትካል ክትከፍት ወይ ትምህርቲ ክትጅምር ዝተመዓራረየ ጻዕርታት ዘድልየካ ሰብ ኢኻ።

እቲ ኣገባብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ

  • እዚ ናይ ሞያ መላለይ ንዓኻ ዝምችእ እንተኾይኑ ንሕና ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ዘሎና (Arbetsförmedlingen) ኢና ንግምግሞ።
  • እዚ ናይ ሞያ መላለይ ምስ ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት ኤስ ኤፍ ኢ (sfi) ወይ ምስ ናይ ምልክት ቋንቋ ንወጻእተኛታት ቲ ኤፍ ኢ (tfi) ኣወሃሂድካ ክትምሃሮ ትኽእል ኢኻ።
  • ኣብዚ ሃገር ዘለዉ ዝተፈላለዩ ኣቕረብቲ ንናይ ምልክት ቋንቋ ተጠቀምቲ ናይ ሞያ መላለይ ይህቡ ከምኡ ዉን ኣብ ብዙሓት ቦታታት ይርከቡ፡ ስቶክሆልም፣ ዮተቦሪ፣ ማልመ ከምኡ ኽኣ አረብሩ።
  • ገለ ክፋላት ምስ መራኽበቲ ስራሕ ብምስምማዕ ብማዕዶ (distans) ክካየዱ ይክኣል እዩ።
  • ዓቢ ክፋል ናይቲ ትምህርቲ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ እዩ ዝካየድ።
  • ኣብቲ ትምህርቲ ክሳብ 84 ሰሙናት ክትካፈል ትኽእል፡ እቲ ሓሳባትና ብሙሉእ ስዓታት ክትሳተፍ እዩ ይኹን እምበር ካብ ናይ ዉልቀ ሰብ ድልየት ተበጊስና ከንማዓራርዮ ንኽእል ኢና።

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።

ተወሰኽቲ ደገፋት ርኸብ