Arbetsträning

ስራሕ ንኽትጅምር ወይ ናብ ስራሕኻ ንኽትምለስ ምእንትን ልምምድ ስራሕ ክትፍትን ትደሊ’ዶ? መልስኻ እወ እንተኾይኑ ልምምድ-ስራሕ(ኣርቤትስ ትሬኒንግ) ክሰማማዓካ ይኽእል እዩ።ኣብ እዋን ልምምድ-ስራሕ ኣብ ቦታ-ስራሕ ብምኻድ ኣብ’ቶም ንጥፈታት ዕዮ ብሓገዝ ዓላሚ ክትሳተፍ ትኽእል።

እንታይ

ልምምድ-ስራሕ ማለት ኣብ ሓደ ውሱን እዋን ኣብ ቦታ-ስራሕ ብምኻድ ኣብ ንጥፈታት ስራሕ ምስታፍ ማለት’ዩ። ብሓገዝ ዓላምን ጠለባት ኣድማዕነት ብዘይብሉ መዳይ ዕማማት ስራሕ ከተካይድ ወይ ክትፍትን ዕድል ትረክብ።እዞም ዕማማት ፍጻሜታት ስራሕ ንኣብነት ምስ መሳርሕትኻ ተላሊኻ ክትማሓበር ትኽእል።ብተወሳኺ ኣብ ቦታ-ስራሕ ዘለዉ ጠለባትን ትጽቢታትን ክትፈልጦም ትኽእል።ብሓገዝ ልምምድ-ስራሕ ኣብ መጻኢ ስራሕ ንምርካብ ዘቃልሉ ተሞኲሮ ስራሕን ምስክር-ብቕዓትን ክትረክብ ትኽእል።

ደረት ግዜ ልምምድ-ስራሕ ከከም እቲ ትሳተፎ መደብ ይፈላለ’ዩ።ኣብ ውሕስነት-ስራሕ(ዮብ ጋራንቲ) ትሳተፉ መንእሰይ እንተኾይንካ ልምምድ-ስራሕ እንተ በዝሐ 3 ኣዋርሕ ይፍቀድ።ኣብ መደብ መትከሊ-እግሪ(ኤታብሌሪን ፕሮግራም) ወይ ዕብየታዊ ውሕስነት (እዩትቨክሊንስ ጋራንቲ) ተሳታፋይ ምስ ትኸውን ድማ ልምምድ-ስራሕ ክሳብ 6 ኣዋርሕ ክትሳተፍ ትኽእል።ኣብ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን(ዮብ ኦክ እዩትቨክሊንግስ ጋራንቲ)ንነዊህ እዋን ተሳታፋይ እንተ ነይርካ ድማ እቲ ልምምድ-ስራሕ ክሳብ 12 ክናዋሕ ይኽእል።

ንመን

ልምምድ-ስራሕ ነቶም ኣብ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን ወይ ውሕስነት ስራሕ ንመናእሰያት ወይ ድማ መደብ መትከሊ-እግሪ ተሳተፍቲ ንዝኾኑ እዩ ዝፍቀደሎም።

ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

  • ልምምድ-ስራሕ ዝስሕበካ እንተኾይኑ ተወከሰና።ድሕሪኡ ነቲ ንዓኻ ዝበለጸ ናይ ስራሕ-ቦታ ሓቢርና ንውስኖ።
  • እቲ ወሃቢ-ስራሕ ኣብ’ቲ ናይ ስራሕ ቦታ ዝመርሓካ ወይ ዘለማምደካ ሰብ ይመርጸልካ።
  • ቅድሚ ልምምድ-ስራሕ ምጅማርካ ንሕና፡ንስኻ፡ወሃቢ-ስራሕን ዓላማይን ውዕል ንምስርት። ገለ ካብ’ቲ ትሕዝቶ ውዕል እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘድልየካ፡ እቶም ትፍጽሞም ዕማማት ስራሕ ኣየኖት ምዃኖም፡ ትሰርሓሉ ሰዓታትን ደረት-ግዜ ናይ’ቲ ልምምድ-ስራሕን እዮም።

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።