Starta eget, stöd till start av näringsverksamhet

ንስኻ ስራሕ እተናዲ፣ ትካል ንምምራሕ ጽቡቕ ቅድመ-ኩነት እንተ’ሎካ ናትካ ትካል ንኽትከፍትን ባዕልኻ እትውንኖ ክትጅምር ሓገዝ (starta eget-bidrag) ዝብሃል እቲ ንሕና ናይ ትካል ወይ ንግዲ ክትከፍት ደገፍ እንብሎ ን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ እቲ ደገፍ ን 6 ወርሒ ይዉሃብ።

እንታይ

ዋኒን(ቢዝነስ) ንምኽፋት ዝወሃብ ደገፍ ነቶም ንበይኖም ወይ ምስ ካልእ ሰብ ሓቢሮም ትካል(ኩባንያ) ክኸፍቱ ዝደልዩ ይምልከት።እዚ ደገፍ’ዚ ክወሃበካ እንተኾይኑ ቅድም ቀዳድም እቲ እማመ-ቢዝነስ መኽሰብ ንኽርከቦ ጽቡቕ ተኽእሎ ክህልዎን ኣብ መጻኢ እቲ ቢዝነስ ከናብረካ ክኽእል ኣለዎ።እቲ ትኸፍቶ ዋኒን(ቢዝነስ) ብቕዓት ዘለዎም ስራሕተኛታት ዘይርከብዎ ጽላት ምስ ዝኸውን፡እቲ ደገፍ ኣይፍቀደልካን እዩ።

ንመን

ከም ደላይ ስራሕ ኣባና ምምዝጋብ ከድልየካ እዩ፡

ነቲ ናይ ባዕልኻ ጀምር ሓገዝ ንኽትረክብ እዚ ዝስዕብ ከተማልእ ኣሎካ (ሓገዝ ንናይ ትካል ወይ ንግዲ ምጅማር)፡

  • ዕድመኻ 18 ዓመት ዝመላእካ ክትከዉን ኣሎካ።
  • ስራሕ ክትደሊ ጸኒሕካ ግን ኣይትዓወትካን
  • ኣብቶም ናይ ዕዳ ዘኽፍሉ ሰብ መዚ ዕዳ ዘይብልካ ከምኡ ዉን ዝተመዝገበ ናይ ምኽፋል ኣበር ዘይብልካ።
  • ስራሕ ኣልቦ እንተኾንካ ወይ ስራሕ ኣልቦ ክትከዉን ሓደጋ እንተደኣ ኣሎ። ኣብቲ ብዙሕ ሰብ ዘይቅመጠለን ንኣሽቱ ምምሕዳራትን፣ ሰሜናዉን ማእከላይን ሽወደን ትቕመጥ እንትኾንካ ፍልይ ዝበለ ኩነታት እዩ ዝምልከተካ።
  • ሓደ ናይ ንግዲ ወይ ትካል ኣምር ሃልዩካ ትካል ክትጅምር ትሓስብ እንተሎኻ፣ እቲ ትካልካ ቅድሚ ደገፍ ምሕታትካ ናይ ርእስኻ ትካል ድሮ ዝጅመርካ ክትከዉን የብልካን።
  • ድሮ ወናኒ ናይ ትካል ኣይኮንካን፣ ናይ ስራሕ ኣካያዲ ኣይኮንካን ወይ ናይ ትካል ከታሚ ኣይኮንካን። ቅድሚ ሕጂ ናትካ ትካል እንተ ኔሩካ እንተ ዉሓደ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተዓጸወ ክኸዉን ኣለዎ።

ዋላ ዉን እቲ መሰረታዊ ቅድመ-ኩነት ኣማልእ ነቲ ደገፍ ንኽትረክብ ብመራኸብቲ ስራሕ ተራኢኻ ተቐባልነት ክትረክብ ኣሎካ፡ ተቐባልነት ክትረክብ ኣብዚ ዝስዕብ ዝተሞርኮሰ እዩ፣ ነቲ ናይ ትካልካ ሓሳብ ብኸመይ ንግምግሞ፣ ነቲ ሓሲብካሉ ዘሎኻ ንግድ ወይ ትካል ከ እቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ከመይ እዩ ዝመስል ከምኡ ኽኣ እቲ ትካልካ ኣብዚ ሃገር ኣበይ ክትጅምሮ ከም ዝደለኻ፡ እዚ ረቛሒታት ምስ ግዜ ክፈላለ ይኽእል እዩ።

ብኸምዚ ይሰርሕ።

እንተድኣ ንስኻን መራኸብቲ ስራሕን ናትካ ትካል ክትጅምር ትኽእል ኢኻ ዝብል ስምምዕ በጺሕኩም እዚ ንዓኻ ምቹእ ኣበርክቶ ክኸዉን ስለ ዝኽእል ሓደ እቲ ናትካ ናይ ትካል ሓሳብ ትገልጸሉን ከምኡ ዉን ናይቲ ትካል ዘሎካ ቁጠባ ባጀት ተቕርበሉ ናይ ትካል ወይ ናይ ንግድ ዉጥን/መደብ ብጽሑፍ ከተቕርብ ትሕተት።

እቲ ናትካ ናይ ትካል ወይ ናይ ንግዲ ዉጥን/መደብ ምስ ተወድአ ናብ ዝተወዓልናዮም ኣከፋፈልቲ ይስደድ፣ እዚ እቲ ናትካ ዉጥን/ምደብ ዝሰርሕ እንተ ኾይኑ ክግምግሙ እሞ ተቕባልነትን እንት ረኺቡ እቲ ናትካ ወይ ትካልካ ናይ ምጅማር ደገፍ ይፍቀደልካ። እቲ ደገፍ ን 6 ወርሒ ይዉሃብ።

ብተወሳኺ ቅድምን ኣብ እዋንን ናይቲ መደብ ግዜ ኣብ ትካልካ ንዘጋጥሙ ፍሉያት ጉዳያትን ጸገማትን ንሕና ብነዳልወካ ኣቕራቢ ደገፍን ምኽርን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናይ መደብ እዋን ንትካልካ እንተዉሓደ ሓደ ክትትል ክንገብር ኢና።

እንተደኣ ናይ ትካል ወይ ናይ ንግዲ ዉጥን/መደብ ብኸመይ ከም ትጽሕፍ ወይ ባጀት ከመይ ጌርካ ከም ተዉጽእ ወይ ኣተሓሕዛ ሕሳብ፣ ግብሪ፣ ዉዕል ወይ ናይ ምሻጥ ጎስጓስ ርግጸኛ ዘይ’ኮንካ ሓገዝ ትምህርቲ ከነፈዉየላካ ንኽእል ኢና።

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ተረጋጊጹ ዝተሰነደ ስንክልና ምስ ዝህልወካ፡ኣብ’ቲ ትጅምረሉ እዋን ተወሳኺ ቊጠባዊ ክፍሊት ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ነቲ ኣብ ምጅማር ዋኒን(ቢዝነስ) ዘድልዩ መበገሲ ወጻኢታት ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብ

ዝውቱራት ሕቶታትን መልስታቶምን

ሓገዝ ንመኽፈቲ-ቢዝነስ ክወሃበኒ እንተኾይኑ፡ንኽንደይ እዋን ስራሕ-ኣልቦኛ ኮይነ ክጸንሕ ኣለኒ?

ስራሕ ከም ዘናደኻን ከምኡ ዉን ንመራኸብቲ ስራሕ ስራሕ ኣናዲኻን ከም ዘይትዓወትካን ከትርእዮም ክትክእል ኣሎካ፡ እዚ ናይ ትካል ምጅማር ሓሳባት ካብቲ ምንዳይ ስራሕ ምቕጻል ዝሓሸ ምርጫ እዩ ተባሂሉ ተገምጊሙ ክኸዉን ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ሓገዝ ንመኽፈቲ-ቢዝነስ እንዳተወሃበኒ ከሎ ግድን ስራሕ ከናዲ ኣለኒ’ዶ?

ኣብ ብምልኡ እቲ ኲባንያኻ(ትካልካ) ኣብ ምኽፋት ትዳለወሉ እዋን፡ስራሕ ካብ ምንዳይ ዓዲ ክትውዕ ከም ዘይብልካን ነቶም ንጥፈታውያን ጸብጻባት ድማ ንቤ/ጽ ዕዮ ወርሒ-ወርሒ ከተረክቦ ኣገዳሲ’ዩ።

እንድሕሪ ናይ ምጅማር መደብ ተፈቒዱልካ ከምኡ ዉን ትካልካ እንድሕሪ ጀሚርካ ኣብቲ ኣብ መደብ ዘሎኻሉ ሹድሽተ ወርሒ ምንዳይ ስራሕ ኣየድልየካን እዩ።

ሓገዝ ንመኽፈቲ-ቢዝነስ ማለት እንታይ ማለት’ዩ?

ወርሒ-ወርሒ ቊጠባዊ ደገፍ እንዳተኸፈለካ ከሎ፡ነታ ኲባንያ ንምኽፋት ዘድሊ ምቅርራባትን ምድላዋትን ክትገብረላ ዕድል ትረክብ።

ኲባንያኻ(ትካልካ) ቅድምን ድሕርን ምጅማርካ ክትሓስቦን ክትፈልጦምን ዘለዉኻ ነገራትን ካብ ቤ/ጽ ዕዮ ምኽርታት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።ብተወሳኺ እቲ ደገፍ-ሜንቶር ንብሎ ካብ ሓደ መዓዲ ወይ ሓባሪ ሰብ(ሜንቶር) ምኽርን ምዕዶን ክትረክብ ትኽእል።

ሓገዝ ንመኽፈቲ-ቢዝነስ ክወሃበኒ ከመይ ገይረ አመልክት?

  • ብቐዳምነት ንስኻን ቤ/ጽ ዕዮን ስራሕ ንምርካብ ወይ ኲባንያ(ትካል) ንምኽፋት ኣብ ዕዳጋ-ስራሕ ዘለካ ዕድል ከመይ ከም ዝመስል ሓቢርኩም ትርኢዎ።ነብስኻ ንኽትክእል እቲ ዝበለጸን ዝሰለጠን ኣማራጺ ኲባንያ(ትካል) ምኽፋት እንተኾይኑ ሓቢርና ንርእዮ።
  • ምኽፋት ኲባንያ(ትካል) ዝሓሸ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ምስ ንበጽሕ፡እቲ እማመ-ቢዝነስካ ኣብ’ቲ ንድፊ-ቢዝነስ ኣስፊርካን ናይ’ታ ኲባንያ ባጀት ኣውጺእኻን ገምጋም ንኽንገብረሉ ትልእኸልና።
  • ዕላማ ናይ’ዚ ገምጋም፡ኲባንያ(ትካል) ንምኽፋት እኹላት ተኽእሎታት ከም ዘለዉኻን ኣብ መጻኢ እቲ ቢዝነስ ክትናብረካ ከም ዝኽእል ንምርግጋጽ እዩ።

ሓገዝ ንመኽፈቲ-ቢዝነስ ይፍቀደለይ እንተኾይኑ ከመይ ገይረ እፈልጥን ድሕሪኡ’ኸ እንታይ የጋጥም?

ገምጋም ናይ’ቲ ንድፊ-ቢዝነስን ባጀትን ምስ ተኸናወነ ክንውከሰካ ኢና።እቲ ዘመልከትካዮ ምስ ዝጸድቕ፡ነታ ኲባንያ ተመዝግባ።ነታ ኲባንያ ከድልዩዋ ዝኽእሉ ፍቓዳት ድማ ተመልክት።ድሕሪኡ ሓገዝ ንመኽፈቲ-ቢዝነስ ብዝምልከትን ነታ ኲባንያ ክትኸፍታ ዝከኣል እንተኾይኑ ወይ መዓስ ከም ትኸፍታ ቤ/ጽ ዕዮ ይውስን።

እቲ ሓገዝ ንመኽፈቲ-ቢዝነስ ምስ ዘብቅዕ እንታይ የጋጥም?

ኣቲ ናይ ቁጠባዊ ደገፍ ቅድሚ ምዉድኡ ኣቐዲምካ እቲ ትካል ክትቅጽሎ ዲኽ ትደሊ ወይስ ዓጺኻ ከም ብሓድሽ ኣብ ምንዳይ ስራሕ ኢኻ ክትዋፈር ትደሊ ክትዉስን ኣሎካ፡ እንድሕሪ ድኣ ብትካልካ ክትቅጽል ኮንካ ካብ መራኸብቲ ስራሕ ትሰናበት ከምኡ ኽኣ እቲ ካብ ዉሕስና ካሳ ዝመጸካ ዝነበረ ናይ ገንዘብ መተካእታ ይቋረጽ።

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።