Karriärvägledning

ኣብ ስራሕ ናይ ምዕባለ መመርሒ ኣገልግሎት ብናይ ትምህርትን- ሞያን መንገዲ መራሒ ኣብ ስራሕን ትምህርትን ክትረክብ ትገብሮ ጻዕሪ ደገፍ ትረክብ፡ ኣየኖት ትምህርታትን ዕድላትን ከም ዘለዉ ክትፈልጥ ዉልቃዊ ሓገዝ ትረክብ፡ ብሓደ ኮይና እቲ ዘሎካ ድልየትን ክእለታትን ነጽንዕ ካብኡ ተበጊስና ንናይ ዝመጽእ ናይ ስራሕካ ምዕባለ ትልሚ ነዉጽእ።

ናይ ሞያ ምዕባለ መምርሒ እንታይ እዩ?

ፊልም
/

2 ደቓይቕ 46 ካልኢታት

ኣብቲ ፊልም ናይ ሞያ ምዕባለ መምርሒ እንታይ እዩ ከምኡ ድማ ንስኻ ድማ ከመይ ጌርካ ከም ትካፈል ክነግረካ ኢና፡ (ብቛንቋ ሽወደን ጥራይ)

እንታይ

ኣብዚ ናይ ስራሕ ምዕባለ መመርሒ ኣየኖት ሞያታት ከም ትደሊ ክትሓስበሉ ዕድላት ክህልወካ እዩ፡ ካብቶም ናህና ኣቕረብቲ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ንኽትረክብ ካብ ሓደ ናይ ትምህርትን- ናይ ስራሕን መንገዲ ሓባሪ ደገፍ ክትረክብ ኢኻ፡ ብሓደ ኮይና ኣየናይ ክእለትን ጥንካረን ከም ዘሎካ፣ እንታይ ተመክሮ ኢኻ ኣጥሪኻ ኣሎኻ ኣብ’የናይ መዓሎ ኸ ከተዉዕሎ ትኽእል ነጽንዕ፡ እዚ እንዳ ገበረና ሓደ ናይ ዘምጽእ ትልሚ ነዉጽእ።

ንመን

እዚ ናይ ስራሕ ምዕባለ መመርሒ ናብቲ ትደልዮ ዕላማ ክትበጽሕ እንታይ ስጉምትታት ክትወስድ ከም ዘሎካ ከተጽንዕ ትደሊ ሓገዝ ንዘድልየካ እዩ፡ እዚ ንምሳሌ ብዛዕባ ምልምማድ (ፕራክቲክ) ወይ ትምህርቲ ክኸውን ይኽእል፡ እቲ ናይ ስራሕ ምዕባለ መመርሒ ነቲ ናትካ ድልየት ከም ዝምችእ ኢና ንገብሮ፡ እንድሕሪ ቋንቋ ሽወደን ዘይትመልኮ ኾንካ ብቛንቋ ኣዴኻ ኣተርጓሚ ይግበረልካ።

እቲ ኣገባብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ

  • እቲ ናይ ስራሕ ምዕባለ መመርሒ ንዓኻ ዝበቅዕ ኣገልግሎት ምዃኑ መራኸብቲ ስራሕ እዮም ዝግምግምዎ።
  • ኣብቲ ናይ ስራሕ ምዕባለ መመርሒ ብኣብ መንጎ 50 ን 100 ሚእታዊትን ኢኻ ትሳተፍ፡ እዚ ናይ ስራሕ ምዕባለ መመርሒ ንምሳሌ ምስ ስራሕ፣ ቋንቋ ሽወደን (SFI) ወይ መራኸብቲ ስራሕ ዝገብሩልካ ካልእ ጻዕርታት ማዕረ ማዕረ ከተካይዶ ትኽእል።
  • ምስ ሓደ ካብ ናይ እቶም ኣቕረብትና ናይ ትምህርትን- ናይ ስራሕን መንገዲ ሓባሪ ክትራኸብ ትኽእል።
  • ኣብ ናይ ስራሕ ቦታታትን ኣብ ቤት ትምህርታታትን ዕዶት ከተካይድ ትኽእል፡ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ሞያ ምስራሕ ከመይ ምዃኑን ኣብኡ ንኽትበጽሕ እንታይ ከም ዘድሊ ክነግሩኻ ምስ ዝኽእሉ ሰባት ዉን ክትራኸብ ትኽእል።
  • ዕላማ ናይ ስራሕ ምዕባለ መመርሒ ትልሚ ንስራሕካ ወይ ንትምህርትኻ መምርሒ እዩ።
  • ኣብቲ ኣገልግሎት ን ኽልተ ወርሒ ትሳተፍ።

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።