Etableringsjobb

መትከሊ እግሪ ስራሕቲ (etableringsjobb) ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ ንዝኾኑ ወይከዓ ኣብ ሓድሓደ ናይ ሓደሽቲ ምድባት ኣባል ኣብ ዝኾኑ ዘተኮሩ እዮም። እቲ ደገፍ ንሶም ኣብ ዕዳጋ ስራሕ እግሮም ንክተኽሉ ቀሊል ይገብረሎም።

መትከሊ እግሪ ስራሕቲ እንታይ እዮም?

ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ ዝነበርኩም ወይከዓ ኣብ ሓድሓደ ናይ ሓደሽቲ ምድባት ኣባል ዝኾንኩም ብመትከሊ እግሪ ስራሕቲ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድል ኣለኩም። ብመትከሊ እግሪ ስራሕ ክቖፅሮም ዝደሊ ወሃቢ ስራሕ ባዕሎም ክእልሹ ኣለዎም።

መትከሊ እግሪ ስራሕ ማለት ንዖኦም ምስዝቖፅሮም ወሃቢ ስራሕ ግዚያዊ፣ ናይ ሙሉእ እዋን ስራሕ እንተበዘሐ ንክልተ ዓመታት ማለት እዩ። ዕላምኡ እቲ መትከሊ እግሪ ስራሕ ናብ ቀዋሚ ስራሕ ንከምርሕ ምግባር እዩ።

መትከሊ እግሪ ስራሕቲ መን ክረክብ ይኽእል?

20 ዓመት እንተመሊኦም፣ ስራሕ ኣልቦ እንተኾይኖም፣ ከምኡ እውን ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ስራሕ ዝእልሹ እንተኾይኖም ንመትከሊ እግሪ ስራሕቲ ካሕሳ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ከምኡ እውን ካብዞም ዝስዕቡ ሓዲኡ ከማልኡ ኣለዎም፦

  • ካብቶም ዝሓለፉ 27 ኣዋርሕ ንኣስታት 24 ኣዋርሕ ስራሕ ኣልቦ ነይሮም ወይከዓ ኣብ ናይ ሙሉእ ግዘ ፖሊሲ ዕዳጋ ስራሕ (arbetsmarknadspolitiskt program) ተሲፎም እዮም።
  • ኣብ መደብ እግሪ ምትካል (etableringsprogrammet) ይሳተፉ እዮም።
  • ሓድሽ መፃኢ እዮም ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፉ 36 ኣዋርሕ ውሽጢ ናይ መንበሪ ፍቓድ ወይከዓ ናይ መንበሪ ካርድ ተቐቢሎም እዮም።

ማህያ

ኣታዊኦም ካብ ወሃቢ ስርሖም ዝወሃብ ውሱን ማህያን ካብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) ዝኽፈሎም ካሕሳን የጠቓልል። እቲ ማህያን ካሕሳን ብሓደ ኣብ ሓበራዊ ስምምዕ እቲ ዘፈር ምስቲ ዝተቐመጠ ትሑት ማህያ ዝሳነይ እዩ።

እቲ ኣታዊ ንጡረታን ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ደገፍን እዩ።

ካሕሳ ንመትከል እግሪ ስራሕቲ (forsakringskassan.se)

ውሕስነት ስራሕ

መትከሊ እግሪ ስራሕ እንተበዘሐ ንክልተ ዓመት ዝፀንሕ ግዚያዊ ስራሕ እዩ። ኣዋጅ ውሕስነት ስራሕ (LAS) ክፋል 5ን ሓበራዊ ስምምዕ ዝተገበረሎም ናይ ስራሕ ቅጥዕታት ኣብ መተክሊ እግሪ ስራሕቲ ኣይትግበሩን። ስለዚ መትከሊ እግሪ ስራሕቲ ሽዑ ንሽዑ ናብ ቀዋሚ ስራሕ ኣይቕየሩን።

ብኸምዚ ይሰርሕ

1. ክቖፅሮም ዝደሊ ወሃቢ ስራሕ ይድለዩ

ንሶምን ንዖኦም ክቖፅሮም ዝደሊ ወሃቢ ስርሖምን ካሕሳ ናይ ምርካብ መሰል ንክህልዎም ንመትከሊ እግሪ ስራሕቲ ዘድልዩ ጠለባት ከማልኡ ኣለዎም።

ሓበሬታ ንወሃብቲ ስራሕ ብዛዕባ መትከሊ እግሪ ስራሕቲ

2. መመልከቲ የእትዉ

ንሶምን ወሃቢ ስርሖምን እንትስማዕምዑ ንመትከሊ እግሪ ስራሕ የመልክቱ። ኣብቲ መመልከቲ ነዞም ዝስዕቡ ክመልኡ ኣለዎም

  • ውልቃዊ ሓበሬትኦም፣
  • ሓቅታት ብዛዕባ እቲ ወሃቢ ስራሕ፣
  • ሓበሬታ ብዛዕባ ካብ ዕዳጋ ስራሕ ምብኳሮም።

ከምኡ እውን ሓበሬትኦም ዘረጋግፁ ወረቓቕቲ ምስክር ከተሓሕዙ ኣለዎም።

3. ወረቐት ምስክር ወሃቢ ስራሕ

እቲ መመልከቲ ንኽማላእ እቲ ወሃቢ ስራሕ ብዛዕባ ንግዶምን ናቶም ስራሕን ሓበሬታ ኣብቲ ወረቐት ምስክር ወሃቢ ስራሕ ከቕርብ ኣለዎም።

ወረቐት ምስክር ወሃቢ ስራሕ ንመትከሊ እግሪ ስራሕቲ Pdf, 412 kB.

4. ውሳነ

ካብኦም ዝተማልአ መመልከቲ ምስበፀሐና ንሶምን ወሃቢ ስርሖምን ንመትከሊ እግሪ ስራሕቲ ዘድልዩ ጠለባት ከም ዘማልኡ ነረጋግፅ። ካብኡ ወሃቢ ስርሖም ብመትከሊ እግሪ ስራሕ ክቖፅሮም ዝኽእል እንተኾይኑ ንውስን። ካባና ውሳነ ክሳብ ዝረኽቡ ስርሖም ክጅምሩ ኣይኽእሉን።