Etableringsjobb

መትከሊ እግሪ ስራሕቲ (etableringsjobb) ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ ንዝነበሩ ወይከዓ ንሓደሽቲ መፃእቲ ሰባት ዘነፃፀረ እዩ። እቲ ደገፍ ዓርሶም ኣብ ዕዳጋ ስራሕ እግሪ ንምትካል ቀሊል ንምግባር ዝዓለመ እዩ።

መትከሊ እግሪ ስራሕቲ እንታይ እዮም?

መትከሊ እግሪ ስራሕ ንነዊሕ እዋን ስራሕ አልቦ ንዝኾኑ ወይከዓ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሽወደን ንዝመፁ ሰባት ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድል ይህብ። ብመትከሊ እግሪ ስራሕ ክቖፅሮም ዝኽእል ወሃቢ ስራሕ ባዕሎም ክረኽቡ ኣለዎም።

መትከሊ እግሪ ስራሕ ግዜያዊ፣ ምስ ወሃቢ ስርሖም ንኽልተ ዓመት ዝፀንሕ ናይ ሙሉእ እዋን ስራሕ እዩ። ዕላምኡ መትከሊ እግሪ ስራሕ ናብ ቀዋሚ ስራሕ ንከምርሕ ምግባር እዩ።

መትከሊ እግሪ ስራሕቲ መን ክረክብ ይኽእል?

20 ዓመት እንተመሊኦም፣ ስራሕ ኣልቦ እንተኾይኖም፣ ከምኡ እውን ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ስራሕ ዝእልሹ እንተኾይኖም ንመትከሊ እግሪ ስራሕቲ ካሕሳ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ከምኡ እውን ካብዞም ዝስዕቡ ሓዲኡ ከማልኡ ኣለዎም፦

  • ካብቶም ዝሓለፉ 27 ኣዋርሕ ንኣስታት 24 ኣዋርሕ ስራሕ ኣልቦ ነይሮም ወይከዓ ኣብ ናይ ሙሉእ ግዘ ፖሊሲ ዕዳጋ ስራሕ (arbetsmarknadspolitiskt program) ተሲፎም እዮም።
  • ኣብ መደብ እግሪ ምትካል (etableringsprogrammet) ይሳተፉ እዮም።
  • ሓድሽ መፃኢ እዮም ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፉ 36 ኣዋርሕ ውሽጢ ናይ መንበሪ ፍቓድ ወይከዓ ናይ መንበሪ ካርድ ተቐቢሎም እዮም።

ማህያ

ኣታዊኦም ብወሃቢ ስርሖም ዝወሃቦም ማህያን ብኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) ዝወሃቦም ድጎማን የጠቓልል። እቲ ማህያን ድጎማን ብሓባር ኣብ ሓበራዊ ስምምዕ እቲ ሴክተር ምስ ዝተቐመጠ ዝተሓተ መጠን ማህያ ይሳነይ።

እቲ ኣታዊ ንጡረታ፣ ንጥቕማጥቕሚ ሕማምን ንውሕስነት ስራሕ ኣልቦነትን (a-kassegrundande) ብቑዕ እዩ።

ካሕሳ ንመትከል እግሪ ስራሕቲ (forsakringskassan.se)

ውሕስነት ስራሕ

መትከሊ እግሪ ስራሕ ንኽልተ ዓመት ዝፀንሕ ቀዋሚ ስራሕ እዩ። ኣብ ኣዋጅ ሓለዋ ምቑፃር ስራሕ (LAS) 5ይ ክፋልን ብሓባር ስምምዕ ዝተገበሮም ዓይነታት ምቑፃር ስራሕን ኣብ መትከሊ እግሪ ስራሕቲ ኣይትግበሩን። ስለዚ መትከሊ እግሪ ስራሕ ሽዑ ንሽዑ ቀዋሚ ስራሕ ኣይኸውንን።

ብኸምዚ ይሰርሕ

1. ክቖፅሮም ዝደሊ ወሃቢ ስራሕ ይድለዩ

ንሶምን ንዖኦም ክቖፅሮም ዝደሊ ወሃቢ ስርሖምን ካሕሳ ናይ ምርካብ መሰል ንክህልዎም ንመትከሊ እግሪ ስራሕቲ ዘድልዩ ጠለባት ከማልኡ ኣለዎም።

ሓበሬታ ንወሃብቲ ስራሕ ብዛዕባ መትከሊ እግሪ ስራሕቲ

2. መመልከቲ የእትዉ

ንሶምን ወሃቢ ስርሖምን እንትስማዕምዑ ንመትከሊ እግሪ ስራሕ የመልክቱ። ኣብቲ መመልከቲ ነዞም ዝስዕቡ ክመልኡ ኣለዎም

  • ውልቃዊ ሓበሬትኦም፣
  • ሓቅታት ብዛዕባ እቲ ወሃቢ ስራሕ፣
  • ሓበሬታ ብዛዕባ ካብ ዕዳጋ ስራሕ ምብኳሮም።

ከምኡ እውን ሓበሬትኦም ዘረጋግፁ ወረቓቕቲ ምስክር ከተሓሕዙ ኣለዎም።

3. ወረቐት ምስክር ወሃቢ ስራሕ

እቲ መመልከቲ ንኽማላእ እቲ ወሃቢ ስራሕ ብዛዕባ ንግዶምን ናቶም ስራሕን ሓበሬታ ኣብቲ ወረቐት ምስክር ወሃቢ ስራሕ ከቕርብ ኣለዎም።

ወረቐት ምስክር ወሃቢ ስራሕ ንመትከሊ እግሪ ስራሕቲ Pdf, 412 kB.

4. ውሳነ

ካብኦም ዝተማልአ መመልከቲ ምስበፀሐና ንሶምን ወሃቢ ስርሖምን ንመትከሊ እግሪ ስራሕቲ ዘድልዩ ጠለባት ከም ዘማልኡ ነረጋግፅ። ካብኡ ወሃቢ ስርሖም ብመትከሊ እግሪ ስራሕ ክቖፅሮም ዝኽእል እንተኾይኑ ንውስን። ካባና ውሳነ ክሳብ ዝረኽቡ ስርሖም ክጅምሩ ኣይኽእሉን።