ብዛዕባ እቲ መመልከቲካሕሳ ንመትከሊ እግሪ ስራሕ

ብመትከሊ እግሪ ስራሕ (etableringsjobb) ፅሮም ዝደሊ ወሃቢ ስራሕ እንተረኺቦም ንካሕሳ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም። ቅድሚ ምምልካቶም ካብኦም ንደልዮም ሓድሓደ ሓበሬታታትን ሰነዳትን ከዳልዉ ይኽእሉ እዮም።

ንመመልከቲኦም ዘድልዩዎም ሓበሬታታት

  • ናይ ወሃቢ ስራሕ ቁፅሪ ትካልን ኣድራሻ ቦታ ስራሕን።
  • ዝርዝር ባንኪ (ክሊሪንግ ቁፅሪን ቁፅሪ ሒሳብን)።
  • ናይ ትምህርቲ እዋኖምን ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ሰሪሖም እንተኾይኖምን።

ከተሓሕዙዎም ኣድለይቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ሰነዳት

  • ዜጋ ሽወደን እንተዘይኮይኖም ካብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን (Migrationsverket) ዝተውሃበ ናይ መንበሪ ፍቓድ ወይከዓ መንበሪ ካርዲ ውሳነ ከተሓሕዙ ኣለዎም።
  • ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ዕድሚኦም ትሕቲ 2 ዓመት ምስ ዝኾኑ ህፃውንቲ ኣብ ገዛ እንተነይሮም ካብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) ወይከዓ ኤጀንሲ ግብሪ ሽወደን (Skatteverket) ወረቐት ምስክር ከድልዮም እዩ።

ብመትከሊ እግሪ ስራሕቲ ንምቑፃርን ካሕሳ ንምርካብን ኣብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ክመዝገቡ ኣለዎም። ኣቐዲሞም ዝተመዝገቡ እንተኾይኖም ነቲ መመልከቲ ንምምላእ ክኣትዉ ኣለዎም።

ዝተዓቀቡ ውልቃዊ ሓበሬታታት እንተልዮምዎም መሊኦም ብፖስታ ብዝልእኹልና ናይ ወረቐት ቅጥዒ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።

የመልክቱ