Nystartsjobb

ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ንዓኻ ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ ዝነበርካ፡ ወይ ንኣብነት ብምኽንያት ሕማም ካብ ናይ ስራሕ ዓለም ርሒቕካ ዝነበርካ፡ ከም ብሓድሽ ንኽትጅምር ዕድል ይህበካ።

ሓድሽ ምጅማር ስራሕ (nystartsjobb) እንታይ እዩ?

ንስኻ ካብ ናይ ስራሕ ዓለም ንነዊሕ ግዜ ተኣሊኻ ዝነበርካ፡ ብ nystartsjobb እንደገና ንኽትምለስ ሓደ ዕድል ትረክብ። እቲ ስራሕ ዝቘጽረካ ማዕረ ማዕሪኡ ንደሞዝካ ሓደ ቍጠባዊ ሓገዝ ይረክብ እዩ። ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ፡ ብምሉእ ግዜ ወይ ክፋል ግዜ ቀዋሚ ስራሕ ወይ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ ስራሕ ሓዲኡ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሓድሽ ምጅማር ስራሕ መን ይፍቀደሉ?

ሓድሽ ምጅማር ስራሕ ካብ ናይ ስራሕ ህይወት ንብዙሕ እዋን ዝቦኾርካን ወይ ኣብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ዘይደልደልካን፡ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ።

25 ዓመት ዝመላእካ እሞ ካብ እዘን ዝሓለፋ 15 ወርሓት እንተ ዉሓደ እተን 12 ወርሓት ስራሕ ኣልቦ ዘሎኻ

  • ስራሕ ኣልቦ ኔርካን ከም ደላይ ስራሕ ኣባና ተመዝጊብካ ወይ ኣብ ሓደ arbetsmarknadspolitiskt program ተሳቲፍካ ኔርካ
  • fått sjukpenning ፡ rehabiliteringspenning ፡ sjukersättning ወይ aktivitetsersättning ወሲድካ ኔርካ
  • ካብ ኮሙን försörjningsstöd ወይ ቍጠባዊ ሓገዝ እንዳ ወሰድካ ማዕረ ማዕሪኡ ስራሕ ኣልቦ እንተ ኔርካ

20 ዓመት ግን 25 ዓመት ዘይመላእካ እሞ ካብ እዘን ዝሓለፋ 9 ወርሓት እንተ ዉሓደ እተን 6 ወርሓት ስራሕ ኣልቦ ዘሎኻ

  • ስራሕ ኣልቦ ኔርካን ከም ደላይ ስራሕ ኣባና ተመዝጊብካ ወይ ኣብ ሓደ arbetsmarknadspolitiskt program ተሳቲፍካ ኔርካ
  • fått sjukpenning ፡ rehabiliteringspenning ፡ sjukersättning ወይ aktivitetsersättning ወሲድካ ኔርካ
  • ካብ ኮሙን försörjningsstöd ወይ ቍጠባዊ ሓገዝ እንዳ ወሰድካ ማዕረ ማዕሪኡ ስራሕ ኣልቦ እንተ ኔርካ

20 ዓመት ዝመላእካን ነዘን ዝስዕባ እንተ’ማላእካን ናይ ሓድሽ ጀማሪ ስራሕ (nystartsjobb) ክዉሃበካ ዕድል ኣሎ፡

  • ኣብ እቲ ናይ መትከል-እግሪ መደብ ትካፈል ኢኻ etableringsprogrammet
  • ኣብዘን ዝሓለፋ 36 ወርሓት መንበሪ ፍቓድ ወይ ካብ ናይ ሓደ EU/EES ሃገራት ዜጋ ናይ ስድራ ኣባል መንበሪ ካርድ ዝረኸብካን እሞ ካብዘን ዝሓለፋ ትሽዓተ ወርሓት እተን ሽዱሽተ ወርሓት ስራሕ-ኣልቦ ዝነበርካን፣ ናይ ሕማም ደገፍ ገንዘብ ወይ ናይ መናበይ ገንዘብ ዝወሰድካን
  • ኣብ jobb- och utvecklingsgarantin ትሳታፍ ኣሎካ
  • ንማእሰርቲ ዝተፈረድካ ግን ካብ ቤት-ማእሰርቲ ወጻኢ ክትጸንሕ ፍቓድ ዘሎካ ወይ ብቅድመ ኩነት ዝተፈታሕካ ይኹን እምበር እቲ ናይ ዓመት ናይ ፈተነ ግዜ ዘይወዳእካ።

ንሓደ ናይ ሓድሽ ምጅማር ስራሕ ዘድሊ ጠለባት ተማልእ እንተ ኾንካ ፈትን

ካብቲ ኣብቲ ፈተና ዝሃብካዮ መልሲ ናይ ሓድሽ ምጅማር ስራሕ ንኽፍቀደካ እቲ ጠለባት ተማሊእካ ብኣዉቶማቲክ ምልክት ክዉሃበካ እዩ እዚ ግን ምልክት ጥራይ እምበር ብርጉጽ ተፈቒዱካ ማለት ከም ዘይ ኮነ ኣስተዉዕል፡ እንድሕሪ ናይ ደገፍ ምርካብ መሰል ኣሎካ እቲ ናይ መጨረሻ ዉሳኔ ሓደ ናይ ስራሕ መራኸቢ ሰራሕተኛ እዩ ዝዉስኖ።

እቲ ፈተና ብቛንቋ ሽወደን ኮይኑ ሓደ ደቒቕ ኣቢሉ ይወስድ፡ ቁጽሪእቲ ሕቶታት ኣብ ከመይ ከም ትምልስ ዝተሞርኮሰ እዩ ግን እንተ በዝሐ ሸዉዓተ ሕቶታት እየን፡ ብሽም ኣልቦነት ኢኻ ትፍትን እዚ ክትጥቀም ከሎኻ መራኸብቲ ስራሕ ብዛዕባኻ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይዕቅቡን እዮም።

Är du över 25 år?

Ja Nej
Du glömde att välja Ja eller Nej.
Tillbaka till föregående fråga Stäng utan att spara

Anledning, villkor som uppfylls

Nystartsjobb är ett ekonomiskt stöd till arbetsgivaren

Ersättningen motsvarar minst en arbetsgivaravgift för den del av månadslönen som är upp till 20 000 kronor vid heltidsarbete. Ersättningen erhålls via en kreditering av företagets skattekonto.

Gör om testet

Anledning, villkor som inte uppfylls

Gör om testet

ብኸምዚ ይሰርሕ።

ገለ ካብዞም ኵነት ተማልእን፡ ብሓድሽ መጀመሪ ስራሕ፡ ስራሕ ክትቍጸር ትደሊ እንተ ዄንካን፡ ከምዚ ዝስዕብ ትገብር፤

1. ብሓዱሽ ጀማሪ ስራሕ (nystartsjobb) ክቖፅሮም ዝኽእል ወሃቢ ስራሕ ይርከቡ። ኣብ ፕላትስባንከን (Platsbanken) ወሃብቲ ስራሕ ንሓዱሽ ጀማሪ ስራሕ ዘድልዩ ረቛሕታት ምምላእ ጠቓሚ ምዃኑ ዘመልከትሉ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ብሓዱሽ ጀማሪ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብ ፕላትስባንከን (ብሽወደንኛ)

2. እቲ ወሃብ ስራሕ ናባና መመልከቲ ክሰድድ ተማሕጸኖ።

ብዛዕባ ናይ ሓድሽ ጀማሪ ስራሕ ን ዉሃቢ ስራሕ

3. እቲ ናትካ መመልከቲ ካብቲ ዉሃብ ስራሕ ምስ ተቐበልናዮ ናብቲ ናተይ ገጻት (Mina sidor) ዝብል ኣቲኻ ብዛዕባ ካብ ናይ ስራሕ ህይወት ቦኺርካሉ ዝነበርካ እዋን ሕቶትታት ክትምልስ ኢ-መይል ወይ መልእኽቲ ብተሌፎን (sms) ክንሰደልካ ኢና፡ እቲ መልስኻ ነቲ ናይ ሓድሽ ጀማሪ ስራሕ ዘድሊ ቅድመ ኩነት ተማልእ እንትኾይኑ ንምዉሳን መሰረት እዩ።

4. እቲ ዉሃብ ስራሕ እንድሕሪ ናይ ሓድሽ ጀማሪ ስራሕ ክቖጽር ዝፍቀዶ እንተ ኾይኑ ንዉስን።

ደሞዝ

ነቲ እቲ "ወሃብ-ስራሕ" ኣብ "ሓባራዊ-ስምምዕ" (kollektivavtal) ዝተሰማምዓሉ ብዝሒ ደሞዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ። እቲ ወሃብ-ስራሕ ዝኣተዎ "ሓባራዊ-ስምምዕ" እንተ ዘይሃለዎ ውን፥ ምስቲ ናይ "ሓባራዊ-ስምምዕ" ዝመጣጠን ደሞዝ ክትረክብ ይግባእ’ዩ።

ሓለዋ መቝጸርቲ-ስራሕ

እቲ ብመልክዕ "ሓድሽ ምጅማር-ስራሕ" (nystartsjobb) ዝተገብረ "መቝጸርቲ-ስራሕ"፥ ኣብቲ ሕጊ "ሓለዋ መቝጸርቲ-ስራሕ" (anställningsskydd, LAS) ዝጠቓለል’ዩ። እቲ "ወሃብ-ስራሕ"፡ "ሓባራዊ-ስምምዕ" ምስ ዚህልዎ ግን፥ ንገለ ክፋላት ካብቲ "ሓለዋ መቝጸርቲ-ስራሕ"፥ ኣእልይዎ ኪኸውን ይኽእል’ዩ።