Arbetsintegrerande övningsplatser

ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ተመዝጊብካ ዲኻ እሞ ኣብ ናይ ስርሕ ዕዳጋ ንኽትኣቱ ብዙሕ ሓገዝ የድልየካ ድዩ እምብኣር እዚ ምስ ስራሕ ዝተዉሃሃደ ናይ ምልምማድ ቦታታት ንስራሕ ንኽትዳሎ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

እንታይ

እንድሕሪ ካብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ንብዙሕ ግዜ ተፈሊኻ ጸኒሕካ እሞ ብናይ ስራሕካ ክእለት ትጠራጠር እንተ ኾንካ ብናይ ስራሕ መዳለዊ ጻዕሪ (arbetsförberedande insatser) ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ኣብ ሓደ ናይ ማሕበራዊ ትካል ርግኣትን ድሕነንትን ናይ ስራሕ ኣካባቢ ዘለዎ ናብ ናይ ስራሕ ህይወት ክትኣቱ ዕድል ይዉሃበካ፡ እዚ እንድ ገበርካ ከሎኻ እቲ ኣብ ናይ ስራሕ ህይወት ንነብስኻ ባዕልኻ ክትናቢ መሰረታዊ ዝኾነ መንገዲ ንኽትረክብ ክእለትካ ከተማዕብል መምርሕን ደገፍን ይዉሃበካ፡ እቲ ዕላማ ኣብቲ ናይ ማሕበራዊ ትካል ስራሕ ክትቁጸር እዩ፡ ካልእ ምርጫ ኽኣ ንትምህርቲ ክትዳሎ ወይ ኣብቲ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ዘዳልዉዎ ካልእ መደባት ክትሳተፍ እዩ።

ንመን

እቲ ደገፍ ንዓኻ ካብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ንነዊሕ እዋን ዝተፈለኻን ብናይ ስራሕ ክእለትካን ኣብ ኣየናይ ስራሕ ከም ዝሰማማዕካን ትጠራጠርን እዩ ዝምልከት።

እቲ ኣገባብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ

  • መጀመርያ እቲ ናይ ስራሕ መዳለዊ ጻዕሪ ንዓኻ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ዉሳኔ ንዉስን።
  • ብድሕሪኡ ኣቕራቢ ትመርጽ፡ ኣየኖት ኣቕረብቲ ክትመርጽ ከም ትኽእል ሓበሬታ ክንህበካ ኢና።
  • ኣቕራቢ ምስ መረጽካ ብዝተ ኣብ ሞንጎኻን፣ እቲ ኣቕራብን ከምኡ ዉን መራኸብቲ ስራሕን ንጅምር።
  • እቲ ናይ ጻዕሪ ስዓታት ምስቲ ናትካ ኩነታት ነማዓራርዮ።
  • እቲ ጻዕሪ እንዳ ተኻየደ ኸሎ ምዕባሌኻ ከመይ ይኸይድ ኣሎ ከምኡ ዉን ናትካ ርእይቶ ብዛዕባ ንጥፈታታትካ ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ እንታይ እዩ ንምፍላጥ ክንካታተል ኢና።

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።