Rusta och matcha

ኣዕጥቕን ኣጻምድን ንዓኻ ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ንነዊሕ ግዜ ተመዝግቢካ ዝጸናሕካ ሓደ ደገፍ እዩ፡ ኣብዚ ናይ ኣዕጥቕን ኣጻምድን እቶም ብዝመችአን ብዝቐልጠፈን መንገዲ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ንኽትረክብ ክድግፉኒ እዮም ትብሎም ኣቕረብቲ ባዕልኻ ትመርጽ ፡ ሓደ ኣቕራቢ ምስ መረጽካ ናብቲ ንስራሕ ንምርካብ ትገብሮ ጉዕዞ ንኽሕግዘካ ሓደ ተሓባባሪ (ሃንድሌዳረ) ይግበረልካ።

ኣዕጥቕን ኣጻምድን (Rusta och matcha)?

ኣብ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትረክብ ካብ ኣቕረብትና ሓደ ደገፍ ይዉፈየልካ፡ ኣየናይ ኣቕራቢ ከም ትደሊ ንስኻ ኢኻ ትሓሪ፡ ኣቕራቢ ምስ መረጽካ እቲ ኣቕራቢ ሓደ ተሓባባሪ ሓጋዚ ይገብረልካ፡

ኣብቲ ዝመረጽካዮ ኣቕራቢ ሓደ ትሓባባሪ ይዉሃበካ፡ እቲ ተሓባባሪ ንስኻ ብዝቐልጠፈ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ንኽትረክብ ክሕግዘካ ዝኽእል ንዓኻ ብዉልቂ ዝምችእ ንጥፈታት የዳልወልካ፡ ኣብ ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ሓንሳብ ምስ ትሓባባሪኻ ናይ ዉልቃዊ ኣኼባ ትገብር ከምኡ ኽኣ ኣብ ኣርባዕተ ሰሙን ሓንሳብ ምስቲ ኣቕራቢ ብኣካል ትራኸብ።

እቲ ኣቕራቢ ኣብ ዘድልየካን ኣብ ኩነታትካን ዝተሞርኮሰ ደገፍን ክትገብሮ ዘሎካ ንጥፈታትን ይህበካ፡ እዚ ብዛዕባ ርክብ ምስ ዉሃብቲ ስራሕ፣ ምርካብን ምንዳይን ስራሕ፣ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓበሬታ ትምህርትን ከምኡ ዉን ምሕባር መንገድ ክኸዉን ይኽእል፡

ኣዕጥቕን ኣጻምድን ምስ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን SFI ክዉሃሃድ ይክኣል እዩ፡

እንድሕሪ ድኣ ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብ ኴንካ ንገለ ንጥፈታት ብቛንቋኻ ሓገዝ ክግበረልካ ይክኣል እዩ።

ኣብ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ትካፈል (ብቛንቋ ሽወደን)

ፊልም
/

9 ደቓይቕ 16 ካልኢታት

ኣብዚ እንታይ እዩ እቲ ደገፍ ከምኡ ዉን እንታይ ከተማልእ ከም ዘሎካ ኣፍልጦ ትረክብ።

ኣዕጥቕን ኣጻምድን (Rusta och matcha) ንመን ይፍቀድ?

ኣዕጥቕን ኣጻምድን ንዓኻ ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ንነዊሕ ግዜ ተመዝግቢካ ዝጸናሕካ ሓደ ደገፍ እዩ፡ ኣብ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ክትካፈል ሓደ ሓደ ነገራት ከተማልእ ኣሎካ ከምኡ ዉን ኣብ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ዘዳልዉዎ ጻዕርታታ እትው ክትከዉን ኣሎካ፡ ኣብቲ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ዘዳልዉዎ ጻዕርታታ ክትምደብ መራኸብቲ ስራሕ እዮም ዝግምግምዎ።

ኣብቲ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ዘዳልዉዎ ጻዕርታታ መደብ ክትካፈል እንታይ ከተማልእ ከም ዘሎካ ክትፈልጥ ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ፡

ናይ ስራሕ መራኸብቲ ጻዕርታት

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

እቲ ኣገባብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ

1 ኣዕጥቕን ኣጽምድን ንዓኻ እዋናዊ እንድሕሪ ኮይኑ ንግምግም

ኣብቲ ምሳና ዝግበር ናይ ክትትል ዘተ እዚ ኣዕጥቕን ኣጽምድን ንዓኻ እዋናዊ እንተኾይኑ ገምጋም ንገብር፡ ገምጋም ክንገብር ከሎና ስታቲስቲካዊ ኣገባብ ከም ናይ መገምገሚ ደገፍ ንጥቀም፡ ኣብቲ ዘተ እቲ ናይ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ይምልከተካ እዩ እንድሕሪ ተባሂሉ ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልታት ኣየናይ ኣቕራቢ ከም ትደሊ ክትሕብረና ኣሎካ።

ገምጋምና በዚ ኣገባብ ነካይዶ

2 ኣቕራቢ ትመርጽ ከምኡ ዉን እቲ ዝመረጽካዮ ንዓና ትሕብረና

ነቲ ናትካ ድልየት ዘማልእ ኣቕራቢ ምረጽ፡ በቲ ናይቶም ኣቕረብቲ ፍልይ ዝበለ ብቕዓትን ሓበሬታን ከምኡ ዉን ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ ኣየኖት እዮም ዘለዉ፣ ቋንቋ- ፍልጠት ናይ ቅርንጫፍ ከምኡ ዉን ምሰ’የኖት ዉሃብቲ ስራሕ ርክብ ኣለዎም ኢልካ ተናዲ።

ኣየናይ ኣቕራቢ ከም ትደሊ ምስ ወሰንካ ምርጫኻ ሓብረና፡ እዚ በዚ ዝስዕብ ናተይ ገጻት (Mina sidor) ወይ ንዓና ብምዉካስ ትገብሮ፡ እንድሕሪ ድኣ ክትዉከሰና ኾንካ ናይቲ ኣቕራቢ ኮ ኣ ቁጽሪ (KA-numret) ትህብ፡ እቲ KA-numret ኣብቲ ናይቲ ኣቕራቢ ስም ትረኽቦ ኣቕራቢ ኣናዲ (Sök leverantör)።

እንድሕሪ ባዕልኻ ኣቕራቢ ክትመርጽ ዘይክኣልካ ወይ ዘይደለኻ ካብቲ ኣብቲ ጥቓ ንስኻ ትቕመጦ ዝሰርሑ ኣቕረብቲ ሓደ ክንመርጸልካ ኢና።

3 ኣቕራቢ ምስ መረጽካ

ሓደ ናይቶም ኣቕረብቲ ትሓባባሪ ንናይ መጀመርያ ኣኼባ ድሃይ ክገብረልካ እዩ፡ ብሓደ ኾንኩም ብዝቐልጠፈ ናብ ስራሕ ገጽካ ክትቀርብ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር ናይ ዉልቀ ግዜ ሰለዳ (schema) ክትሕንጽጹ ኢኹም።

ኣብቲ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ሽዱሽተ ወርሒ ኢኻ ትስታፍ፡ ድሓር ከመይ ከም ዝኸደልካ ብሓደ ኴይና ንግምግሞ፡ እንድሕሪ ንሕና መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ኣብቲ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ተወሳኺ ግዜ የድልየካ እዩ ኢልና ገምጊምና ንዓኻ ተወሳኺ ግዜ እዋናዊ ክኸዉን ይኽእል እዩ።

ሕጂ ብዘለዎም መቕረባይ ሕጉስ እንተዘይኮይኖም ክቕይሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ይርከቡና።

እቲ ኣዕጥቕ ኣጽምድ ናይ ምልክት ቋንቋ ኣተርጓሚ፣ ናይ ቋንቋ ደገፍ ከምኡ ዉን ናይ ምጽሓፍ ኣተርጓሚ የጠቓልል እዩ።

ልሙዳት ሕቶታትን መልስታትን

እንድሕሪ በቲ ዝመረጽካዮ ኣቕራቢ ዕጉብ ዘይ ኮንካ መጀመርያ ምስቲ ኣቕራቢ ተዛረብ፡ ንምሳሌ ናብቲ ናይቲ ትምህርቲ መራሒ ወይ ናብ ገለ ካብቶም ሓለፍቲ ኪድ፡ ምስቶም ኣብኡ ዘለዎ ትኻፈልቲ ተዝራሪብካ ዉን ጽልዋ ክትገብር ፈትን።

ምስቲ ኣቕራቢ ተዘራሪብካ ግን ገና ምስቲ ኣሰራርሓ ዝዉሃብ ኣገልግሎት እንተ ዘይ ዓገብካ ሓበሬታ ናይቲ ጉድለታት ንሰብ-መዚ ክትህብ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ እቲ ኣቕራቢ ርእይቶ ሃብ (ብቛንቋ ሽወደን)

ኣብቲ ኣኼባ ምምጻእን እቲ ንስኻን ትሓባባሪኻን ክትገብሮ ዝተሰማማዕክሙሉ ምግባሩን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ እንድሕሪ ዘይተኻፈልካ መጠንቀቕታ ክመጽካ ይኽእል እዩ፣ ንሓደ ወይ ንብዙሕ መዓልታት ብዘይ መትካእታ ገንዘብ ክትተርፍ ትኽእል ከምኡ ዉን እቲ ኣብቲ መደብ ዘሎካ ቦታ ተጥፍኦ።

ኣብ ኣዕጥቕን ኣጽምድን ስራሕ እንተ ረኺብካ ወይ ትምህርቲ እንድሕሪ ጀሚርካ እቲ ኣቕራቢ መተካእታ ገንዘብ ይዉሃቦ እዩ፡ እዚ ስለ ዝኾነ እቲ ኣቕራቢ ስራሕ እንድሕሪ ረኺብካ ስራሕ ከም ዝረኸብካ ዘርኢ ምስክር ክረክብ ኣገዳሲ እዩ፡ ነቲ ዉሃብ ስራሕካ ምስክር ክህበካ ሕተቶ ድሓር ተቐቢልካ ነቲ ኣቕራቢ ሃቦ።

እወ እቲ ኣቕራቢ ክትካፈል ከሎኻ ናይ ቋንቋ ደገፍ ከቕርበልካ እዩ።

እወ ንምሳሌ ብፈረቓ ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ እንድሕሪ ኣሎኻ ወይ ካልእ ንጥፈት ብመራኸብቲ ስራሕ ዝድገፍ ንፈርቓ እንተ ኣሎካ ይክኣል እዩ፡ ቋንቋ ሽወደን (sfi) ትምሃር እንድሕሪ ኮንካ ዉን ኣብ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ክትክፈል ትኽእል ኢኻ።

ምዕጣቕን ምዝማድን (rusta och matcha) ምስ ወሰንና እቲ መቕረባይ ነቲ ትልሞም ክርእይ ይኽእል እዩ ከምኡ እውን ነቶም ናይ መወዳእታ ክልተ ሓበሬታ ንጥፈታቶም (aktivitetsrapporter) ክርእይ ይኽእል እዩ።

ገለ ክፋላት ናይ ኣዕጥቕን ኣጽምድን ኣብቲ ቦታ እዩ ዝካየድ ስለዚ ክትግዕዝ ከሎኻ ብሻቡ ኸሎ ኣቕራቢ ንኽትቅይር ክትሕብረና ከድልየካ እዩ።