ከምዚ ጌርና ንግምግም ስራሕ ብኸመይ ብቑልጡፍ ክትረክብ ከም ትኽእል ከምኡ ኽኣ ኣየናይ ደግፍ ከም ዘድልየካ

ኣብ ናይ ስራሕ መራኸብቲ ቤት ጽሕፈት ክትምዝገብ ከሎኻ ስራሕ በየናይ ቅልጣፈ ክትረክብ ትኽእልን ኣየናይ ደገፍ ከምዘድልየካን ንግምግም። ሓደ ናይ ኣሃዛዊ ጸብጻብ (ስታትስቲክ) መገምገሚ ድጋፍ ኢና ንጥቀም ፡ እዚ ብኡንብኡ (ብኣዎቶማቲክ) ዝግበር ኮይኑ ኣብቲ ንስኻ ዝሃብካና ናይ ብሕታዉኻ ሓበሬታ ዝተሞርኮሰ እዩ፡ እቲ ዕላማ ድማ ንስኻ ብዝተኻኣለ ቀልጢፍካ ስራሕ ንኽትረክብ ክንሕግዘካ እዩ።

እቲ ናይ ኣሃዛዊ ገምጋም ደገፍ

ፊልም
/

2 ደቓይቕ 39 ካልኢታት

ኣብዚ እቲ ኣሃዛዊ ገምጋም ብኸመይ ከም ዝሰርሕ እትገልጽ ሓንቲ ሓጻር ፊልም ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

ኣየናይ ሓበሬታ ኢና ንጥቀም?

እቲ ተግባራት ብኡንብኡ ክንሰርሓሉ ከሎና እቲ ክትምዝገብ ከሎኻ ዝሃብካና ሓበሬታ ከምኡ ዉን ኣብቲ ናህና ስርዓት (system) ዘሎ ካልእ ሓበሬታን ኢና ንጥቀም፡ ዝተመዝገብካሉ ግዜ፣ ትምህርቲ፣ ዕድመ ከምኡ ዉን ኣብቲ ትቕመጠሉ ቦታ ዘሎ ዕድላት፡ ንኣብነት ካብ ትምዝገብ ነዊሕ ግዜ እንድሕሪ ጌርካ ካብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ኣዚኻ ሪሕቕካ ከም ዘሎኻ የርኢ፡ እዚ ኣተኣላልያ ምቕራጽ (ፕሮፋይሊንግ) ይብሃል እዚ ብሕጋዊ ትርጉም ንዝተወሰኑ ናይ ብሕቲ ባህርያት ንምግምጋን ንምትንባይን ዝካየድ ናይ ብሕቲ ሓበሬታታት ብኡንብኡ ምትግባር ማለት እዩ።

ናይ ስራሕ መራኸብቲ ቤት ጽሕፈት ካብ ካልኦት ሰብ መዚ ዉን ሓበሬታ ከምጽኡ ይኽእሉ እዮም ንኣብነት ናይ ምፍላስ ሰብ መዚ (Migrationsverket)።

  • ናይ ምዝገባ ግዜ
  • ኣብዚ ናይ ሕጂ ናይ ምዝገባ እዋን ዝዉሃብ ዘሎ ጻዕርታት
  • ምድብ ኣመልካቲ
  • ከባቢያዊ ምንዳይ
  • ትዉልዲ ሃገር
  • ኣውራጃ
  • ናይ ቦታ ቁጽሪ ቡስጣ (Postnummer)
  • ናይ ቡስጣ ቦታ (ከባቢ)
  • ምምሕዳር ከተማ
  • ደረጃ ትምህርቲ
  • ኣንፈት ትምህርቲ
  • ዘናደኻዮም ናይ ስራሕ ሞያታት (ክሳብ 4 ሓባ)
  • ኣብቶም ዘናደኻዮም ናይ ስራሕ ሞያታት ዘሎካ ተሞክሮ
  • ኣብቶም ዘናደኻዮም ናይ ስራሕ ሞያታት ዘሎካ ትምህርቲ
  • ዕድመ
  • ጾታ
  • ምስ ኣየኖት ኣ-ካ (A-kassa) ኢኻ ተመዝጊብካ
  • ዝተመዝገብካሉ ወርሒ
  • ስንክልና

እቲ ዘድልየካ ደገፍ

ካብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ዘሎካ ርሕቀትን እሞ ብዝቐልጠፈ ስራሕ ንኽትረክብ እንታይ ዓይነት ድጋፍ ከም ዘድልየካ ንኽንፈልጥ ንሕና መራኸብቲ ስራሕ እዚ ሓበሬታታት ምስቲ ጉዳይ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ገምጊምና ኣሎና፡ እቲ ናይ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ኣገልግሎት ቅኑዕ ደገፍ ክህበካ ዝኽእል እንተ ኾይኑ ንኸንዉስን እቲ ናይ ስታስቲክ መገመገሚ ደገፍ ንጥቀም ኢና።

ሰለስተ ናይ ደገፍ ምድብ

እቲ ናይ መገምገሚ ደገፍ ንመራኸብቲ ስራሕ ኣየናይ ደርጃ ናይ ደገፍ ከም ዘድልየካ ሓሳባት ይህበና፡ እቶም ደረጃታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • ዘድልየካ ደግፍ ዉሑድ እዩ ንኣብነት ብቑሩብ ሓገዝ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ቤት ጽሕፈት ባዕልኻ ነብስኻ ከተማሓድር ትኽእል ኢኻ እዩ ዝብል እቲ ገምጋም
  • ስራሕ ክትረክብ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር ዝያዳ ሓገዝ የድልየካ እዩ
  • ናይ መራኸብቲ ስራሕ ቤት ጽሕፈት ክምርምርዎ ዘለዎም ዕሙቕ ዝበለ ደግፍ እዩ ዘድልየካ

እቲ ዝበለጸ ደገፍ ንዓኻ

ብድሕሪኡ መራኸብቲ ስራሕ ካብቲ ብዛዕባኻ ዘሎና ኩሉ ሓበሬታን ከምኡ ዉን እቲ ናይ መገምገሚ ደገፍ ዝህበና ሓሳባትን ተበጊስና ገምጋም ንገብርከምኡ ዉን ድሓር ኣየናይ ደገፍ ከም ትረክብ ንዉስን፡ እቲ ዕላማ ንስኻ ብዝትኻኣለ መጠን ጽቡቕ ደገፍ ንኽትረክብ እዩ።

ብማእዘን ዝልኣኽ መልእኽቲ

መራኸብቲ ስራሕ ነቲ ናይ ዉልቃዊ ሓበሬታኻ ብምጥቃም ዉን እቲ ንስኻ ትግደስሉ ኢኻ ኢልና ንሓስቦን ከምኡ ዉን ምስ ናይ ስራሕ ምንዳይ ጉዳይካ ዝተታሓሓዘን ሓበሬታ ክንሰደልካ ኢና፡ እቲ ዝስደድ እዋናዊ ደብዳበ ድሕሪ ደጊም እንተ’ዘየድልየካ ጠጠው ከተብሎ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ሚስጢር ምዕቃብ ደንብታት

መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ናይ ዉልቃዊ ሓበሬታ ክንጥቀም ከሎና ናይ ግልጻዉን- ናይ ምስጢር ምዕቃብን ሕጊ (2009፡400) ኢና ንኽተል፡ ኣብ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ኣሰራርሓ እቲ ዝምልከቶ ኣገባባት ኣብ 28 ምዕራፍ 11፣ ከምኡ ዉን 12a §§ ዝተሞርኮሰ እዩ፡ እቲ ዉልቃዊ ሓበሬታ እንድሕሪ እቶም ዝተሰማማዕናዮም ኣቕረብቲ ወይ ካልኦት ሰብ-መዚ ከም ናይ ዉሕስነት-ካሳ (Försäkringskassan)፣ CSN፤ ከምኡ ዉን ናይ ሽወደን ናይ ስራሕ-ኣልቦነት ካሳታት (Sveriges a-kassor) ኣድልይዎም ንኽንህቦም እቲ ናይ ሚስጢር ምዕቃብ ኣይክልክለናን እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ

ኩሉ እቲ ኣተሓሕዛ ናይ ብሕቲ ሓበሬታ መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ብሕቲ ሓበሬታ ሕግታት ክህልዎ ኣለዎ፡ መራኸብቲ ስራሕ ቤት ጽሕፈት ነቲ መስርሕ መቕረጽ (ፕሮፋይል) ብሕጋዊ መሰረት ደገፍ ንናይ ”ህዝባዊ ጥቕሚ” ከምኡ ዉን ንናይ ”መዚ ኣጠቓቕማ” ክዉዕል ይገብርዎ ፡ ዕላማ ናይቲ ብሕታዊ ሓበሬታ ኣተሓሕዛ መስርሕ ናይቲ ጉዳይ እዩ።

መስርሕ መቕረጽ (ፕሮፋይል) ብሕጋዊ መንገዲ መግለጺ ማለት ብኡንብኡ ብምጥቃም ኣተሓሕዛ ናይ ብሕታዊ ሓበሬታ ንገለ ብሕታዊ ባህርያት ናይ ሓደ ሰብ ብሕልፊ ንኣብነት ናይ ቁጠባ ኩነታት፣ ምርጫታት፣ ዝንባሌታት፣ ባህርያት ወይ ዝነብረሉ ከባቢ ንምምርማር ወይ ንምትንባይ ንጥቀም።

ኣብዚ መራኸብቲ ቤት ጽሕፈት ነቲ ናትካ ናይ ብሕትኻ ሓበሬታን ብኸመይ ከም ዝሕዝዎን ከምኡ ኽኣ ንስኻ ከም ምዝጉብ እንታይ መስለ ከም ዘሎካ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ።

ውልቃውያን ሓበሬታትካ ብኸምዚ ንሕዞ