Projekt med arbetsmarknadspolitisk inriktning

ኣብቲ ተነብረሉ ቦታ ምስ ካልኦት ተዋሳእቲ ዄንና ነካይዶ ናይ ፖሊሲ ዕዳጋ ስራሕ ፕሮጀክት ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ሓደ ብቑዕ ፕሮጀክት እንተ ኣሎ ኾይኑ ንኽትሳተፍ ክትዕደም ትኽእል ኢኻ።

እንታይ

ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ኣብ ገለ ምስቶም ካልኦት ተዋሳእቲ ሓደ ሓደ ግዜ ነካይዶ ፕሮጀክት ንምስታፍ ተኽእሎ ክህሉ ይኽእል እዩ። እቶም ንሕና ምስኦም ተሓባቢርና ንሰርሕ ንኣብነት ሓንቲ ትካል፡ ሓንቲ ኮሙን ወይ ሓንቲ ማሕበር ክትከውን ትኽእል ኢያ። እቶም ንጥፈታት ንዝተወሰነ ግዜ ይኸዱን ፍሉይ ዕላማን ሸቶን ድማ ኣሎዎም። እዚ ብዛዕባ ኣብቲ ናትና ልሙዳት ቀረባት እቱዋት ዘይኮኑ ሓደሽቲ ንጥፈታት ምፍታን ወይ ስራሕ ንምድላይ ሓደ ሓድሽ ሜላ ምምዕባል ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ትሕዝቶን እቶም ንጥፈታትን ኣብቲ ፕሮጀክት ተሞርኵሶም ይፈላለዩን ናብ ፍሉያት ጕጅለ ከም መንእሰያት ዕድመ ዝደፍኡ ወይ ኣብ ውሽጢ ፕሮግራም መትከል እግሪ ዘሎዉ ሰባት ዝዓለመ ክከውን ይኽእል እዩ። ዕላማ ናይ ኣብዚ ፕሮጀክት ምስታፋ፡ ሓደ ስራሕ ንምርካብ ዕድላትካ ንምሕያል እዩ።

ኣብ ሓደ ናብ ፖሊሲ ዕዳጋ ስራሕ ዘተኾረ ፕሮጀክት ክሳብ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ይዓቢ ኣሎ ኢልና እንተ ገምጊምና እቲ ኣብዚ ፕሮጀክት ዘሎካ ግዜ ከነናውሖ ንኽእል ኢና።

ንመን

ናብ ፖሊሲ ዕዳጋ ስራሕ ዘተኾረ ፕሮጀክት ንዓኻ ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካ ወይ ስራሕ ኣልቦ ንኽትከውን ኣብ ሓደጋ ዘሎኻ እዩ። እቲ ትሕዝቶን እቶም ንጥፈታትን ኣብቲ ፕሮጀክት ተሞርኵሶም ይፈላለዩን ናብ ፍሉያት ጕጅለ ሰባት ዘተኾሩን ስለ ዝኾኑ፡ እቲ ፕሮጀክት ንመን ከም ዝሰማማዕ ክፈላለ ይኽእል እዩ።

ኣባና ከም ደላይ ስራሕ ዝተመዝገብካ ክትከውን የድልየክ።

ብኸምዚ ይሰርሕ።

ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ሓደ ብቑዕ ፕሮጀክት እንተ ኣሎ ኾይኑ፡ ነቲ ፕሮጀክት ከነፍልጠካ ንኽእል ኢና። ሓደ ካብቶም እዚ ፕሮጀክት ዚምልከቶም ሰባት እንተ ዄንካ፡ ኣብዚ ፕሮጀክት ንኽትሳተፍ ብቑዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።