Lönebidrag

ብምኽንያት ሓደ ስንክልና ዝነከየ ዓቕሚ ስራሕ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ምስቲ ናትካ ኵነታት ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ ሓደ ስራሕ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ማዕረ ማዕርኡ እቲ ወሃብ ስራሕካ ንደሞዝካ ዝኸውን ቍጠባዊ ሓገዝ ክወሃቦ ይኽእል እዩ።

እንታይ

Lönebidrag ፡ እቲ ወሃብ ስራሕካ ንስራሕካን ንናይ ስራሕ ቦታኻን ምስቲ ናትካ ኵነታት ከም ዝሰማማዕ ስለ ዝገበሮ ንወሃብ ስራሕካ ከም ሓደ ካሕሳ ዝኽፈሎ ሓደ ቍጠባዊ ሓገዝ እዩ። ክልተ ዓይነት ቍጠባዊ ሓገዝ ደሞዝ ኣሎ፡

  • Lönebidrag för utveckling i anställning – ምእንቲ ኣብ መጻኢ ግዜ ብቐሊሉ ስራሕ ክትረክብ ወይ ክትምሃር ክትጅምር ነቲ ናትካ ክእለትን ናይ ስራሕ ብቕዓት ንምምዕባል።
  • Lönebidrag för trygghet i anställning – ነቲ ናትካ ብቕዓትን ክእለትን ዝሰማማዕ ሓደ ስራሕ ንምርካብን ንምዕቃብን ዘለኦካ ዕድል ንምዕባይ።
  • Lönebidrag för trygghet i anställning – ንዓኻ ሓደ ስራሕ ንምርካብን ንምዕቃብን ነዊሕ ዝጸንሕ ደገፍ ዘድልየካ።

ምስ ናይ ግልን መንግስታውን ወሃብቲ ስራሕ ክልቲኡ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ብቀዋሚ ስራሕ ዝተቖጸርካ ወይ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ ስራሕ ዘሎካ ክትከውን፡ ከምኡ’ውን ብምሉእ ግዜ ወይ ክፋል ግዜ ክትሰርሕ ትኽእል ኢካ።

እቲ ናይ መጀመርታ ውሳኔ ናይ ቍጠባዊ ሓገዝ ንሓደ ዓመት የጠቓልል። ንዝነውሐ ግዜ ምስምማዕ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ነቲ ውሳኔ ከነናውሖ ንኽእል ኢና። እቲ ዕላማ ኣብ መወዳእታ ነቲ ናትካ ናይ ስራሕ ምቝጻር ናብ ምቝጻር ስራሕ ብዘይቍጠባዊ ሓገዝ ንወሃብ ስራሕ ንምስግጋር እዩ።

ንመን

ዝነከየ ዓቕሚ ስራሕ ዘስዕብ ስንክልና ዘሎዎ ደላይ ስራሕ እንተ ዄንካ፡ ቍጠባዊ ሓገዝ ደሞዝ ዝወሃቦ ስራሕ ክትቍጸር ትኽእል ኢኻ። ኣባና ከም ደላይ ስራሕ ዝተመዝገብካ ክትከውን የድልየክ።

ብኸምዚ ይሰርሕ።

  • ለነ-ቢድራግ(ኣስራሒ ዝሓቶ ሓገዝ ናይ ደሞዝ) ዝምልከት ውሳነ ቅድሚ ምሕላፍና፡ኣብ ህሉው ኲነታትካን ተኽእሎታትካን ብምምርኳስ ገምጋም ነካይድ።
  • እቲ ናይ ስራሕ ቦታ ብቑዕ እንተ ኾይኑን እቲ ስራሕ ዝሰማምዓኻ እንተ ኾይኑን ምሳኻን እቲ ወሃብ ስራሕን ብሓባር ኴንና ንግምግም።
  • ምሳኻን ምስቲ ወሃብ ስራሕን ሓደ ውዕል ንጽሕፍን ምስ ማሕበር ሰራሕተኛታት ንማኸርን ኢና። ኣብቲ ውዕል ኣየኖት ስራሓት ከም ዝወሃቡኻ ክሰፍር ኣሎዎ። ናይ ብቕዓት ምዕባለ፡ መምርሒን ናይ ስራሕ ምስምማዕን፡ ኣብነት ናይ ከምቶም ኣብቲ ስምምዕ ዝኣትዉ ነገራት እዮም።
  • እቲ ናይ ስራሕ ዓቕምኻ ከመይ ጌርካ ከም ተማዕብሎን ብኸመይ እቲ ወሃብ ስራሕ ኣብ መጻኢ ነቲ ናትካ ናይ ስራሕ ምቝጻር ቍጠባዊ ሓገዝ ንኸየድልዮን ሓደ ውጥን ንገብር።

ነቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ደሞዝ ዝወሃቦ ምቝጻር ስራሕ ብስራዕ ንከታተሎን ከምኡ’ውን ንዓኻን ነቲ ወሃብ ስራሕን ደገፍ ኢና።

ደሞዝ

ብመሰረት ኣብቲ ናይ ሓባራዊ ስምምዕ ዕዮ ሰፊሩ ዘሎ፡ ደሞዝን ካልኦት ናይ ስራሕ ረብሓታትን ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ።

ሓለዋ መቝጸርቲ-ስራሕ

እቲ ወሃብ ስራሕ ብመሰረት ናይ ሓባር ውዕል ናይ ስራሕ ሙቝጻር ሓለፋታት ክህብ ሓላፍነት ይወስድ።

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።