Bidrag till hjälpmedel på arbetsplatsen

ናይ ስራሕ ተግባራቶም ንምፍፃም ረድኤት ዘድልዮም እንተኾይኑ ካብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ናይ ገንዘብ ኣበርክቶ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ደገፍ ኣብ ስርሖም ንዖኦም ዝፀልው ጉድኣት ንዘለኩም ተፈፃሚ ይኸውን። ነቲ ደገፍ ናይ ምርካብ ቅቡልነት እንተልዩዎምን ኣየኖት ረድኤታት ብዝሐሸ ኩነታት ክሕግዝዎም ከም ዝኽእሉ ንምርምር ኢና።

ኣብ መስርሒ ቦታ ንረድኤት ኣበርክቶ እንታይ እዩ?

ኣብ ስርሖ ንዖኦም ዝድግፉ ረድኤታት ንምግዛእ፣ ንምክራይ ወይከዓ ንምፅጋን ሓገዛት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፤ ብፍሉይ መልክዑ ዝተዳለወ መሳርሒ፣ ዓው ኢሉ ንክንበብ ዝሕግዞም መንበቢ ብርዒ ወይከዓ ዝተፈለየ ሶፍትዌር ክኸውን ይኽእል እዩ። ዕላማ እቲ ድጎማ ስራሕ ንምርካብ ወይ ንምዕቃብ ዝሓሹ ዕድላት ምሃብ እዩ።

ናይ ረድኤት ድጎማ መን ክረክብ ይኽእል?

ኣብ ናይ ምስራሕ ዓቕሞም ፅልዋ ዘሕድር ጉድኣት ኣካል እንተሃልዩዎምን ንስርሖም ዝሕግዝ ረድኤታት እንተደልዮም ናይ ደገፍ ድጎማ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ተቖፃሪ ስራሕ ወይከዓ ፈጣሪ ስራሕ ክኾኑ ይኽእሉ፣ ወይከዓ ስራሕ ኣብ ዝደልይሉ እዋን ኣብ ፕሮግራማትና ወይ ፃዕርታትና ንምስታፍ ረድኤታት ዝደልዩ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ እውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ውሽጢ ኣብ መስርሒ ቦታ መሰረት ዝገበረ ትምህርቲ (arbetsplatsförlagt lärande) እንተተሳቲፎምን ናብ ስራሕ ዝግበር ስግግር ቀሊል ንምግባር ሓገዝ እንተደልዮም ነቲ ድጎማ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ወሃብ ስርሖም እውን ናይ ሓገዝቲ መስራሕታት ወይከዓ ናይ ስራሕ መሳርሕታት ወይከዓ መስርሒ ቦትኦም ንምልምማድ ድጎማ ክረክብ ይኽእል እዩ።

ንወሃብቲ ስራሕ ኣብ መስርሒ ቦታ ናይ ረድኤታት ኣበርክቶ

ኣብቶም ናይ መጀመርታ 12 ኣዋርሕ ኣብ ዝተቖፀርሉ ወይከዓ ናይ ባዕሎም ቢዝነስ ኣብ ዝመርሕሉ እዋን ድጎማ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ እንተሰሪሖም ኣብ ክንድኡ ናይ ስራሕ ሓገዝ ካብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ስራሕ ሓገዝ ኣበርክቶ ካብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (forsakringskassan.se)

ብድጎማ ማህያ ተቖፂሮም ወይከዓ ብህዝባዊ ወሃቢ ስራሕ ውሕስነት ዘለዎ ስራሕ (skyddat arbete hos en offentlig myndighet) እንተልዩዎም፣ ዋላ ድሕሪ 12 ኣዋርሕ ስራሕ ድጎማ ክቕበሉ ይኽእሉ እዮም።

ብህዝባዊ ወሃቢ ስራሕ ውሕስነት ዘለዎ ስራሕ

ድጎማ ማህያ

እቲ ኣበርክቶ ክንደይ ዝኣክል እዩ?

ኣብ ዓመት ክሳብ 100000 ክሮነር ድጎማ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ፍሉይ ምኽንያታት እንተልዮም ልዑል መጠን ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ወሃቢ ስርሖም ክሳብ 100000 ክሮነር ድጎማ ክረክብ ይኽእል እዩ።

ብኸምዚ ይሰርሕ

1. ዓርሶም ይመዝግቡ (Skriv in dig)

ቀዲሞም እንተዘይተመዝጊቦም ኣብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ይመዝገቡ። ድጎማ ክረኽቡ ዝኽእሉ ምዃኖም ንምግምጋም እዚ የድልየና እዩ። ዋላ እውን ስራሕ እንተሃልዎምን ሓዱሽ ስራሕ ዘይደልዩ እንተኾኑ ክምዝገቡ ኣለዎም።
Länk

ባዕልኻ ተመዝገብ (ብሽወደንኛ)

2. ንስራሕ ይርከቡና

ኣቐዲሞም ዝተመዝገቡ እንተኾይኖም ብቐጥታ ከዘራርቡናን ብዛዕባ ድሌታቶም ከዕልሉናን ይኽእሉ እዮም። ስራሕ እንትደልዩ፣ ንህይወት ስራሕ ወይከዓ ስራሕ እንትዳለዉን ጉድኣት ኣካሎም ከመይ ክም ዝፀልዎም ክንፈልጥ ኣለና።
Länk

ይርከቡና

3. ድልየታቶም ንምርምር ኢና

ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ድልየታቶም ንምርዳእን ኣየኖት ሓገዛት ንስርሖም ከም ዘቀላጥፉን ንምፍላጥ ምስኦም ብምዃን ምርመራ የካይድ እዩ።

4. ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ውሳነታት ይውስን

ነቲ ድጎማ ኩሎም ኩነታት ክም ዝተማልኡ ነረጋግፅ ካብኡ ውሳነ ንህብ። ቀፂሉ እቲ ውሳነ ናብ ገዝኦም ብፖስታ ወይከዓ ናብ ዲጂታል ናይ መልእኽቲ ሳንዱቖም ይለኣኽ።

5. እቲ ድጎማ ቅቡል እንተኾይኑ ሓገዛቶም ክረኽቡ እዮም

እቲ ድጎማ ቅቡል እንተኾይኑ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ሓገዛቶም ኣብ ምእዛዝን ምኽፋልን ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ካብኡ ናብኦም ወይ ናብ መስርሒ ቦትኦም ይለኣኹ። ከምኡ እውን ንሓገዛቶም ባዕሎም ኣዚዞምን ከፊሎምን እቲ ገንዘብ መሊሶም ካባና ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ገንዘብ ከመይ ከም ዝረኽቡ ምስቲ ውሳነ ሓበሬታ ክረኽቡ እዮም።

ኣብ መስርሒ ቦታ ብዛዕባ ድጎማ ሓገዝቲ መሳርሕታት ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ

  • ሓገዝቲ መሳርሕታት ንምግዛእ ኣብ ዝግበር ኣበርክቶ ንሶም ብዓል ዋና ይኾኑ፣ ናይቲ ሓጋዚ መሳርሒ ሓላፍነት እውን ይወስዱ። ዘድልዮም ውሕስነት ኩሉ ምውሳዶም የስታውሱ። መስርሒ ቦታ እንተቐይሮም እቲ ሓገዝ ምስኦም ኣፅኒሖም ኣብቲ ሓዱሽ መስርሒ ቦትኦም ክጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም።
  • ኣብ ድጎምኦም ዘለዎም መሰል ዝፀልው ዝኾነ ነገር እንተተቐይሩ ንዓና ከፍልጡ ኣለዎም።
  • ዝተጋገየ ሓበሬታ እንተቕሪቦም ወይከዓ ነቲ ሓገዝ ካብ ስምምዕና ወፃኢ ብዝኾነ መንገዲ እንተተጠቒሞምሉ ነቲ ድጎማ ክምልሱ ይኽእሉ እዮም።

ተወሰኽቲ ድጎማታት ይርከቡ