Jobba inom Samhall

ኣብ ትካል ሳምሃል ብምስራሕ፡ ናይ ስራሕ ዓቕምኻን ብቕዓት ሞያኻን ከተማዕብል ዕድል ትረክብ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ደገፍን መምርሕን ኪወሃበካ’ዩ።

እንታይ

ሳምሃል፡ ዝነከየ ዓቕሚ ስራሕ ዘስዕብ ስንክልና ንዘለዎም ሰባት ትርጉም ዘለዎን ዘማዕብልን ስራሕ ንምፍጣር ዕማም ዘለዎ ብመንግስቲ ዝውነን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ኩባንያ ሽወደን’ዩ። ዕላማ ስራሕ ሳምሃል፡ ናይ ስራሕ ዓቕምኻን ብቕዓት ሞያኻን ንኸተማዕብሎ’ዩ። ንሓዋሩ ግን ምስ ካልእ ወሃብ-ስራሕ ስራሕ ክትረክብ ክትክእል ኣሎካ።

ንመን

ኣባና ከም ደላይ ስራሕ ተመዝጊብካ ዲኻ ከምኡ ዉን ንናይ ምስራሕ ዘሎካ ክእለተ ጽልዋ ዝገብረሉ ኣካለ ስንክልና ኣሎካ? እምብኣር ሳምሃል ንዓኻ ዝምችእ ናይ ስራሕ ቦታ ክኸዉን ይኽእል እዩ፡ ኣብ ስራሕ ክትምዕብል ዕድላት ትረክብ ከምኡ ዉን ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ ካልእ ኣስራሒ ክትሰርሕ ዘሎካ ዕድል ይዛይድ፡ እንድሕሪ ዕድመኻ ትሕቲ 30 ዓመት ኮይኑ ኣብ ሳምሃል ንዉሱን ግዜ ተቖጺርካ ክትሰርሕ ቀዳምነት ይዉሃበካ።

ኣብ ሳምሃል ምስራሕ እቲ ፊልም ብቋንቋ ሽወደንኛ’ዩ።

ፊልም
/

2 ደቓይቕ 49 ካልኢታት

ኣብዛ ፊልም፡ ኣብ ሳምሃል ምስራሕ ከመይ ከም ዝኾነ ትርዳእ።

በዚ ዚስዕብ ኣገባብ ይሰርሕ

ኣብ ሳምሃል ተቖጺርካ ንኽትሰርሕ ክፍቀደካ ንግምግም ንሕና መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ኢና፡ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ኩነታትካ ከመይ ከም ዘሎ እዩ ዝዉስኖ።

  • እንድሕሪ ድኣ ኣብ ሳምሃል ክትሰርሕ ድልየት ኣሎካ ኾይኑ እቲ ድልየትካ ንሓደ ናይ ስራሕ-መራኸቢ (arbetsförmedlare) ብምንጋር ጀምር፡ እቲ ዝዉሃበካ ደገፍ ንምንታይ ንናይ ስራሕ ዕድልካ ከዛይዶ ከም ዝኽእል ንኽትደፍኣሉ ምእንቲ ተዳሎ።
  • እቲ ዘለኻዮ ኩነታት ብሓደ ኾይና ፈቲሽና ንፈልጦ፡ ኣብ ሳምሃል ስራሕ ንኽትቁጽር እቲ ዘድሊ ቅድመ-ኩነት እንድሕሪ ተማልእ ኴንካ ናብኡ ዑደት ክትገብር እዋናዊ ክኸዉን ይኽእል እዩ፡ ሽዑ ኣብ ሳምሃል ምስራሕ ከመይ ከም ዝኾነን ከምኡ ዉን ብኸመይ ከም ትምዕብል ብዝያዳ ትፈልጥ።
  • እንድሕሪ ድኣ ሳምሃል ንዓኻ ጽቡቕ እዩ ኢልና ገምጊምና ነጻ ቦታ ኣብ ዝተረኸቦ ግዜ ዝምልከተካ ስራሕ (ትጅምር) ይኸዉን፡ ብድሕሪ’ዚ እቲ ዕላማ ናይ ኣብኡ ምቑጻርካ፣ ንኽትምዕብል እንታይ ዝተፈላለየ ስጉምትታት ክትወስድ ከም ዘሎካ ከምኡ ዉን እንታይ ደገፍ ከም ዘድልየካን ምሳኻን ምስ ሳምሃልን ኮይና ብዛዕባ እዚ ዝገልጽ ስምምዕ ንገበር።
  • ኣብኡ ኣብ ዘሎኻሉ ግዜ እቲ ሓለቓኻ ከተባባዓካ፣ ክብድሃካን ክድግፈካን እዩ፡ ናይ’ዚ ዕላማ ድማ ንስኻ ሓደ መዓልቲ እቲ ዝቕጽል ስጉምቲ ብምዉሳድ ምስ ካልእ ዉሃብ ስራሕ ተቖጺርካ ንኽትሰርሕ ድሉው ንኽትከዉን እዩ።

ደሞዝ

ኣብ ሳምሃል ሰራሕተኛ ኣብ ዘሎኻሉ እዋን ብመሰረት እቲ ናይ ሓባር ስምምዕ፡ ደሞዝን ካልእ ናይ ሰራሕተኛ ረብሓታትን ትወሃብ።

ሓለዋ መቝጸርቲ-ስራሕ

ሳምሃል፡ ብመሰረት ሓባራዊ ውዕል፡ ዕድላት ረብሓታት ስራሕ ንሰራሕተኛታት ኪህብ ሓላፍነት ይስከም ።

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።