Arbetspraktik

ናይ ስራሕ ሂወት ተመኩሮ ከተጥሪን ስራሕ ንኽትረክብ ዘሎካ ዕድል ከተዕብዮን የድልየካ ድዩ? እምበኣር ናይ ስራሕ ልምምድ ንዓኻ ዝበለጸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ልምምድ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ንዓኻ ናይ ባዕልኻ ትካል ንምኽፋት ትቀራረብ ዘሎኻ ሓደ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እንታይ

Arbetspraktik ንስኻ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ክትሰርሕ ክትፍትን ማለት እዩ። ብመንገዲ ናይ ስራሕ ሂወት ተሞኩሮ ምርካብ፡ ንናትካ ብቕዓት ሞያ ትዕቅቦን ተሓይሎን ኢኻ።

ኣብ ሽወደን ሓድሽን ሞያ ዘሎካን እንተ ዄንካ፡ ግን ናይ ሽወደን ናይ ስራሕ ሂወት ተመኩሮኻ ድሩት ወይ ዘይብልካ ዄንካ፡ ልምምድ ኣብ ትገብረሉ እዋን እቲ ናትካ ናይ ሞያ ብቕዓት ብሓደ ዓላሚ ክግምገመልካ ይኽእል እዩ። ድሓር ስራሕ ክትደሊ ከሎኻ እቲ ገምጋም ክጠቕመካ እዩ። እቲ ምግምጋም ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ይወስድን ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ናይ ሞያ ቤት ትምህርቲ ወይ ተመሳሳሊ ክግበር ይኽእል እዩ።

ንመን

ናይ ስራሕ ልምምድ ንዓኻ ተመኩሮ ስራሕ ከተጥርን ብኡ ጌርካ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድላት ከተዕብን ንዘድልየካ እዩ። ኣባና ከም ደላይ ስራሕ ዝተመዝገብካ ክትከውን የድልየክ። ከምኡ’ውን ገለ ካብ’ዞም ዝስዕቡ ከተማልእ የድልየካ፦

  • እንተንኣሰ 25 እዩ ዕድሚኦም፣ ኣብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ከም ደላያይ ስራሕ ተመዝጊቦም እዮም፣ ከምኡ እውን ስራሕ ኣልቦ ኣብ ናይ ምዃን ስግኣት እዮም ዘለዉ።
  • 18 ዓመት መሊኡዎም እዩ ቀፂሉ ከዓ ካብ ዕዳጋ ስራሕ ብጣዕሚ እዮም ርሒቖም።
  • ኣብ ውሕስነት ስራሕ ንመንእሰያት (Jobbgarantin för ungdomar) ወይከዓ ኣብ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን (Jobb- och utvecklingsgarantin) ይሳተፉ እዮም።
  • ኣብ መደብ እግሪ ምትካል (Etableringsprogrammet) ይሳተፉ እዮም ወይከዓ ተሳቲፎም እዮም።
  • ናይ ምስራሕ ብቕዓቶም ዝፀልው ጉድኣት ኣካል ኣለዎም።

ብኸምዚ ይሰርሕ።

  • ናይ ስራሕ ልምምድ ንዓኻ ጽቡቕ ደገፍ እንተ ኾይኑ ንሕና ኢና ንግምግሞ።
  • ቀፂሉ ባዕሎም ወይከዓ ብናትና ሓገዝ ተግባራዊ ልምምድ (praktikplats) ክረኽቡ ኣለዎም። ምስ ካምፓኒታት፣ ትካላትን ብዓል ስልጣናትን ልምምድ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ረቛሒኡ እቲ መስርሒ ቦታ ናይ ሕጋዊ ሰብ ወይከዓ ንግዲ ዝመርሕ ውልቀሰብ እዩ።
  • ምስኦምን ምስቲ ወሃቢ ስራሕን ብምዃን ኣወሃህባ እቲ ስልጠና ትልሚ ነውፅእ። ነቲ ማሕበር እውን ነዘራርቦ ኢና።
  • ድሕሪ እቲ ልምምድ ካብቲ ናይ ልምምድ ቦታ ኣየኖት ተመኩሮታት ከም ዝረኸብካ ዝገልጽ ሓደ ወረቐት ምስክር ክወሃበካ እዩ። እቲ ናትካ ናይ ሞያ ብቕዓት ኣብቲ ልምምድ ንኽግምገም እቱው እንተ ኾይኑ፡ ናይቲ ግምገማ ውጽኢት ብጽሑፍ ክወሃበካ እዩ።

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።