Särskild stödperson för introduktions- och uppföljningsstöd – SIUS

ስንክልና እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ስራሕ ኣብ ትደልየሉ እዋን፡ ወይ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ሓዲሽ ኣብ ዘሎኻሉ እዋን ደገፍን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓጋዚ ሰብ ስራሕ ንምርካብ ክሕግዙኻ ኣብ ዝኽእሉ ዕማማትን ካልኦት ዘድልዩ ነገራትን ስልጠና ብምሃብ ክሕግዘካ እዩ።

እንታይ

እቲ ደገፍ ብውልቂ ዝግበር እዩ፡ SIUS ዝበሃል ብናይ ምልላይ ኣገባብ ፍሉይ ብቕዓት ዘለዎ ሓጋዚ ሰብ ድማ ይወሃብ። እቲ ሓገዝ ዝህብ ሰብ፡ ንስኻ ስራሕ ኣብ ተናድየሉ እዋን ምሳኻ ምትእስሳር ይገብር፡ ከምኡ’ውን፡ ካልእ ከይጸብጸብካ ብውሑዱ፡ ምስ ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣስራሕቲ ንክትራኸብ ክሕግዘካ ይኽእል። ምእንቲ ምስ ናይ ስራሕካ ቦታ ክትለማመድ ክትክእል፡ ኣብ ስራሕ ወይ ድማ ኣብ ናይ ልምምድ ስራሕካ እውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓገዝ ዝህብ ሰብ ኣብ’ቲ ምልላይ ናይ ስራሕ ቦታ ይሕግዝ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ዝተሰማማዕኩምሉ ደገፍ ምቅባልካ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ይህልዎ። እዚ ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ሓገዝ ወሃቢ ሰብ ንውሱን ግዜ ኣብ ጎድንኻ ኾይኑ ይሰርሕ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ። ብድሕርዚ እቲ ደገፍ በብቕሩብ ይቕንስ፡ ንዕማማትካ ብውልቂኻ ብዘይ ደገፍ ክትሰርሓሉ ኣብ ትኽእለሉ ደረጃ ምስ በጻሕካ ድማ ምሉእ ብምሉእ የቋርጽ።

እቲ ደገፍ ብኽልተ ክፋላት ይቐውም፡

  • መላለዪ ደገፍ፡ እንተበዝሐ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክትረኽቦ ትኽእል።
  • ምክትታል ዝግበሮ ደገፍ፡ ድሕሪ ስራሕ ምጅማርካ እንተወሓደ ንሓደ ዓመት ክትረኽቦ ትኽእል።

ንመን

ፍሉይ ሓጋዚ ሰብ ንምልላይን ምክትታልን ደገፍ ንዓኻ ስንክልና ዘሎካን ኣብ ስራሕ ምጅማር ፍሉይ ደገፍ ዘድልየካን እዩ። ኣባና ከም ደላይ ስራሕ ዝተመዝገብካ ክትከውን የድልየክ።

ብኸምዚ ይሰርሕ።

  • ፍሉይ ሓጋዚ ሰብ ንምልላይን ምክትታልን ደገፍ ንዓኻ ቅኑዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንሕና ኢና ንግምግም።
  • ነቶም ዚምልከቶም ዕማማትን ከምኡ’ውን እንታይ ዓይነት ደገፍ ምስኦም ከምዝተኣሳሰሩን ንምርምር። ብድሕር’ዚ ብዛዕባ ነቲ ውጠና ዝምልከት ምሳኻ ሓደ ስምምዕ ንሰርዕ።
  • ምስቲ ዝተመመዘ SIUS ርክብ ከም ትገብር ነረጋግጽን ድሕሪኡ እቲ ናይ ሓባር ስራሕ ይጅምር።
  • ምሳኻ፡ ምስ’ቲ ወሃብ ስራሕን ከምኡ’ውን ምስ’ቲ ሓገዝ ዝህብ ሰብን ብሓባር ሓደ ስምምዕ ንገብር። ኣብኡ እቲ ምልላይ ብኸመይ ንሰርዖን ማዕረ ክንደይ ሰፊሕ ክኸውን ከምዝኽእልን ይሰፍር እዩ።

ቍጠባዊ ሓገዝ

ኣብ’ቲ ናይ መላለዪ እዋን፡ ቅድሚ ስራሕ ምጅማርካ፡ ልክዕ ከም’ቲ ናይ ሓደ ደላይ ስራሕ ትረኽቦ ዝነበርካ ክፍሊት ክትቅበል ኢኻ።

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።