Individuellt pedagogiskt stöd vid utbildning

ካብቶም ናትና ትምህርታዊ ጻዕርታት ኣብ ገሊኦም ክትሳተፍ ከሎኻ፡ ምስ ናውቲ ሓገዝ ዝተማልኣ ስነ-ምምህርናዊ ደገፍ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ።

እንታይ

ስንክልና እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ኣብ ገለ ካብቶም ናትና ትምህርትታት ክትሳተፍ ከሎኻ ስነ-ምምህርናዊ ደገፍ ክወሃበካ ዕድል ኣሎካ። ንኣብነት ካብ ሓደ መደብ ትምህርት፡ ሜላ መጽናዕትን ወዘተን ንምውጻእ ዝሕግዘካ ሰብ ደገፍ ይወሃበካ፡ እቲ ደገፍ ምስ ካልኦት ዓይነታት ናውቲ ሓገዝ እውን ክጽንበር ይከኣል እዩ። ንኣብነት መደብ ብልክዕ ኣ’ፈድድላ፡ መደብ ጽመራ ዝርርብን ወዘተን። እቲ ደገፍ መመላእታ ንመቀራረቢ፣ ትምህርቲ፡ ናይ ዕዳጋ ስራሕ ትምህርቲ ወይ ንትምህርቲ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምሀርቲ እዩ።

እቲ ደገፍ ኣብቲ ንዓኻ ዘድልየካ ተመርዅሱ ካብ 5 ክሳብ 30 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ሓሳባት ኣብ መጻኢ ብዝተኻእለ መጠን ነብስኻ ክትክእል ስለ ዝኾነ፡ እቲ ደገፍ ትረኽበሉ ሰዓታት ካብ ኣብ መወዳእታ ናይ ትምህርትኻ ኣብቲ መጀመርታ ዝበዝሐ እዩ። ድምር ንውሓት ናይቲ ደገፍ ክፈላለ ይኽእል እዩ። ግን እንተ ነውሐ ክሳብ እታ ትምህርትኻ ትውድኣላ ዕለት እዩ ዝጸንሕ።

ንመን

እቲ ደገፍ ንዓኻ ኣብቲ ናትና ናይ ትምህርቲ ጻዕርታት ክትሳተፍ ንኽትክእል ተወሳኺ ደገፍ ዘድልየካ ዝገብር ስንክልና ንዘሎካ እዩ።

ብኸምዚ ይሰርሕ።

  • መጀመርታ ብዛዕባ እቲ ትምህርቲ ክትምሃሮ ምዃንካን ብሰንኪ ዘሎካ ስንክልና ነቲ ትምህርቲ ንኽትክእሎ ውልቃዊ ስነ-ምምህርናዊ ደገፍ ከም ዘድልየካን ውሳነ ክንውስን ኣሎና።
  • ቅድሚ እቲ ትምህርትኻ ምጅማሩ ምስቲ ነቲ ስነ-ምምህርናዊ ደገፍ ዝህብ ኣቕራቢ ብሓባር ኴንና ሓደ ውጥን ከነውጽእ ኢና። እቲ ኣቕራቢ ነቲ ብጭቡጥ ዘድልየካን ኣየናይ ደግፍ ከም ዝሰማምዓካን ይግምግም። እቲ ግምገማ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 1 ክሳብ 3 ሰሙን ይወስድ እዩ።

ትምሃረሉ ኣብ ዘሎካ እዋን ብቐጻሊ እቲ ደገፍ ከመይ ይሰርሕ ከም ዘሎ ምሳኻ ክንላዘብ ኢና።

መድሕን

ምናልባት ነቲ ናይ ስራሕ ናውቲ ሓገዝ መድሕን ናይ ምእታው ሓላፍነት ዘለዎ ኣቲ ኣቕራቢ ናይ ደገፍ እዩ።

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።

ተወሰኽቲ ደገፋት ርኸብ