Studiemotiverande kurs på folkhögskola

ክትማሃር ፈትን፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ደራኺ ሓይሊታትካ ኣለሊ፡ ከምኡ’ውን ብትምህርቲ ወይ ብስራሕ ንቅድሚት ከሰጉመካ ዝኽእል መገዲ ርኸብ። ብንጥፈታት መተባብዒ ንምርካብ፡ ብልምምድ ሜላ መጽናዕትን፡ ከምኡ’ውን ኣብቶም ፍሉይ ኣገዳስነት ዘሎዎም ዓይነት ትምህርትታት ኣድህቦ ብምግባርን፡ ትምህርትኻ ንኽትቅጽል ብዝሓሸ ዝተቐራረብካ ትኸውን። እዚ ነቲ ናይ ስራሕ ምርካብ ዕድላትካ የዕብዮ እዩ።

እንታይ

Studiemotiverande kurs på folkhögskola ድልየት ናይ ትምህርቲ ምጅማር ንክህልወካ ይገብር ይኽእል፡ ወይ ቅድሚ ሕጂ ኣቋሪጽካዮ ዝነበርካ ትምህርቲ ዳግም ንክትጅምር ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። እቲ ትምህርቲትሕዝቶ ናይ ልምምድ ሜላ ትምህርቲ ፡ ከምኡ’ውን ኣብ’ቶም ሕመረት ዝኾኑ ዓውዲታት ትምህርቲ ማለት ኣብ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት፡ ኣብ እንግሊዝኛ፡ ኣብ ሽወደንኛን ኣብ ሕሳብን ኣተኩሮ ይገብር። እቲ ዕላማ ድማ ርእሰ ተኣማንነትን ድርኺትን ንምርካብን፡ ከምኡ’ውን ንመጻኢ ሓደ ውጥን ንምውጻእን እዩ።

እቲ ኣወዳድባ ናይ’ቲ ትምርህቲ በቲ ናይ ቤት ትምርህቲ ምስሊን ከምኡ’ውን በቶም ድልየታትን ባህጊን ናይ ተሳተፍቲ መሰረት ይፈላለ እዩ። እቲ ትምህርቲ ስነ-ምምህርና ናይቲ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ መሰረት ዝገበረ እዩ። ንጡፍ ተሳታፍነት፡ ምይይጥ ምግባርን ከምኡ’ውን ብጉጅለታት ኴንካ ብሓባር ትምህርቲ ምቅሳምን መሰረታዊ ኣካል ናይ’ቲ ትምህርቲ እዩ።

ድሕሪ እቲ ኮርስ ምውሳድ፡ ኣብ ኮምቩክስ ክትማሃር፡ ወይ ምስ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ወይ ምስ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝመጣጠን ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ክትወስድ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ትምህርቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲታት ይርከብ። ይርከብ። እቲ ትምህርቲ ኣብ ናይ ምሉእ ሰዓታት መደብ ኾይኑ ሰለስተ ወርሒ ድማ ይወስድ።

ንመን

ኣባና ከም ደላይ ስራሕ ዝተመዝገብካ ክትከውን የድልየክ። ከምኡ’ውን ነዞም ዝስዕቡ ከተማልእ የድልየካ፦

  • 16 ዓመት ዝመላእካ ኢኻ።
  • ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዲፕሎማ ይኹን፡ መሰረታዊ ብቕዓት ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ ዘእቱ ዘይብልካ ክትከውን ኣለካ

ብኸምዚ ይሰርሕ።

  • መተባባዒ ኮርስ ምውሳድ ንዓኻ ዚቃደወካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምሳኻ ብሓባር ኴንና ንግምግም።
  • ሓደ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲን ከምኡ’ውን ምሳኻ ዚቃዶ ናይ ትምህርቲ ኣጋጣምን ኣብ ምርካብ ክንሕግዘካ ንኽእል።
  • እቲ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ንዓኻ ሓደ ውልቃዊ ውጥን ትምህርቲ ከዳልወልካ እዩ።
  • ነቲ ትምህርቲ ምስ ወዳእካዮ፡ ወረቐት ምስክርን ከምኡ’ውን ኣብ ዝቕጽል ትምህርቲኻ ወይ ኣብ ስራሕካ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ዝሕግዝ ውጥንን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።

ተወሰኽቲ ደገፋት ርኸብ