Validering

ምርግጋጽ ብቕዓት ክበሃል እንከሎ፡ ብቕዓትካን ፍልጠትካን ከምዝግምገም ምግባር ማለት እዩ። ኩሉ ብመንገዲ ትምህርቲ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለምን መዓልታዊ መንባብሮኻን ዘጥረኽዮ ተመኲሮታት ማለት እዩ።

እንታይ

Validering ስሩዕ ዝኾነ ግምገማን ምዝናን ፍልጠትካን ዓቕምታትካን እዩ። ኩሉ ብመንገዲ ትምህርቲ፡ ግን ከኣ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለምን መዓልታዊ መንባብሮኻን ዘጥረኽዮ ተመኲሮታት ማለት እዩ። ግብራውን ክልስ-ሓሳባውን መርመራታት ብምግባር፡ ሞያዊ ፍልጠትካ ይግምገም ። ግምገማ ድሕሪ ምክያዱ፡ ሞያዊ ዓቕምታትካ ኣብ ምሉእ ዕዳጋ-ስራሕ ሽወደን ተቐባልነት ከምዝህልዎ ዝገብር ወረቐት ምስክር ይወሃበካ። ብጀካ’ዚ ክትምልኦ ዝገበኣካ ነገራት እንታይ-እንታይ ምዃኑ ውን ምኽሪ ይልገሰልካ። እዚ ኸኣ ንዓኻ፡ ብቕልጡፍ ስራሕ ወይ ውን ትምህርቲ ክተናዲ በሪ ይኸፍተልካ፣

መስርሕ ምርግጋጽ ብቕዓት ካብ ሒደት መዓልታት ክሳብ ሒደት ሳምንታት ክወስድ ይኽእል እዩ።

ምግምጋም ብቕዓት ማለት እንታይ ማለት’ዩ?

ፊልም
/

3 ደቓይቕ 22 ካልኢታት

ምግምጋም ብቕዓት ማለት እንታይ ማለት ምዃኑን ከመይ ገይርካ ከም ትረብሓሉን ኣብ’ዛ ፊልም ክንሕብረካ ኢና።(ብሽወደንኛ ጥራሕ እዩ)

ንመን

ምርግጋጽ ብቕዓት፡ ዓቕምታትካን ፍልጥትካን ብዕሊ ክፍለጠልካ ንእትደሊ ሰብ ዝምልከት እዩ። ኣባና ከም ደላይ ስራሕ ዝተመዝገብካ ክትከውን የድልየክ። ከምኡ’ውን ገለ ካብ’ዞም ዝስዕቡ ከተማልእ የድልየካ፦

  • ብዕድመ 25 ዝመላእካ ወይ ስንክልና ዘለካ ክትከውን ኣለካ።
  • ብዕድመ 18 ዝመላእካ ኮይንካ ብገለ ፍሉይ ምኽንያት ካብ ዕዳጋ-ስራሕ ርሕቕ ዝበልካ ክትከውን ኣለካ።
  • ኣብ ዕዳጋ-ስራሕ ሽወደን ተቐባልነት ዘይብሉ ናይ ወጻኢ ሃገር ወረቐት ምስክርነት ዘለካ።
  • ብትምህርቲ ዘይኮነ፡ እንታይ ደኣ ንኣብነት ኣብ ግዜ ዕረፍትኻ፡ ኣብ ማሕበራት ብምንጣፍ ወይ ብመንገዲ መዘናግዒ-ንጥፈት ዘጥረኻዮ ዓቕሚ ወይ ብቕዓት።

ብኸምዚ ይሰርሕ።

ብቐዳምነት፡ ምሳኻ ብሓባር ኮይና ሕሉፍ ተመኲሮታትካ ንግምግም። ንውጽኢት ምርኩስ ጌና ኸኣ፡ ኣርጥቦት ከም ንጥፈት ነዓኻ ኣገዳሲ ድዩ ኣይኮነን ንግምግም። ብድሕሪ’ቲ እቲ መስርሕ ኣርጥቦት፡ ብሓደ ምሳና ስምምዕ ዘለዎ ወሃቢ-ኣገልግሎት ዝነጥፍ ባዕልኻ እትመርጾ ሞያዊ-ገምጋማይ ይካየድ። ከምዚ ዓይነት ገምጋማይ ብቐሊሉ ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ ኣቲኻ ትመርጽ። ድሕሪ ምምራጽካ፡ እታ ቀዳመይቲ ባዶ ዝኾነት ቦታ ንሓዝኣልካ።

  • ኣብ ሓደ ውስን ሞያ ዘለካ ዓቕሚ ከተርእዩ ዕድል ይወሃበኩም። እቲ ገምጋማይ ነቲ ምስቲ ሞያ ዝተተሓሓዘ ፍልጠታዊ-ጠለባት ተማልኦ ዲኻ ኣይተማልኦን ይግምግምን፡ ምስክርነት፡ ባጀላ ወይ ውን ሊቸንሳ ከኣ ይህበካ። ነዚ ኽኣ፡ ስራሕ ከተናዲ እንከለኻ ወይ ውን ዝተረፈካ ነገራት ንምምላእ ክትመሃር ምስትደሊ ከም ድጋፍ ትጥቀመሉ።
  • ንኹሉ መለክዒታት ዘይተማልእ ኮይንካ ምስእትርከብ፡ ጸብጻብ ዝሓዘ ወረቐት ከምኡ ውን ነተን እትኽእለን ነገራት ዘካተተ ምስክርነት ይወሃበካ። ከም ኣብነት ብመንገዲ ትምህርቲ ኣቢልካ ክትምልኦ ዝግበኣካ ነገር እንታይ እዩ፡ ዝብል ዝርዝር ዝሓዘ ወረቐት ውን ይወሃበካ።
  • ምሳና ብሓባር ኮይንካ ኽኣ፡ ነቲ ቐዳማይ ስጉምቲ ዝምልከት ውጥን ንሕንጽጽ።

ዓቕምታትካ ከተገምግመሉ እትኽእል ካልእ ኣማራጺ መንገዲታት

ብዘይ ናትና ሓገዝ፡ ዓቕምታትካ ከተገምግመሉ እትኽእል ካልእ መንገዲታት ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ ካልእ ሃገር (ካብ ሽወደን ወጻኢ) ዘጠናቐቕካዮ ትምህርቲ ምስዝህልወካ፡ እቲ ትምህርቲ ኣብ ብመንጽር ስርዓተ ትምህርቲ ሽወደን ዋግኡ እንታይ ይመስል ዘስፈረ መግለጺ-ሓዘል ምስክርነት ክወሃበካ ይኽእል። ኮሚተ ዩኒቨርስትን ላዕለዋይ ትምህርትን እዩ ነዚ ግምገማ’ዚ ዘካይድ።

UHR - ግምገማ ናይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተጠናቐቐ ትምህርቲ

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።