ምቕራብ ጸብጻብ ንጥፈታት

ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ፡ ናይ ንጥፈታትካ ጸብጻብ ናባና ክተቕርብ ይግብኣካ። እቲ ተቕርቦ ጸብጻብ ድማ፥ ነየኖት ስራሕ ምልክታ ከም ዘእቶኻን፥ ኣብ ርእሲኡ ውን፡ ስራሕ ንምርካብካ ዘቃላጥፍ ካልእ ዝወሰድካዮ ስጕምቲን እዩ። መታን ካብ ”ስራሕ-ኣልቦነት ካሳ” (a-kassa) ወይ ካብ “ቤትስልጣን ውሕስነት ካሳ” (Försäkringskassan) ገንዘብ ክትረክብ፥ ንጡፍ ክትከውንን ጸብጻብ ንጥፈታትካ ድማ ኣብ ጊዝኡ ክተቕርን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ውን፡ መታን ናብቲ ትደልዮ ናይ ትምህርቲ ወይ ስራሕ ንኽትበጽሕ፥ ዘድሊ ሓገዝ ንኽንገብረልካ ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ጸብጻብ ንጥፈታትካ፡ እንተ ቐልጠፈ ንዕለት 1፡ እንተ ደንጐየ ድማ ንዕለት 14 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ክተቕርብ ይግባእ።

ትሕዝቶ ናይ’ዚ ገጽ

እቲ ጸብጻብ ዘቕርብ መን’ዩ?

ንስኹም እቶም ሽቕለተ-ኣልቦ ዝኾንኩምን፡ ኣባና ኸኣ ዝተመዝገብኩምን፡ ዝገበርኩሞም ንጥፈታትን፡ ኣየኖት ስራሕ ከምዝሓተትኩምን ጸብጻብ ከተቕርቡ ኢኹም። ስልጠና ስራሕ ወይ ልምምድ ስራሕ ፕራክቲክ ትገብሩ እንተለኹም’ውን ጸብጻብ ከተቕርቡ ምዃንኩም ሕሰቡ።

ነዚኦም ጸብጻብ ክትህበሎም ኣለካ

ዘናደኻዮም ስራሕን ስራሕ ንኽትረክብ ዘከናወንካዮም ንጥፈታትን ጸብጻብ ክትህበሎም ኣለካ።ኲሎም እቶም ዘናደኻዮም ወይ ዘመልከትካዮም ስራሕን እቶም ኣብ’ቲ መደብካ ዘለዉ ንጥፈታትን ከይረሳዕኻ ተጠንቂቕካ ጸሓፎም።ካልኦት ዝፈጸምካዮም ነገራት ምስ ዝህልዉ’ውን ኣስፍሮም።ንጥፈታዊ ጸብጻብ እንታይን-እንታይን ክሓቊፍ ከም ዝኽእል እነሆ ሒደት ኣብነታት ኣብ ታሕቲ ቀሪቦም ኣለዉ፡

  • እቶም ዘመልከትካሎም ስራሓት እዚኣቶም እዮም (ኣመልክት)፡
  • ኣብ ምልክታ ዝወጸ ስራሕ
  • ብፍኑው ዘመልከትካዮ ንምሳሌ ንዉሃብቲ ስራሕ CV ሂብካ
  • መራኸብቲ ስራሕ ከትመልክቶ ዘማሕጸኑኻ ስራሕ
  • መራኸብቲ ስራሕ ከትመልክቶ ዝሃቡኻ ንእሽቶ ምኽሪ
  • እንድሕሪ ሰሪሕካ
  • ኣብ ናይ ስራሕ ምልመላ ኣኼባታት ተኻፊለ ኔረ
  • ዝተሳተፍካዮም ናይ ስራሕ ኢንተርቪው
  • ዝተሳተፍካዮም ትምህርትታት

እንድሕሪ ድኣ ሓሚምካ ኔርካ ኣብቲ ናይ ንጥፈታትካ ጸባጻብ ኣይትጽሕፎን ኢኻ።

እንድሕሪ ሓሚምካ

ጸብጻብ ንምቕራብ፡ ከምዚ ትገብሩ

ብናይ ኢንተርነት ኣድራሻና ጌርካ ናይ ንጥፈታትካ ጸብጻብ ከተቕርብ ቀሊል እዩ፡ እቲ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ መቕረቢ ብናይ arbetsformedlingen.se መላገቢ ማለት ሊንክ ወይ ነቲ ናይ Aktivitetsrapportera ዝብል ኣገልግሎት ብምምራጽ ኣብ Mina sidor ብምእታው ማለት logga in ብምግባር ክትረኽቦ ትኽእል።

ነዛ ኣገልግሎት ንምጥቃም ግድን ኤ-መንነት(ንኣብነት ኣብ ሞቢልካ ዘላ ባንክ-ኣይዲ) ክህልወካ ኣለዎ። መንነትካ ድሕሪ ምርግጋጽ፡

  • ንጥፈታት ከይረሳዕኩሞም ከለኹም፡ ገለ ንጥፈት ብኣጋኡ ንምእታዉ
  • ንጥፈታትኩም ንምስዳድ
  • ኣቐዲምኩም ዘረከብኩሞም ጸብጻባት ንምርኣይ።

ሓበሬታኹም ከምዚ ጌርኩም ትመልእዎ (ብቛንቋ ሽወደን)

ፊልም
/

3 ደቓይቕ 18 ካልኢታት

ጸብጻብኩም ኣብ መርበብ ሓበሬታና ከመይ ጌርኩም ከተቕርቡ ከምእትኽእሉ፡ ኣብዚ ፊልም እዚ፡ ደረጃ ብደረጃ ነርእየኩም

ኮምፕዩተር ወይ ኤለክትሮኒካዊ መንነት እንተዘይብልኩም

“ኤ-መንነት” (e-legitimation) ዘይብልካ ምስ ትኸውን፤ ነቲ ናትካ ጸብጻብ (rapport) ኣብ ሓደ ወረቐት-ኦርኒክ መሊእካ፥ ብቤት ቡስጣ ጌርካ ናባና ልኣኮ። እቲ ወረቐት-ኦርኒክ ኣብዚ ዚስዕብ ክትረኽቦ ኢኻ፡-

ወረቐት-ኦርኒክ (Blanketter)

”ብኢ-መይል” ጌርካ፡ ጸብጻብ ናይ ንጥፈታትካ ክትልእከልና ከም ዘይትኽእል ኣስተውዕል።

ኤለክትሮኒካዊ መንነት፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ትኸፍቱ።

እቲ ጸብጻብ መዓስ ኢኹም ክትሰድዎ?

ነቲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ጸብጻብ-ንጠፈታትካ፥ እንተ ቐልጠፍካ ንዕለት 1፥ እተ ደንጐኻ ድማ ንዕለት 14 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ክትልእኮ ይግባእ።

እቲ ጸብጻብካ እንተ ደንጐየ ኣብ ዕለት 14 ኣብ ኢድና ክበጽሕ ኣዝዩ-ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ እንተ ደኣ ነቲ ጸብጻብ-ንጥፈታትካ ብቤት ቡስጣ ጌርካ ትልእኮ ዄንካ፥ መታን ንዕለት 14 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኢድና ክበጽሕ፥ ኣቐዲምካ ክትልእኮ ከድልየካ እዩ።

ንኣብነት፡- እቲ ኣብ መንጎ ዕለት 1ን ዕለት 14ን የካቲት እተቕርቦ ጸብጻብ-ንጥፈታትካ፥ ጸብጻብ ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዘተግበርካዮ ንጥፈታት እዩ።

እቶም ዝልኣኽካዮም ጸብጻብ-ንጥፈታትካ፥ ኣብቲ ”Aktivitetsrapportera” ዚብል፥ ትሕቲ’ቲ ”inskickade” ዚብል ኣርእስቲ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።

ምምርማር ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ

ኩሎም ዝቐረቡ ናይ ንጥፈታት ጸብጻባት ብመራኸብቲ ስራሕ ትዕዝብቲ ይግበረሎም፡ እቲ መጀመርያ ትዕዝብቲ ብኣዉቶማቲክ ይካየድ እቲ ጸብጻብካ ብሓደ ኣካያዲ ስራሕ ጉዳይ (handläggare) ትዕዝብቲ ክግበረሉ ይምመይ እዚ ዝግበረሉ ንምሳሌ እንድሕሪ እቲ ዘናደኻዮ ቁጽሪ ስራሕ ዉሑድ ኮይኑ ወይ ክኣ ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘመልከትካዮ ዝመሳሰል እንተ ኾይኑ፣ ወይ ኣብቲ ናይ ነጻ ጽሑፍ ገለ ጽሒፍካ እንተ’ሎኻ፡ ጸብጻባት ንትዕዝብቲ ብዘይ መደብ ዉን ይምመ እዩ፡ ኣብ ናተይ ገጽ (Mina sidor) እቲ ናትካ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ መዓስ ትዕዝብቲ ከም ተገበረሉ ክትርኢ ትኽእል።

መራኸብቲ ስራሕ ዉልቃዊ ሓበሬታ ከመይ ጌሮም ከም ዝኣልይዎ ከምኡ ዉን እንታይ መሰል ከም ዘሎካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

ዉልቃዊ ሓበሬታታካ ብኸምዚ

እንድሕሪ ንጡፍ ዘይኮንካ ወይ እቲ ጸብጻብ ኣብ ግዚኡ እንተ’ዘይ ኣቕሪብካዮ እንታይ የጋጥም?

እንድሕሪ እቲ ጸብጻብ ኣብ ግዚኡ እንተ’ዘይ ኣቕሪብካዮ ወይ ብኻልእ መንገዲ ምንዳይ ስራሕካ ብጉቡእ እንተ ዘይኣለኻዮ መጠንቀቕታ ይዉሃበካ ወይ ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ንሓደ ወይ ንብዙሕ መዓልታት ትተርፍ።

ኩነት ናይ ኣ-ካሳ መተካእታ ገንዘብ እንድሕሪ ኣሎካ

ነቲ ናይ መደብ መተካእታ ገንዘብካ ኩነት

ቁጽጽር ናይ ዝተመልከቱ ስርሓት

ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ኣብቲ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ኣመልኪተዮም እየ ዝበልካዮም ስራሕ ከም ዘመልከትካዮም ንኽንርኢ ቁጽጽር ክንገብር ንኽእል ኢና፡ እዚ ስለ ዝኾነ ነቶም ዘመልከትካሎም ስራሕ ከም ዘመልከትካ መረጋገጺ ክትዕቅብ ኣሎካ።

ዝመልከትካሎም ስራሕ መርጋገጺ ምቕራብ