እንትሓምሙ ወይ ንዝሓመመ ህፃን እንትሕብሕቡ

እንተሓሚሞም ወይ ዝሓመመ ህፃን ይሕብሕቡ እንተልዮም ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ምፍላጥ ከድልዮም ይኽእል እዩ። ምፍላጥ ዘድልዮም ኣብ ዝረኽብዎ ጥቕማጥቕሚ ይድረኽ። ንኣብነት ካብ መደባትና ኣብ ሓዲኡ ይሳተፉ እንተልዮም፤ ከም ዘብኮሩ ኩሉ ግዘ ከፍልጡ ኣለዎም።

ኣብ መደብ እንትሳተፉ

ኣብ መደብ እንተተሳቲፎምን ብመልክዕ ደገፍ ንጥፈት (aktivitetsstöd)፣ ድጎማ ዕብየት (utvecklingsersättning) ወይከዓ ካሕሳ እግሪ ምትካል (etableringsersättning) ጥቕማጥቕሚ እንተተቐቢሎምን ኣብ ናይ ሕማም መጀምርያ መዓልቲ ብሕማም ከም ዘብኮሩ ንዓና ከፍልጡ ኣለዎም። ከምዚ እንድሕር ዘይገይሮም ኣብ እዋን ሕማም ምንም ዓይነት ድጎማ ኣይረኽቡን እዮም። ንልዕሊ ሸውዓተ መዓልታት እንድሕር ሓሚሞም ናብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ወረቐት ምስክር ሕክምና ከቕርቡ ኣለዎም።

ኣብ መደብ እንዳተሳተፉ እንተሓሚሞም ከም ዘብኮሩ የፍልጡ

ዝሓመመ ህፃን ንምሕብሓብ እንተብኲሮም እውን ከፍልጡና ኣለዎም።

ኣብ መደብ እንዳተሳተፉ ዝሓመመ ህፃን ንምሕብሓብ ምብኳር የፍልጡ

ኣብ መደባት እንትሳተፉ ከም ዝጠዓዩ ምፍላጥ ኣየድልዮምን

ድሕሪ ናይ ሕማም ፍቓድ ወይ ዝሓመመ ህፃን ምሕብሓብ ናብ መደቦም ምስተመለሱ ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ምፍላጥ ኣየድልዮምን። ናብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) ንደገፍ ንጥፈት፣ ካሕሳ እግሪ ምትካል ወይከዓ ድጎማ ዕብየት እንተመልክቱ ዝሓመሙለን ወይ ዝሓመመ ህፃን ዝሓብሐቡለን መዓልታት ከመልክቱ ኣለዎም።

ክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት እንትህልዎም ወይከዓ ናብኡ እንተመልክቱ

ምሳና ቆፆሮ እንዳሃለዎም እንተሓሚሞም ወይ ንዝሓመመ ህፃን ዝሕብሕቡ እንተኾይኖም

ምሳና ቆፆሮ ኣብ ዝሓዙሉ መዓልቲ እንተሓሚሞም ወይ ዝሓመመ ህፃን ዝሕብሕቡ እንተኾይኖም፤ ከም ዘብኮሩ ምሳና ብምዝርራብ ከፍልጡና ኣለዎም። ካብኡ ከም ዝሓመሙ ወይ ዝሓመመ ህፃን ይሕብሕቡ ከም ዘለዉ ንክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት (a‑kassa) ክነፍልጠሎም ኢና። ናብ ናተይ ገፃት (Mina sidor) እንትኣትዉ ሓድሓደ ትልማዊ ኣኼባታት ንኻልእ ግዘ ክናውሑ ይኽእሉ እዮም።

ናብ ክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት ኣብ ዝለኣኹዎ ወረቐት ፀብፃብ ግዘ ዝሓመሙለን ወይ ህፃን ዝሓብሓቡለን መዓልታት ምልክት ክገብሩ ኣለዎም።

እንትሓምሙ ወይ ዝሓመመ ህፃን እንትሕብሕቡ ክፍሊት ስራሕ አልቦነት ናይ ምርካብ መሰል የብሎምን። ንናይ ሕማም ድጎማ ወይ ግዜያዊ ናይ ወላዲ ድጎማ ንምምልካት ንኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን የዘራርቡ።

ኣብ ናህቶም ወይ ናይ ውላዶም ናይ መጀመርያ ናይ ጥዑይነት መዓልቲ ንዓና ምዝርራቦም ኣገዳሲ እዩ። ካብኡ ዳግማይ ስራሕ ክጅምሩ ከም ዝኽእሉ ንክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት ክነፍልጠሎም ኢና።

ንሶም ወይ ውላዶም ንልዕሊ ክልተ ሰሙን እንተሓሚሞም

ንልዕሊ ክልተ ሰሙን እንተሓሚሞም ወይ ህፃውንቲ ዝሕብሕቡ እንተኾይኖም ንዓና ከዘራርቡ ኣለዎም። ካብኡ ንሶም ከም ዝሓመሙ ወይ ህፃውንቲ ይሕብሕቡ ከም ዘለዉ ንክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት ክነፍልጠሎም ኢና። ከምኡ እውን ናብ ክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት ኣብ ዝለኣኹዎ ፀብፃብ ግዜ ሓሚሞም ወይ ህፃውንቲ ይሕብሕቡ ከም ዝነበሩ ክመልኡ ኣለዎም።

እንትሓምሙ ወይ ዝሓመመ ህፃን እንትሕብሕቡ ክፍሊት ስራሕ አልቦነት ናይ ምርካብ መሰል የብሎምን። ንናይ ሕማም ድጎማ ወይ ግዜያዊ ናይ ወላዲ ድጎማ ንምምልካት ንኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን የዘራርቡ።

ይርከቡና

ክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት ኣብ ዘይቕበልሉ ወይ ኣብ መደብ ኣብ ዘይሳተፍሉ እዋን

ምሳና ዝተትሓዘ ቆፆሮ እንተልዩዎም ናብ ካልእ እዋን ንምንዋሕ ንዓና ክረኽቡና ኣለዎም። ቆፆሮ ዘትሐዙዎ ትልማዊ ኣኼባ እንተሃልዩ ኣብ ናተይ ገፃት (Mina sidor) ኣናዊሖም ካልእ መርሃ-ግብሪ ከትሕዙ ይኽእሉ እዮም።

ይርከቡና