እንትሓምሙ ከም ዘብኮሩ የፍልጡ ኣብቲ መደብ እውን ይሳተፉ

ኣብቲ መደብ እንትሳተፉ እንተሓሚሞም ንዓና ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ሕማሞም ናይ መጀመርያ መዓልቲ ከፍልጡ ኣለዎም። ድሕሪ ሸውዓተ መዓልታት እውን ምስ ሕማሞም እንተልዮም፣ ወረቐት ምስክር ሕክምና ከእትዉ ኣለዎም።

ምሕማመይ መዓዝ ከፍልጥ ኣለኒ?

ኣብቲ መደብ ይሳተፉ እንተልዮምን ደገፍ ንጥፈት (aktivitetsstöd)፣ ካሕሳ እግሪ ምትካል (etableringsersättning) ወይከዓ ድጎማ ዕብየት (utvecklingsersättning) እንተተቐቢሎምን እሞ ስለዝሓመሙ ኣብቲ መደብ ክሳተፉ እንተዘይክኢሎም፤ ምሕማሞም ከፍልጡ ኣለዎም።

ኣብ ዝሓመሙላ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ምሕማሞም የፍልጡና

ኣብ ዝሓመሙላ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ናብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ከፍልጡ ኣለዎም። እንተዘይኮይኑ ንዝሓመምሉ ሙሉእ እዋን ጥቕማጥቕምታት ክስእኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ዝሓመምላ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ብምኽንያት ፍሉይ ኩነታት ምሕማሞም ከፍልጡ እንተዘይክኢሎም፤ ንኣብነት ብጣዕሚ ካብ ምሕማሞም ዝተልዓለ ከምኡ ክገብሩ እንተዘይክኢሎም፤ ኣብ ዝኸኣልሉ እዋን ምፍላጦም ኣገዳሲ እዩ። ካብኡ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) ሕዚ እውን ካሕሳ ናይ ምርካብ መሰል እንተልዩዎም ክግምግም ይኽእል።

ኣብ ትሕቲ መቕረብቲ ግልጋሎት ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ኣብ ስልጠና፣ ሽወደንኛ ንስደተኛታት (sfi)፣ ትምህርቲ፣ ስጉምትታት ናብ ስራሕ (Steg till arbete)፣ ምዕጣቕ ወይ ምዝማድ (Rusta och matcha) ወይከዓ ኣብ ካልእ ዝኾነ ዓይነት ንጥፈት እንዳተሳተፉ እንተኾይኖም፤ ኣብኡ እውን ከም ዘብኮሩ ከፍልጡ ኣለዎም።

ብሕማም ከም ዘብኮሩ የፍልጡ (ብሽወደንኛ)

ብዝኾነ ምኽንያት ዲጂታዊ ሕማም ምፍላጥ ክገብሩ እንተዘይክኢሎም፤ ምሕማሞም ንከፍልጡ ናብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ይደውሉ ወይከዓ ምሳና የዕልሉ።

ከም ዝጠዓዩ ምፍላጥ ኣየድልዮምን

ደሓን ምስኮኑን ናብ መደቦም ክምለሱ ምስከኣሉን ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ምፍላጥ ኣየድልዮምን። ናብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ንደገፍ ንጥፈት፣ ካሕሳ እግሪ ምትካል ወይከዓ ድጎማ ዕብየት እንተመልክቱ ኣብ ዝሓመሙለን መዓልታት ምልክት ይግበሩ።

ንልዕሊ 7 መዓልታት እንተሓሚሞም ወረቐት ምስክር ሕክምና የድሊ እዩ።

ንልዕሊ 7 መዓልታት እንተሓሚሞምን ኣብቲ መደብ ክሳተፉ እንተዘይክኢሎምን፤ ወረቐት ምስክር ሕክምና ናባና ከእትዉ ኣለዎም። እዚ ንኽልቲኡ ንሙሉእ እዋን ወይ ንኸፊል እዋን እንትሓሙ ይትግበር።

ንልዕሊ 7 መዓልታት እንተሓሚሞም

ንልዕሊ 30 መዓልታት እንተሓሚሞም

ንውሕ ንዝበለ እዋን እንተሓሚሞም ሕዚ እውን ምስታፍ ንክኽእሉ ትሕዝቶ እቲ መደብ ንምስትኽኻል ንሙክር ኢና። ንልዕሊ 30 መዓልታት ንሙሉእ እዋን እንተሓሚሞም ካብቲ መደብ ይሰናበቱ እዮም። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እንተሓውዮም ኣብ ሓድሓደ ኩነታት ናብቲ መደብ ደጊሞም ክፅንበሩ ይኽእሉ እዮም።

ንጥቕማጥቕሚ ሕማም ከመይ ከመልክቱ ከም ዝኽእሉ ኣብ ዌብሳይት ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ተወሳኺ ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (forsakringskassan.se)

እንተሓሚመ እንታይ ካሕሳ እየ ዝረክብ?

ኣብ ዝሓመሙላ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ከም ዝሓመሙ ከፍልጡ ኣለዎም። ኣብ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ምንም ዓይነት ጥቕማጥቕሚ ኣይረኽቡን። እዚ መዓልቲ ብቑዕነት ይበሃል (karensdag)። ኣብ ዝሓመሙላ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ምሕማሞም እንተፍሊጦም፣ ጥቕማጥቕምታቶም ብመልክዕ ደገፍ ንጥፈት፣ ድጎማ ዕብየት ወይከዓ ካሕሳ እግሪ ምትካል ንካልኦት ናይ ሕማም መዓልታት ይዕቅቡ። ኣብ ዌብሳይት ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ዝበለፀ የንብቡ።

ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (forsakringskassan.se)

ኣብ ርእሲ እቲ መደብካ ትሰርሕ እንተ ዄንካ፡ ብምኽንያት ሕማም ክትሰርሕ እንተ ዘይክኢልካ ካልኦት ሕግታት እዮም ዘገልግሉ። ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት መርበበ ሓበሬታ ብዝያዳ ኣንብብ።

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (forsakringskassan.se)

ውላዶም እንተሓሚሙ

ኣብ መደብ እንትሳተፉ ዝሓመመ ውላድ ኣብ ዝሕብሕቡላ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ከም ዘብኮሩ ከፍልጡ ኣለዎም።

ኣብ መደባት ኣብ ዝሳተፍሉ እዋን ህፃን ንምሕብሓብ ከም ዘብኮሩ የፍልጡ