ካብ 7 መዓልቲ ንላዕሊ እንተ ሓሚምካ
ካብ ሾውዓተ ኣዋርሕ ዓመት ንላዕሊ ብምሕማምካ ኣብ ንጥፈታትካ ክትሳተፍ እንተ ዘይክኢልካ፡ ምስክር ወረቐት ሓኪም ናባና ግድን ከተእቱ ኣለካ። ወቕቲ ሕማምካ ምሉእ ግዜ ይዅን ከፊል ግዜ ብዘየገደስ፡ ምስክር ወረቐት ሓኪም ግድን ከተእቱ ኣለካ።
ምስክር ወረቐት ሓኪም
ደሞዝካ ብቐጻሊ ኪመጸካ፡ ናባና ምስክር ወረቐት ሓኪም ምእታው የድልየካ። እቲ ምስክር ወረቐት ሓኪም፡ ኣብ መደብካ ክትሳተፍ ከም ዘይትኽእልን በየናይ መጠን ክትሳተፍ ከምዘይትኽእልን ዚምስክር ኪኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ክትርስዖ ዘይብልካ፡
- ኣብ መደብ ከም ትሳተፍ፤
- ኣብ መደብካ ኣየኖት ንጥፈታት ከም ትዓምም፤ ንኣብነት፡ ስራሕ ናይ ምንዳይ ንጥፈት፡ ትምህርቲ ዕዳጋ ስራሕ፡ ፕራክቲክ፡ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት፤
- ኣብ መደብካ ንኽንደይ ሰዓታት ከም ትነጥፍ – ብልክዕ ዘይትፈልጦ እንተ ኾይንካ ግምት ሰዓታት ክትህብ ትኽእል ኢኻ፤
- ብምኽንያት ሕማምካ ወይ ዘሎካ መጕዳእቲ፡ ኣብቲ መደብ ክገብሮ ኣይክእልን’የ እትብሎ ነገር ንሓኪምካ ምሕባር’ዩ።
ደሞዝ ካብ ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ ሕተት
ደሞዝ ካብ ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ ኢኻ ትሓትት። ኣብቲ ሕቶኻ፡ ኣበየኖት መዓልታት ሓሚምካ ኣብ መደብ ከም ዘይተሳተፍካ ትጽሕፍ። ብዛዕባ መተካእታ ገንዘብ ካብ ናይ ዉሕስና ካሳ መርበብ ኢንተርነት ከመይ ጌርካ ከም ተመልክት ዘሎ ተወሳኺ ሓበሬታ።
ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ (forsakringskassan.se)
ምስክር ወረቐት ሓኪም ናባና ስደዶ
ምስክር ወረቐት ሓኪም ናብዚ ዚስዕብ ኣድራሻ ትሰዶ፡
Arbetsförmedlingen
Läkarintyg
FE 8170
107 67 Stockholm