ናይቶም ምልክታ ዘቕረብካሎም ስርሓት መረጋገጺ ምቕራብ ምስ ዘድልየካ

እንድሕሪ ስራሕ ኣልቦ ኾንካ እሞ ካብ ኣ-ካሳ (a-kassan) መተካእታ ገንዘብ ትወስድ ኾንካ ወይ ኣብ ሓደ መደብ ስለ ትሳተፍ ካብ ዉሕስና ካሳ (Försäkringskassan) መተካእታ ገንዘብ ትወስድ እንተ ኾንካ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ተቕርቦ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ኣመልኪተዮም ዝበልካዮም ናይ ስራሕ ቦታታት ከም ዘመልከትካ መረጋገጺ ስደደልና ክንብለካ ንኽእል ኢና።

ከም’ዚ እዩ ዝግበር፡

ነቲ ንገብሮ ቁጽጽር እንተ ተመሪጽካ፡ መልስኻ ትልእኸሉ ቅጥዒ ዝሓዘ ደብዳቤ ክለኣኸካ እዩ። ኣብ’ቲ መመለሲ ቅጥዒ፡ ከተራጋግጾም ዘለካ ስራሕ(ዕዮታት) ኣየኖት ምዃኖም ተመልኪቱ ኣሎ። ንስኻ ድማ ኣብ ጸብጻብ ዝሃብካያ ስራሕ ብሓቂ ከም ዘመልከትካያ፡ ንኣብነት ነዞም ዝስዕቡ ትልእኾም ፡

  • መመልከቲኻ ወይ ናትካ ሲቪ (CV)
  • ነታ ስራሕ ከም ዘናደኻያ ዘረጋግጽ ሰነድ፡ ንኣብነት ነታ ስራሕ ከም ዝደለኻያ ዘረጋግጽ መልሲ ካብ ወሃቢ ስራሕ፡ ወይ ድማ ነቲ ዝለኣኽካዮ ምልክታ ስራሕ፡ ወሃቢ-ስራሕ ከምተቐበሎ ዘረጋግጽ ካልእ ዓይነት ሰነድ
  • ነታ ስራሕ ከም ዘመልከትካያ መረጋገጺ ዝኸውን ስእሊ ሰሌዳ-ኮምፒተር(ዲስፕለይ)

ኣብ ጸብጻብ ዘቕረብካያ ስራሕ ብሓቒ ከም ዘመልከትካያ ዘረጋግጽ ሰነድ፡ እንተ ወሓደ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣቐምጦ።

እንድሕሪ ዘይመለስካ እንታይ የጋጥም?

እንድሕሪ እቲ ዝተመልአ ናይ መልሲ ፎርም ኣብ ግዚኡ ዘይሰዲድካዮ፣ ወይ እቲ ኣብ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ዝርዝር ናይ ዘናደኻዮ ስራሓት መረጋገጺ እንተ’ዘይ ኣቕረብካ መጠንቀቕታ ይዉሃበካ ወይ ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ንሓደ ወይ ንብዙሕ መዓልታት ትተርፍ።

ኩነት ናይ ኣ-ካሳ መተካእታ ገንዘብ እንድሕሪ ኣሎካ

ነቲ ናይ መደብ መተካእታ ገንዘብካ ኩነት