ኩነት ናይ ኣ-ካሳ መተካእታ ገንዘብ እንድሕሪ ኣሎካ

ጥቕማጥቕምታት ስራሕ ኣልቦነት (a-kassan) ካብ ካልኦት ነገራት ብተወሳኺ ተስማዕማዕቲ ስራሕቲ ብንቕሓት ክእልሹን በቢወርሑ ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ፀብፃብ ንጥፈት (aktivitetsrapport) ከቕርቡን ኣለዎም። መጠንቀቕታ ካብ ምቕባል ወይከዓ ንሓደ ወይ ልዕሊኡ መዓልታት ብዘይጥቕማጥቕሚ ናይ ምፅናሕ ስግኣት ንምውጋድ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ኣብዚ ከንብቡ ይኽእሉ እዮም።

እንታይ ክገብር ኣሎኒ?

ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ምእንቲ ከይትተርፍ እቲ ምንዳይ ስራሕ ብኣጋባብ ክትኣልዮ ኣሎካ ከምኡ ድማ እቲ ምሳና ዘሎካ መደብን ዉዕልን ክትከታተሎ ኣሎካ፡

እዚ ማለት እዚ ዝስዕብ ምግባር ከድልየካ እዩ

  • ኣብ ወርሒ ንዓኻ ዝበቅዕ እንተ ዉሓደ 6 ስራሕ ኣናዲኻ ኣመልክት፡ (ኣብቲ ናይ ትልሚ ስራሕ (handlingsplan) ካልእ እንድሕሪ ዘይተባህለ)፡ ንምሳሌ ኣብ ምልክታ ዝወጸ ስራሕ ከምኡ ዉን መራኸብቲ ስራሕ ከተምልክት ዘማሕጸኑኻ ስራሕ ወይ ብፍኑው ናብ ዉሃብ ስራሕ ዝሰደድካዮ ናይ ስራሕ መመልከቲ።
  • እቶም ከተመልክተሎም ዘማሕጸናካ ስራሕ ኣመልክቶም
  • ጸብጻብ ናይ’ቶም ዘናደኻዮም ስራሓትን ካልእ እንታይ ንጥፈታት ከም ዝገበርካን ወርሓዊ ኣብ ሞንጎ ዕለት 1ን ዕለት 14 መሊእካ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ናባና ኣቕርብ
  • ምሳና ብምትሕብባር ከመይ ጌርካ ስራሕ ትረክብ ዝብል ውጥን ስራሕ ኣዳልዉ
  • ኣብ ኣኼባ ተሳተፍ ወይ ንዓናን ንኣቕረብትናን ብቖጸራ ብዝተታሓዘ ግዜ ተወከሰና ከምኡ ዉን ተሌፎን ክንድዉለልካ ኣብ ዝተሰማማዕናሉ ግዜ መልሰልና

ንናይ ስራሕ ኣልቦነትካ ምእንቲ ከይተናዉሖ ከምኡ ዉን ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ከይትተርፍ ነዚ ዝስዕብ ሕራይ የቐንየለይ ኢልካ ተቐበሎ

  • ንዝተወፈየልካ ስራሕ
  • ናይ ስራሕ ኢንተርቪው፡ ነታ ስራሕ ክህቡኻ ምእንቲ ዝተኻእለካ ትገብር
  • ተወሳኺ ደገፍ ብኣና ዝወፍየልካ መደብ

ናይ ስራሕ ኣልቦነትካ ጠንቁ ባዕላኻ ኢኻ ዝብል ኣርኣእያ ክህሉ ይኽእልከምዚ ዝስዕብ እንድሕሪ ድኣ ጌርካ ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ክትተርፍ ትኽእል

  • ንሓደ መደብ ወይ ንሓደ ስራሕ ብዘይ ቅቡል ምኽንያት ምግዳፍ
  • መደብካ ከነቋርጾ ዘግብረና ኣደብ እንድሕሪ ኣርኢኻ
  • ዉሃብ ስራሕ ካብ ስራሕ ከዉጸኣካ ዝኽእል ጠንቅታት እንተ ጌርካ

እቲ ክገብሮ ዘሎኒ እንድሕሪ ዘይጌረ እንታይ የጋጥም?

ኣብ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ተልእኾ፡ እንድሕሪ ድኣ ን መተካእታ ገንዘብካ ዝጸልዎ ጉዳይ እንተ'ጋጠም ን ኣ-ካሳ ምሕባር የጠቓልል ምንዳይ ስራሕካ ብኣገባብ እንተዘይ ኣሊኻዮ ወይ ንናይ ስራሕ ኣልቦነተካ ጠንቂ እንድሕሪ ኾንካ ወይ ኣናዊሕካዮ ን ኣ-ካሳኻ መልእኽቲ ንሰደሎም እንድሕሪ ኣ-ካሳኻ መርመራ ክገብሩ ጀሚሮም ቅድሚ ብዛዕባ እቲ መተካእታ ገንዘብ ዉስኔ ምዉሳዶም ነቲ ዘጋጠመ ክተብርሃሎም ዕድል ክህቡኻ ክዉከሱኻ እዮም።

ኣ-ካሳኻ ሓደ መጠንቅቕታ ክህቡኻ ወይ ነቲ ዝመጸካ ናይ ገንዘብ መተካእታ ንሓደ ወይ ንብዝሕ ዝበለ መዓልታት ከቋርጽዎ ክዉስኑ ይኽእሉ እዮም፡ ነቲ መተካእታ ገንዘብካ ጽልዋ ኣይገብረሉን እዩ ኢሎም ዉን ክዉስኑ ይኽእሉ እዮም እዚ ንምሳሌ ቅቡል ምኽንያት ኣሎካ ኢሎም እንተ ገምጊሞም።

ናይ ስራሕ ምንዳይካ ተግባራት ብኣገባብ እንተዘይ ኣለኻዮ እዚ ዝስዕብ የጋጥም

  • መጀመርያ ግዜ መጠንቀቕታ ይውሃበካ።
  • ካልኣይ ግዜ፡ ናይ 1 መዓልቲ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሳልሳይ ግዜ፡ ናይ 5 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ራብዓይ ግዜ፡ ናይ 10 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሓምሻይ ግዜ፡ ክሳብ ሓድሽ ናይ ስራሕ ኩነት ተማልእ እቲ መተካእታ ገንዘብ የቋርጽ።

እንድሕሪ ድኣ ናይ ስራሕ ኣልቦነትካ ግዜ ኣናዊሕካዮ እዚ ዝስዕብ የጋጥም

  • መጀመርያ ግዜ፡ ናይ 5 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ካልኣይ ግዜ፡ ናይ 10 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሳልሳይ ግዜ፡ ናይ 45 መዓልታ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ራብዓይ ግዜ፡ ናይ 45 መዓልታ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሓምሻይ ግዜ፡ ክሳብ ሓድሽ ናይ ስራሕ ኩነት ተማልእ እቲ መተካእታ ገንዘብ የቋርጽ።

እንድሕሪ ድኣ ናይ ስራሕ ኣልቦነትካ ግዜ ኣናዊሕካዮ እዚ ዝስዕብ የጋጥም

  • መጀመርያ ግዜ፡ ናይ 45 መዓልታ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ካልኣይ ግዜ፡ ናይ 45 መዓልታ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሳልሳይ ግዜ፡ ክሳብ ሓድሽ ናይ ስራሕ ኩነት ተማልእ እቲ መተካእታ ገንዘብ የቋርጽ

እንድሕሪ ኣፋልጦ ብዛዕባ ስራሕ ከተናድን ዝተወፈየልካ ስራሕ ንኽትወስድ ዝኾነ ዕንቅፋት ኣሎካ ፈሊጥና

እንድሕሪ ድኣ ብዛዕባ ዝኾነ ስራሕ ኣናዲኻ ከይተመልክት ዕንቅፋት ኣሎካ ዝብል ኣፍልጦ ረኺብና ን ኣ-ካሳኻ (a-kassa) ክንሕበር ኢና፡ እዚ ንምሳሌ በዚ ዝስዕብ ምኽንያት ክኸዉን ይኽእል፣ ትምሃር ትኸዉን፣ ብሕማም፣ ምእላይ ቆልዑ፣ ትካል ስለ ዘሎካ ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኢኻ ዘሎኻ፡ እንድሕሪ ኣ-ካሳኻ መርመራ ጀሚሮም እሞ ነቲ መተካእታ ገንዘብካ እንድሕሪ ድኣ ዝጸልዎ ኾይኑ ቅድሚ ምዉሳኖም ክዉከሱኻ እዮም።

እንድሕሪ ድኣ ስራሕ ጀሚርካ ወይ ድሕሪ ደጊም ስራሕ ኣልቦ እንተ ዘይኮንካ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ኣናድይ ስራሕ እንተ ዘይኮንካ ን ኣ-ካሳኻ ዉን ክንሕብሮም ኢና፡ ድሓር ብድሕሪኡ እንድሕሪ ድኣ እንደ ገና ስራሕ ከተናድን መተካእታ ገንዘብን ደሊኻን ካብታ መጀመርታ መዓልቲ ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካላ መዓልቲ ክትድዉለለና ከድልየካ እዩ፡ ካብቲ መዝገብ ናይ ዉሃብቲ ስራሕ እንድሕሪ ወጺእካ ኽኣ እንደ ገና ምምዝጋብ ከድልየካ እዩ።

ልሙዳት ሕቶታትን መልስታትን

ክንደይ ስራሕ ከናዲ ኣሎኒ?

ኣብ ትልሚ ንጥፈቶም ናይ ኣለሻ ፍልልይ በዝሒ ዝበሃል ነገር ክህልዎም ይኽእል እዩ፤ ንኣብነት ካብ 6-20። ብዝተኽኣለ ፍጥነት ስራሕ ናይ ምርካብ ፅቡቕ ዕድል ንክህልዎም ናብ ክንደይ ዝኣኽሉ ተስማዕማዕቲ ስራሕቲ ከመልክቱ ከም ዘለዎም ይገልፅ። ኣብቲ ናይ ኣለሻ ፍልልይ በዝሒ ዘሎ እቲ ዝተሓተ ቁፅሪ፤ ንሕና ተስማዕማዕቲ ስራሕቲ ብንቕሓት ኣሊሾም እዮም ኢልና ንምግምጋም ንኽንክእል፤ ኣብ ሕድሕድ ወርሒ ክእልሹዎም ዘለዎም ዝወሓደ በዝሒ ተስማዕማዕቲ ስራሕቲ ይገልፅ።

ዋላ ትልሚ ንጥፈት ኣይሃልዎም ወይ ኣብ ትልሚ ንጥፈቶም ናይ ኣለሻ ፍልልይ በዝሒ ኣይሃልዎም ብንቕሓት ስራሕ ክእልሹ ኣለዎም። እዚ ማለት ንሕና ተሰማዕማዕቲ ስራሕቲ ብንቕሓት ኣሊሾም እዮም ኢልና ንክንግምት ብመደበኛነት ኣብ ወርሒ እንተንኣሰ 6 ተስማዕማዕቲ ስራሕቲ ክእልሹ ኣለዎም ማለት እዩ። ናይ ትርፊ ሰዓት ስራሕ ዝስረሑ እንተኾይኖም ወይ ብኻልእ ምኽንያት ስራሕ ኣልቦ እንተዘይኮይኖም ብዙሓት ስራሕቲ ምእላሽ ዘይከድልዮም ይኽእል እዩ።

ኣብ ጥቓ መንበሪ ከባቢኦም ከመልክቱዎም ዝኽእሉ እኹል ዝኾኑ ተስማዕማዕቲ ስራሕቲ እንተዘየልዮም ኣብ ካልኦት ከባብታት ንስራሕ ምምልካት እውን ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ላዕሊ ካብቲ ዝተገለፀ ንዝወሓደ ተስማዕማዒ ስራሕ እንተመልኪቶም ንክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት ክነፍልጥ ኢና። ንሶም ተስማዕማዒ ስራሕ ብንቕሓት ከም ዘይኣለሹ እንተሓሲቦም መጠንቀቕታ ንምሃብ ወይከዓ ጥቕማጥቕምታቶም ንሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ መዓልትታት ክእገዱ ይውስኑ እዮም።

ኩሎም ዘመልከቱዎም ስራሕቲ፣ ዝተወዓውዑ ስራሕቲ፣ ሃንደበታዊ ምምልካታት ወይከዓ ንከመልክቱ ዘተባባዕናዮም ወይ ዘማኸርናዮም ስራሕቲ ኣብ ትልሚ ንጥፈቶም ምምልኦም ርግፀኛ ይኹኑ። ተስማዕማዕቲ ስራሕቲ ብንቕሓት ከም ዝኣለሹ ንምግምጋም ትልሚ ንጥፈቶም ንዓና ኣገዳሲ መሰረት እዩ።

ከም ምቹእ ዝቑጸር ስራሕ እንታይ እዩ?

ንሶም ንኸመልክቱ ልምዲ ወይ ስልጠና ዘለዎም ስራሕቲ ተስማዕማዕቲ እዮም። ምስ ክእለቶም ዝዛመዱ ካልኦት ስራሕቲ እውን ተስማዕማዕቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ ሞያታት ንስራሕቲ ብምምልካት፣ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ከስፍሑ ይኽእሉ እዮም። እዚኦም ትኽክለኛ ናይ ምርካብ ዕድል ዘለዎም ስራሕቲ ክኾኑ ከም ዘለዎም ይዘክሩ። ንሶም ዘይውንኑዎ ዝተፈለየ ስልጠና፣ ውሱን ደረጃ ትምህርቲ፣ ወረቐት ምስክራት ወይከዓ ብቕዓት ዝደልዩ ስራሕቲ ተስማዕማዕቲ ኣይኮኑን።

ብምኽንያት ጥዕና ንውሱናት ዓይነታት ስራሕ ክቕበሉ ወይ ከመልክቱ እንተዘይክኢሎም፤ ነዚ ንምርግጋፅ ናይ ሕክምና ወረቐት ምስክር የድልዮም እዩ።

ሓደ ወሃቢ ስራሕ ክቖፅሮም እንተደልዩን ትኽክለኛ ክእለት ከም ዘለዎም እንተኣሚኑን፤ ተስማዕማዒ ስራሕ እዩ። ስራሕ እንተተዋሂቡዎም ግን ተስማዕማዓይ ስራሕ ንምዃኑ ርግፀኛ እንተዘይኾይኖም፤ ንኣብነት ብከባቢ ስራሕ ወይ ብኩነታት ኣቆፃፅራ ስራሕ ምኽንያት፤ ንክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት የዘራርቡ። እዚ ነቲ ስራሕ ብዘይምቕባል ጥቕማጥቕሞም ክፅለው ዝኽእል እንተኾይኑ የፍልጦም።

ስራሕ ንኽረክብ ዕድለይ ንኸዛይዶ ሓደ ኮርስ ይወስድ ኣለኹ፡ ንምንታይ እየ ካብ ኣ-ካሳ ተቐባልነት ክረክብ ዘሎኒ?

እቲ ቀንዲ ሕጊ ናይ መተካእታ ገንዘብ እንዳ ወሰድካ ማዕረ ማዕሪኡ ክትምሃር ኣይፍቀድን እዩ፡ ፍለይ ዝበለ ኩነታት ኣሎ፡ እቲ ዝመጸካ መተካእታ ገንዘብ ዓቂብካ ክትምሃር እንድሕሪ ትኽእል ኾንካ ኩሉ ግዜ ኣ-ካስ እዮም ዝዉስንዎ፡ ስለዚ ዝኾነ ኮርስ ወይ ትምህርቲ እንድሕሪ ክትጅምር ኮንካ ቅድሚ ምጅማርካ ን ኣ-ካሳ ተወከሶም፡ እዚ እቲ ናይ ትምህርቲ ዓይነት፣ ንትምህርትኻ ክንደይ ግዜ ከም ዘድልየካ፣ ናይ ቀትሪ ድዩ፣ ናይ ምሸት ወይ ኣብ ብዓላት ብዘየገድስ ንኹሉ ዝምልከት እዩ፡ እንድሕሪ ንሕና መራኸብቲ ስራሕ ኣ-ካሳ ከየፍቀዱልካ ትምህርቲ ትምሃር ኣሎኻ ፈሊጥና ብዛዕባ ትምህርትኻ ን ኣ-ካሳ ክንሕብሮም ክንግደድ ኢና።

እንድሕሪ ድኣ መተካእታ ገንዘብ እንዳ ወሰድካ ክትምሃር ተፈቒዱልካ እቲ ትምህርቲ ነቲ ትግብሮ ምንዳይ ስራሕ ጽልዋ ክገብረሉ የብሉን፡ ስራሕ እንድሕሪ ረኺብካ ትምህርትኻ ከተቋርጾ ኣሎካ።

ሓድሽ ስራሕ ረኺበ ኣለኹ ግን ገና ኣይጀመርኩን ዘለኹ፡ ካልእ ስራሕ ከናዲ ምቕጻል ናይ ግድን ድዩ?

ካብ ኣ-ካሳ ናይ መትካእታ ገንዘብ ክሳብ ትወስድ ዘሎኻ ኣብ ናይ ስራሕ ምንዳይካ ክትነጥፍ ኣሎካ፡ እዚ ኣብቲ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ውሕስና (arbetslöshetsförsäkringen) ሓደ ኩነት እዩ፡ ናይ ንግዚኡ ዝኸዉን ስራሕ ከተናዲ ትኽእል።

ኣብ ቀረባ እዋን ንዝጅምርዎ ሓዱሽ ስራሕ ውዕሊ እንተልዩዎም እዚ ምናልባት ካልእ ስራሕ ንዘይምቕባል ወይ ንሕና ንኸመልክቱ ዝኣንገድናዮም ስራሕ ንዘይምምልካት ቅቡል ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ጉዳዮም እንታይ ከም ዝትግበር ሓበሬታ ንምርካብ ንክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት የዘራርቡ። ብባዕሎም ስራሕ ምእላሽ ምቕፃሎም ይዘክሩ። ከምኡ እውን ስራሕ ከም ዝረኽቡ ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ የፍልጡ።

ቁጽጽር ናይ ዝተመልከቱ ስርሓት

ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ኣብቲ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ኣመልኪተዮም እየ ዝበልካዮም ስራሕ ከም ዘመልከትካዮም ንኽንርኢ ቁጽጽር ክንገብር ንኽእል ኢና፡ እዚ ስለ ዝኾነ ነቶም ዘመልከትካሎም ስራሕ ከም ዘመልከትካ መረጋገጺ ክትዕቅብ ኣሎካ።

ዝመልከትካሎም ስራሕ መርጋገጺ ምቕራብ

ብዛዕባ መተካእታ ገንዘብ ካብ ኣ-ካስ

ስራሕ ኣልቦ ኾንካ ስራሕ ኣብ ተናድየሉ ግዜ ካብ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ዉሕስነት (arbetslöshetsförsäkringen) መተካእታ ገንዘብ ክመጸካ ክእለታት ክህልወካ ይኽእል እዩ፡ እቲ ናይ መተካእታ ገንዘብ ካብ ናትካ ኣ-ካሳ ኢኻ ተመልክት፡ ኣብዚ ከመይ ጌርካ ከም ተመልክት፣ ከተማልኦ ዘሎካ ከምኡ ዉን ክንደይ ገንዘብ ከም ዝመጸካን ከተንብብ ትኽእል።

መታካእታ ገንዘብ ካብ ኣ-ካሳ