ኩነት ናይ ኣ-ካሳ መተካእታ ገንዘብ እንድሕሪ ኣሎካ

ካብ ኣ-ካሳ (a-kassan) መትካእታ ገንዘብ ኣብ ተወስደሉ እዋን ክትገብሮም ዘሎካ ነገራት፡ ነጢፍካ ስራሕ ምንዳይን ወርሓዊ ድማ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ናብ መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ምስዳድን እዩ፡ መጠንቀቕታ ከይዉሃበካ ወይ ንሓደ ወይ ንብዙሓት መዓልታት ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ከይትተርፍ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ኣብዚ ኣንብብ።

እንታይ ክገብር ኣሎኒ?

ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ምእንቲ ከይትተርፍ እቲ ምንዳይ ስራሕ ብኣጋባብ ክትኣልዮ ኣሎካ ከምኡ ድማ እቲ ምሳና ዘሎካ መደብን ዉዕልን ክትከታተሎ ኣሎካ፡

እዚ ማለት እዚ ዝስዕብ ምግባር ከድልየካ እዩ

  • ኣብ ወርሒ ንዓኻ ዝበቅዕ እንተ ዉሓደ 6 ስራሕ ኣናዲኻ ኣመልክት፡ (ኣብቲ ናይ ትልሚ ስራሕ (handlingsplan) ካልእ እንድሕሪ ዘይተባህለ)፡ ንምሳሌ ኣብ ምልክታ ዝወጸ ስራሕ ከምኡ ዉን መራኸብቲ ስራሕ ከተምልክት ዘማሕጸኑኻ ስራሕ ወይ ብፍኑው ናብ ዉሃብ ስራሕ ዝሰደድካዮ ናይ ስራሕ መመልከቲ።
  • እቶም ከተመልክተሎም ዘማሕጸናካ ስራሕ ኣመልክቶም
  • ጸብጻብ ናይ’ቶም ዘናደኻዮም ስራሓትን ካልእ እንታይ ንጥፈታት ከም ዝገበርካን ወርሓዊ ኣብ ሞንጎ ዕለት 1ን ዕለት 14 መሊእካ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ናባና ኣቕርብ
  • ምሳና ብምትሕብባር ከመይ ጌርካ ስራሕ ትረክብ ዝብል ውጥን ስራሕ ኣዳልዉ
  • ኣብ ኣኼባ ተሳተፍ ወይ ንዓናን ንኣቕረብትናን ብቖጸራ ብዝተታሓዘ ግዜ ተወከሰና ከምኡ ዉን ተሌፎን ክንድዉለልካ ኣብ ዝተሰማማዕናሉ ግዜ መልሰልና

ንናይ ስራሕ ኣልቦነትካ ምእንቲ ከይተናዉሖ ከምኡ ዉን ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ከይትተርፍ ነዚ ዝስዕብ ሕራይ የቐንየለይ ኢልካ ተቐበሎ

  • ንዝተወፈየልካ ስራሕ
  • ናይ ስራሕ ኢንተርቪው፡ ነታ ስራሕ ክህቡኻ ምእንቲ ዝተኻእለካ ትገብር
  • ተወሳኺ ደገፍ ብኣና ዝወፍየልካ መደብ

ናይ ስራሕ ኣልቦነትካ ጠንቁ ባዕላኻ ኢኻ ዝብል ኣርኣእያ ክህሉ ይኽእልከምዚ ዝስዕብ እንድሕሪ ድኣ ጌርካ ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ክትተርፍ ትኽእል

  • ንሓደ መደብ ወይ ንሓደ ስራሕ ብዘይ ቅቡል ምኽንያት ምግዳፍ
  • መደብካ ከነቋርጾ ዘግብረና ኣደብ እንድሕሪ ኣርኢኻ
  • ዉሃብ ስራሕ ካብ ስራሕ ከዉጸኣካ ዝኽእል ጠንቅታት እንተ ጌርካ

እቲ ክገብሮ ዘሎኒ እንድሕሪ ዘይጌረ እንታይ የጋጥም?

ኣብ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ተልእኾ፡ እንድሕሪ ድኣ ን መተካእታ ገንዘብካ ዝጸልዎ ጉዳይ እንተ'ጋጠም ን ኣ-ካሳ ምሕባር የጠቓልል ምንዳይ ስራሕካ ብኣገባብ እንተዘይ ኣሊኻዮ ወይ ንናይ ስራሕ ኣልቦነተካ ጠንቂ እንድሕሪ ኾንካ ወይ ኣናዊሕካዮ ን ኣ-ካሳኻ መልእኽቲ ንሰደሎም እንድሕሪ ኣ-ካሳኻ መርመራ ክገብሩ ጀሚሮም ቅድሚ ብዛዕባ እቲ መተካእታ ገንዘብ ዉስኔ ምዉሳዶም ነቲ ዘጋጠመ ክተብርሃሎም ዕድል ክህቡኻ ክዉከሱኻ እዮም።

ኣ-ካሳኻ ሓደ መጠንቅቕታ ክህቡኻ ወይ ነቲ ዝመጸካ ናይ ገንዘብ መተካእታ ንሓደ ወይ ንብዝሕ ዝበለ መዓልታት ከቋርጽዎ ክዉስኑ ይኽእሉ እዮም፡ ነቲ መተካእታ ገንዘብካ ጽልዋ ኣይገብረሉን እዩ ኢሎም ዉን ክዉስኑ ይኽእሉ እዮም እዚ ንምሳሌ ቅቡል ምኽንያት ኣሎካ ኢሎም እንተ ገምጊሞም።

ናይ ስራሕ ምንዳይካ ተግባራት ብኣገባብ እንተዘይ ኣለኻዮ እዚ ዝስዕብ የጋጥም

  • መጀመርያ ግዜ መጠንቀቕታ ይውሃበካ።
  • ካልኣይ ግዜ፡ ናይ 1 መዓልቲ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሳልሳይ ግዜ፡ ናይ 5 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ራብዓይ ግዜ፡ ናይ 10 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሓምሻይ ግዜ፡ ክሳብ ሓድሽ ናይ ስራሕ ኩነት ተማልእ እቲ መተካእታ ገንዘብ የቋርጽ።

እንድሕሪ ድኣ ናይ ስራሕ ኣልቦነትካ ግዜ ኣናዊሕካዮ እዚ ዝስዕብ የጋጥም

  • መጀመርያ ግዜ፡ ናይ 5 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ካልኣይ ግዜ፡ ናይ 10 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሳልሳይ ግዜ፡ ናይ 45 መዓልታ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ራብዓይ ግዜ፡ ናይ 45 መዓልታ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሓምሻይ ግዜ፡ ክሳብ ሓድሽ ናይ ስራሕ ኩነት ተማልእ እቲ መተካእታ ገንዘብ የቋርጽ።

እንድሕሪ ድኣ ናይ ስራሕ ኣልቦነትካ ግዜ ኣናዊሕካዮ እዚ ዝስዕብ የጋጥም

  • መጀመርያ ግዜ፡ ናይ 45 መዓልታ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ካልኣይ ግዜ፡ ናይ 45 መዓልታ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሳልሳይ ግዜ፡ ክሳብ ሓድሽ ናይ ስራሕ ኩነት ተማልእ እቲ መተካእታ ገንዘብ የቋርጽ

እንድሕሪ ኣፋልጦ ብዛዕባ ስራሕ ከተናድን ዝተወፈየልካ ስራሕ ንኽትወስድ ዝኾነ ዕንቅፋት ኣሎካ ፈሊጥና

እንድሕሪ ድኣ ብዛዕባ ዝኾነ ስራሕ ኣናዲኻ ከይተመልክት ዕንቅፋት ኣሎካ ዝብል ኣፍልጦ ረኺብና ን ኣ-ካሳኻ (a-kassa) ክንሕበር ኢና፡ እዚ ንምሳሌ በዚ ዝስዕብ ምኽንያት ክኸዉን ይኽእል፣ ትምሃር ትኸዉን፣ ብሕማም፣ ምእላይ ቆልዑ፣ ትካል ስለ ዘሎካ ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኢኻ ዘሎኻ፡ እንድሕሪ ኣ-ካሳኻ መርመራ ጀሚሮም እሞ ነቲ መተካእታ ገንዘብካ እንድሕሪ ድኣ ዝጸልዎ ኾይኑ ቅድሚ ምዉሳኖም ክዉከሱኻ እዮም።

እንድሕሪ ድኣ ስራሕ ጀሚርካ ወይ ድሕሪ ደጊም ስራሕ ኣልቦ እንተ ዘይኮንካ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ኣናድይ ስራሕ እንተ ዘይኮንካ ን ኣ-ካሳኻ ዉን ክንሕብሮም ኢና፡ ድሓር ብድሕሪኡ እንድሕሪ ድኣ እንደ ገና ስራሕ ከተናድን መተካእታ ገንዘብን ደሊኻን ካብታ መጀመርታ መዓልቲ ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካላ መዓልቲ ክትድዉለለና ከድልየካ እዩ፡ ካብቲ መዝገብ ናይ ዉሃብቲ ስራሕ እንድሕሪ ወጺእካ ኽኣ እንደ ገና ምምዝጋብ ከድልየካ እዩ።

ልሙዳት ሕቶታትን መልስታትን

ክንደይ ስራሕ ከናዲ ኣሎኒ?

ኣብቲ ናይ ትልሚ ስራሕካ ናይ ምንዳይ ፍልልይ (sökintervall) ዝብሃል ክህልወካ ይኽእል እዩ ንምሳሌ ካብ 6-20፡ እዚ ብዝቐልጠፈ ሓደ ስራሕ ንኽትረክብ ዕድል ንኽህልወካ ክንደይ ስራሕ ኣናዲኻ ከተመልክት ከም ዘሎካ ይገልጽ፡ እቲ ዝትሓተ ቁጽሪ ናይ ምንዳይ ፍልልይ ነቲ ኣብ ወርሒ ክትደልዮ ዘሎካ ዝዉሓደ ቁጽሪ ናይ ብቑዕ ስራሕ ብንጥፈት ትደሊ ከም ዘሎኻ ክንግምግም ዉን ይሕግዘና እዩ።

ዋላ ዉን ሕጂ ዝኾነ ናይ ትልሚ ስራሕ ኣይሃልኻ ወይ እቲ ናይ ትልሚ ስራሕካ ናይ ምንዳይ ፍልለይ ዘይብሉ ይኹን እምበር ነጢፍካ ስራሕ ከትናዲ ከድልየካ እዩ፡ እዚ ማለት ከም ንቡር ጉዳይ ስራሕ ብንጥፈት ተናዲ ኔርካ ኢልና ክንግምግም እንተ ኾይኑ እንተ ዉሓደ ኣብ ወርሒ 6 ስራሕ ኣናዲኻ ከተመልክት ኣሎካ፡ ናይ ፍርቂ ስዓታት ዲኻ ትሰርሕ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ሙሉእ ብሙሉእ ስራሕ ኣልቦ እንተ ዘይ ኮንካ ክንድኡ ምብዝሑ ስራሕ ኣናዲኻ ምምልካት ኣየድልየካን እዩ፡

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ገሊጽናዮ ዘሎና ዝዉሓደ ስራሕ ኣናዲኻ እንድሕሪ ድኣ ኣመልኪትካ ን ኣ-ካስ ክንሕብሮም ኢና፡ እንድሕሪ ድኣ ኣብ ስራሕ ምንዳይ ወይ ምምልካት ንጡፍ ኣይነብርካን ዝብል ኣርኣእያ ኣለዎም ሓደ መጠንቀቕታ ወይ ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ንሓደ ወይ ንብዙሕ መዓልታት ንኽትተርፍ ይዉስኑ።

ኣብቲ ናይ ንጥፈታትትካ ጸብጻብ ነቲ ኹሉ ዘመልከትካዮ ስራሓት ብጥንቃቐ ምልኣዮ፡ ዝተገለጸ (annonserade) ስራሓት፣ ብፍኑው ምምልካት ወይ ንሕና ከተመልክተሉ ዝተማሕጸናክ ስራሕ ምላእ፡ እቲ ናይ ንጥፈት ጸብጻብካ እንድሕሪ ድኣ ስራሕ ብንጥፈት ተናድን ተመልክትን ኣሎኻ ኾንካ ክንግምግም ኣገዳሲ መረጋገጺ እዩ፡

ስራሕ እብ ኩላ እዛ ሃገር ድዩ ከናዲ ዘሎኒ?

እቲ ዘሎካ ናይ ስራሕ ዕድል ምእንቲ ክዓቢ ስራሕ ዋላ ዉን ካብቲ ትቕመጠሉ ወጻኢ ምንዳይ ከድልየካ እዩ ወይ ብምዓልታዊ ክትመላለሱ ትኽእል ቦታ፡ እዚ ኣብ ኣየናይ ሞያ ኢኻ ስራሕ ትደሊ ዘሎኻ፣ ከምኡ ዉን እቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋ እንታይ እዩ ዝመስል ዝተሞርኮሰ እይ፡ ኣብቲ ትቕመጠሉ ዝምችእ ስራሕ እንተ ዘይረኸብካ ኣብ ዉሽጢ እዛ ሃገር ኣብ ካልእ ቦታ ምድላይ ከድልየካ እዩ።

ኣብ ካልእ ቦታ ናይ ሃገር እንድሕሪ ድኣ ሓደ ዉሃብ ስራሕ ናትካ ክእለት ዘለዎ ሰራሕተኛ ደልዩ ነቲ ስራሕ ሕራይ ኢልካ ክትቅበሎ ተዳሎ።

ከም ምቹእ ዝቑጸር ስራሕ እንታይ እዩ?

ብመሰረቱ እቲ ዘሎካ ክእለት ክሰማምዖ ዝኽእል ኩሉ ስርሓት ከም ምቹእ ስራሕ ይቑጸር እቲ ብትምህርትን ብተመኩሮን ዘሎካ ሞያ ጥራይ ኣይኮነን። እንድሕሪ ሓድ ዉሃብ ስራሕ ዘድሊ ክእለት ኣሎካ ኢሉ ክቖጽረካ ደልዩ እዚ ምቹእ ስራሕ እዩ።

ኣብዚ ሃገር ኣብ ካልእ ቦታ እቲ ናትካ ክእለት ዘድልዮ ስራሕ እንድሕሪ ድኣ ጠለብ ኣሎ ኾይኑ ስራሕ ንኽትረክብ ክትግዕዝ ወይ በስሙናዊ ክትመላለስ ቁሩብ ክትከዉን ዉን ኣሎካ።

እንድሕሪ ድኣ ብጥዕና ምኽንያት ሓደ ሓደ ስርሓት ከተመልክት ወይ ክትቅበሎም ዘይትኽእል ኾንካ እዚ ብምስክር ናይ ሓኪም ወርቐት ክድገፍ ኣለዎ።

እንድሕሪ ድኣ ስራሕ ተወፍዩልካ እሞ እቲ ስራሕ ንዓኻ ምችንአቱ ኣጠራጢሩካ ወይ ብምኽንያት ናይቲ ስራሕ ኣከባቢ ወይ ናይ ምቑጻር ኩንታት ትጠራጠር ኾንካ ን ኣ-ካሳኻ ተወከስ፡ በዚ ነቲ ስራሕ ኣይፋል እንት ኢልካዮ ነቲ መትካእታ ገነዘብካ እንድሕሪ ጽልዋ ዝገብረሉ ኾይኑ ትፈልጥ።

ስራሕ ንኽረክብ ዕድለይ ንኸዛይዶ ሓደ ኮርስ ይወስድ ኣለኹ፡ ንምንታይ እየ ካብ ኣ-ካሳ ተቐባልነት ክረክብ ዘሎኒ?

እቲ ቀንዲ ሕጊ ናይ መተካእታ ገንዘብ እንዳ ወሰድካ ማዕረ ማዕሪኡ ክትምሃር ኣይፍቀድን እዩ፡ ፍለይ ዝበለ ኩነታት ኣሎ፡ እቲ ዝመጸካ መተካእታ ገንዘብ ዓቂብካ ክትምሃር እንድሕሪ ትኽእል ኾንካ ኩሉ ግዜ ኣ-ካስ እዮም ዝዉስንዎ፡ ስለዚ ዝኾነ ኮርስ ወይ ትምህርቲ እንድሕሪ ክትጅምር ኮንካ ቅድሚ ምጅማርካ ን ኣ-ካሳ ተወከሶም፡ እዚ እቲ ናይ ትምህርቲ ዓይነት፣ ንትምህርትኻ ክንደይ ግዜ ከም ዘድልየካ፣ ናይ ቀትሪ ድዩ፣ ናይ ምሸት ወይ ኣብ ብዓላት ብዘየገድስ ንኹሉ ዝምልከት እዩ፡ እንድሕሪ ንሕና መራኸብቲ ስራሕ ኣ-ካሳ ከየፍቀዱልካ ትምህርቲ ትምሃር ኣሎኻ ፈሊጥና ብዛዕባ ትምህርትኻ ን ኣ-ካሳ ክንሕብሮም ክንግደድ ኢና።

እንድሕሪ ድኣ መተካእታ ገንዘብ እንዳ ወሰድካ ክትምሃር ተፈቒዱልካ እቲ ትምህርቲ ነቲ ትግብሮ ምንዳይ ስራሕ ጽልዋ ክገብረሉ የብሉን፡ ስራሕ እንድሕሪ ረኺብካ ትምህርትኻ ከተቋርጾ ኣሎካ።

ሓድሽ ስራሕ ረኺበ ኣለኹ ግን ገና ኣይጀመርኩን ዘለኹ፡ ካልእ ስራሕ ከናዲ ምቕጻል ናይ ግድን ድዩ?

ካብ ኣ-ካሳ ናይ መትካእታ ገንዘብ ክሳብ ትወስድ ዘሎኻ ኣብ ናይ ስራሕ ምንዳይካ ክትነጥፍ ኣሎካ፡ እዚ ኣብቲ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ውሕስና (arbetslöshetsförsäkringen) ሓደ ኩነት እዩ፡ ናይ ንግዚኡ ዝኸዉን ስራሕ ከተናዲ ትኽእል።

ኣብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒ ስራሕ ክትጅምር ዉዕል እንድሕሪ ኣቲኻ ንኻልእ ስራሕ ኣይደልን ምባል ወይ ንሕና ንኸተመልክተሉ ዘማሕጸናካ ስራሕ ዘይምምልካት ቁቡል ምኽንያት ክኸዉን ይኽእል እዩ፡ ንተወሳኺ ሓበሬታ ንናትካ ኣ-ካሳ ተወከስ፡ ብዝኾነ ብገዛእ ርእስኻ ምንዳይ ስራሕ ንኽትቅጽል ሕሰበሉ፡ ንመራኸብቲ ስራሕ ሓድሽ ስራሕ ከም ዝረኸብካ ሓብር።

ቁጽጽር ናይ ዝተመልከቱ ስርሓት

ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ኣብቲ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ኣመልኪተዮም እየ ዝበልካዮም ስራሕ ከም ዘመልከትካዮም ንኽንርኢ ቁጽጽር ክንገብር ንኽእል ኢና፡ እዚ ስለ ዝኾነ ነቶም ዘመልከትካሎም ስራሕ ከም ዘመልከትካ መረጋገጺ ክትዕቅብ ኣሎካ።

ዝመልከትካሎም ስራሕ መርጋገጺ ምቕራብ

ብዛዕባ መተካእታ ገንዘብ ካብ ኣ-ካስ

ስራሕ ኣልቦ ኾንካ ስራሕ ኣብ ተናድየሉ ግዜ ካብ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ዉሕስነት (arbetslöshetsförsäkringen) መተካእታ ገንዘብ ክመጸካ ክእለታት ክህልወካ ይኽእል እዩ፡ እቲ ናይ መተካእታ ገንዘብ ካብ ናትካ ኣ-ካሳ ኢኻ ተመልክት፡ ኣብዚ ከመይ ጌርካ ከም ተመልክት፣ ከተማልኦ ዘሎካ ከምኡ ዉን ክንደይ ገንዘብ ከም ዝመጸካን ከተንብብ ትኽእል።

መታካእታ ገንዘብ ካብ ኣ-ካሳ