ክፍሊት ካብ ኣ-ካሳ

ስራሕ ኣልቦ ኾንካ ስራሕ ኣብ ተናድየሉ ግዜ ካብ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ዉሕስነት መተካእታ (arbetslöshetsförsäkringen) ገንዘብ ክመጸካ ክእለታት ክህልወካ ይኽእል እዩ፡ እቲ ናይ መተካእታ ገንዘብ ናብ ናትካ ኣ-ካሳ (ናይ ስራሕ ኣልቦነት ዉሕስነት a-kassa) ኢኻ እተመልክት፡ ኣብዚ ከመይ ጌርካ ከም ተመልክት፣ ከተማልኦ ዘሎካ ከምኡ ዉን ክንደይ ገንዘብ ከም ዝመጸካ ከተንብብ ትኽእል።

ውሕስነት ስራሕ-ኣልቦነት እንታይ’ዩ?

ፊልም
/

3 ደቓይቕ 18 ካልኢታት

እዚ ፊልም ናይ ስራሕ ኣልቦነት ዉሕስነት እንታይ ምዃኑ ይገልጽ ከምኡ ድማ ነቲ መተካእታ ገንዘብ ክትረክብ ከተማልኦ ዘሎካ ቅድመ-ኩነት ይገልጽ።

ካብ ኣ-ካሳ ከመይ ጌረ መተካእታ ገንዘብ የመልክት?

  1. ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካላ መጀመርታ መዓልቲ ኣብ ናይ መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ተመዝገብ ከምኡ ድማ ናይ ኣ-ካሳ መተካእታ ገንዘብ ከተመልክት ከም ትደሊ ንገር።
  2. ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ናይ ኣ-ካሳ ኣቲኻ ማለት logga in ጌርካ ንናይ መተካእታ ገንዘብ ኣመልክት፡ ኣብኡ ነቲ ናይ ገንዘብ መተካእታ መሰል ኣሎካን ከምዘይብልካን መልሲ ንኽትረክብ እንታይ ከተማልእ ከም ዘሎካ ሕበሬታ ኣሎ።

እንድሕሪ ድኣ ኣብቲ ናይ ኣ-ካሳ ኣባል ዘይኮንካ ኣብቲ ስራሕ ኣልቦ ኣብ ትኾነሉ እዋን ማሕበርተኛ ንኽትከዉን ከተምልክት ትኽእል ኢኻ፡ ኣብቲ ናይ ኣ-ካሳ መርበብ ሓበሬታ ክትገብሮ ትኽእል፡ እንድሕሪ ኣብ ናይ ኣ-ካሳ ኣባል ክትከዉን ዘይደልኻ መተካእታ ገንዘብ ካብ ኣልፋ ካሳ (Alfa-kassan) ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ተመዝገብ

ነቲ ናትካ ኣ-ካሳ ርኸቦ (sverigesakassor.se)

ካብ ናይ ኣ-ካሳ ዉሕስነት ናይ ገንዘብ መተካእታ ንኽትረክብ እንታይ ከተማልእ የድልየካ?

ብዘይ እቲ ዝመጸካ ናይ መተካእታ ገንዘብ ምእንቲ ከይትተርፍ እቲ ምሳና ሓቢርካ ትገብሮ ዉጥን ክትከታተል ኣሎካ፣ ንጡፍ ክትከውንን ኣብ ወርሒ እንተ ዉሓደ 6 ስራሕ ከተናድን ከተመልክትን ኣሎካ፡ (ኣብቲ ናይ ትልሚ ስራሕ ካልእ እንድሕሪ ዘይተባህለ)፡ ቆሉዑ እንድሕሪ ኣለዉኻ ናይቶም ቆሉዑ ክንክን ዝተማሓደረ ክኸዉን ኣለዎ፡ ከም ንቡር ኣብ ሽወደን ክትህሉ ኣሎካ ከምኡ ኽኣ ዝኾነ ሒዝካዮ ዘሎኻ ትምህርቲ ዝተወድአ ክኸዉን ኣለዎ፡ እንታይ ከተማልእ ከምዘድልይካ ዝያዳ ሓበሬታ ንኽትረክብ ነቶም ናትካ ኣ-ካሳ ተወከሶም።

ናይ ገንዘብ መተካእታ ንኽትረክብ ቅድሚ ሕጂ ዝሰራሕካ ዉን ክትከዉን ኣሎካ፡ ካብዞም ዝስዕቡ ቅድመ ኩነታት ሓደ ከተማልእ ኣለካ፡

  • ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 60 ስዓታት እንተ ዉሓደ 6 ወርሒ ዝሰራሕካ ክተከዉን ኣሎካ፡
  • ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ከይቋረጽካ ን 6 ወርሒ 420 ስዓታት እንተ ዉሓደ 40 ስዓታት ኣብ ወርሒ ዝሰራሕካ ክተከዉን ኣሎካ፡

ክንደይ ዝኣክል ከም ዝሰርሑ ዘርእይ ወረቐት ምስክር (Begär arbetsgivarintyg) ንምርካብ ንወሃቢ ስርሖም ይሕተቱ። ናብ ክፍሊት ስራሕ ስኡናት (a-kassa) ይእተዉ እሞ ናይ ኦንላይን ግልጋሎት ይጠቐሙ ናይ ወሃቢ ስራሕ ወረቐት ምስክር ይሕተቱ ወይከዓ ወሃቢ ስርሖም arbetsgivarintyg.nu ንክጥቀም ይሕተቱ።

ንምሳሌ ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ወይ ናይ ሕማም ዕረፍቲ እንድሕሪ ድኣ ኔርካ ወይ ብናይ ሙሉእ ስዓታት እንድሕሪ ድኣ ኣብ ትምህርቲ ኔርካ እቲ ግዜ ንድሕሪት ተመሊስካ ከም ስራሕ ክትቆጽሮ ትኽእል።

ናይ ኣ-ካሳ እንድሕሪ ድኣ ንመተካእታ ገንዘብ መሰል የብልካን ኢሎምኻ ኣብቲ ትቕመጠሉ ናይ ከተማ ምምሕዳር ናይ ቁጠባ ሓገዝ ከተመልክት ክትዉከሶም ትኽእል።

ክንደይ ገንዘብ ይዉሃበኒ?

ክንደይ ገንዘብ ከም ትዉሃብ ኣብ ቅድሚ ሕጂ ክንደይ ሰሪሕካ፣ ኣብ ናይ ቅድሚ ሕጂ እቶትካ ከምኡ ኽኣ ኣብ ናይ ኣ-ካሳ ኣባል ካብ ትኸዉን ክንደይ ጌርካ ዝተመርኮሰ እዩ? እቶም ናይ ናትካ ኣ-ካሳ ብዛዕባ እቲ ዝመጸካ ናይ ገንዘብ መተካእታን ክንደይ ከም ዝመጸካን ቆጺሮም ይዉስኑ

ኣብ ኣታዊኻ ዝተመርኮሰ ናይ ገንዘብ መተካእታ

ኣብ ናይ ኣ-ካሳ እንተ ዉሓደ ሓደ ዓመት እንድሕሪ ኣባልነት ኣሎካ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝረኸብካዮ ደሞዝ 80 ሚእታዊት ክትረክብ ትኽእል፡ እቲ ዝበዝሐ ቅድሚ ግብሪ ምቑራጹ ንወርሒ 26 400 ኮሮና ትረክብ።

መሰረታዊ ናይ ገንዘብ መተካእታ

እንድሕር ድኣ ኣብ ኣ-ካሳ ኣባል ዘይኮንካ ወይ ኣባልነትካ ካብ ሓደ ዓመት ንታሕቲ እንድሕሪ ድኣ ኾይኑ መሰረታዊ መተካእታ ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል፡ ቅድሚ ግብሪ ምቑራጹ እንተ በዝሐ 11 200 ኮሮና ክትረክብ ትኽእል እዚ ኣብ ቅድሚ ሕጂ ክንደይ ከም ዝሰራሕካ ዝተሞርኮሰ እዩ፡ 20 ዓመት ዝመላእካ ዉን ክትከዉን ኣሎካ።

መትካእታ ገንዘብ ንኽንደይ ግዜ ይዉሃበኒ?

ሓደ ናይ ገንዘብ መተካእታ እዋን 300 መዓልታት እዩ፡ እቲ ዝበዝሐ መዓልታት መተካእታ ገንዘብ ክትረኽበሉ ትኽእል ሓሙሽተ መዓልታታ ኣብ ሰሙን እዩ፡ ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ቆልዑ እንተ’ለዉኻ እቲ መዓልታት ብቕጽበት ናብ 150 መዓልታት ይናዋሕ፡ እንድሕሪ ድኣ ድሕሪ 300 ናይ መተካእታ ገንዘብ መዓልትታ ስራሕ እንተ ዘይረኸብካ ኣብ ናይ ስራሕን- ምዕባለን ውሕስና (jobb- och utvecklingsgarantin) ክትካፈል ወፈያ ክግበረላክ ይክኣል እዩ።

ናይ ስራሕን ናይ ምዕባሌን ውሕስናን (jobb- och utvecklingsgarantin)

መትካእታ ኣብ ዘሎኒ እዋን እንታይ ምግባር የድልየኒ?

ብዘይ እቲ ዝመጸካ ናይ መተካእታ ገንዘብ ምእንቲ ከይትተርፍ እቲ ምሳና ሓቢርካ ትገብሮ ዉጥን ክትከታተል ኣሎካ፣ ንጡፍ ክትከውንን ኣብ ወርሒ እንተ ዉሓደ 6 ስራሕ ከተናድን ከተመልክትን ኣሎካ፡ (ኣብቲ ናይ ትልሚ ስራሕ ካልእ እንድሕሪ ዘይተባህለ)፡ ኣብቲ ብቖጸራ ዝግበር ኣኼባ ከምኡ ዉን ካልእ ብሓባር ዝተሰማማዕናሉ ንጥፈታት ክትሳተፍ ኣሎካ፡ ዕንቅፋት እንድሕሪ ኣጋጢሙካ ክትሕብረና ኣሎካ።

ብሓደ መደብ ኣቢሉ እንድሕሪ ድኣ ሓደ ምቹእ ስራሕ ወይ ዝያዳ ደገፍ ተወፍዩላካ ሕራይ ኢልካ ክትቅበል ኣሎካ፡ እቲ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ዉን ወርሓዊ ኣብ ሞንጎ ዕለት 1ን ዕለት 14ን ከተቕርበልና ኣሎካ።

ስራሕ እንዳ ኣናደኻን መትካእታ ገንዘብ ካብ ኣ-ካሳ እንድ ወሰድካን ኮርስ ክትወስድ ወይ ክትምሃር እንድሕሪ ደሊኻ መጀመርያ ንኣ-ካሳ ክትዉከስ ኣሎካ፡ እቲ ዝመጸካ ናይ መተካእታ ገንዘብ እንዳ ወሰድካ ክትገብሮ እንድሕሪ ዝፍቀደካ ኾይኑ ዉሳኔ ይወስዱ።

ናይ ምንዳይ ስራሕካ ብኣገባብ እንድሕሪ ዘይ’ሒዝካዮ ወይ ናይ ስራሕ ኣልቦነትካ ግዜ እንድሕሪ ኣናዊሕካዮ ነቲ ናይ መተካእታ ገንዘብካ ጽልዋ ክገብረሉ ከም ዝኽእልን እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ቅድመ ኲነት ካብ ናይ ኣ-ካሳ መተካእታ ናይ ገንዘብ እንድሕሪ ኣሎካ

ጸብጻብ ንጥፈታት ከተቕርብ

ዝኾነ ነገር እንተተቐይሩ ወይከዓ ሕቶታት እንተልዮምዎም ንግልጋሎት ስራሕ ስኡናት (a-kassa) ይርከቡ

እቲ ትኽክለኛ ካሕሳ ንክረኽቡ ንክፍሊት መድሕን ስራሕ ስኡናት ትኽክለኛ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ርግፀኛ ይኹኑ። ከምኡ እውን ረብሕኦም ዝነክእ ዝኾነ ነገር እንተደኣ ተቐይሩ ንግልጋሎት ስራሕ ስኡናት ከም ዘፍለጡ ኣይረስዑ። ዘይግብኦም ካሕሳ እንተተቐቢሎም መሊሶም ክኸፍልዎ ይኽእሉ እዮም።

ፀብፃብ ግዘኦም ከመይ ከም ዝመልኡ ወይ ኣየንኦም ለውጥታት ንምሕባር ኣገደስቲ ከም ዝኾኑ ሕቶታት እንተልዮምዎም ንክፍሊት መድሕን ስራሕ ስኡናት ክረኽቡ ኣለዎም። ከምኡ እውን ብዛዕባ ክፍሊቶም፣ ኣባልነቶም ወይከዓ ካልእ ምስ ካሕስኦም ዝተሓሓዝ ዝኾነ ይኹን ሕቶ እንተልዩዎም ንክፍሊት መድሕን ስራሕ ስኡናት ይርከቡ።

ኣብ ናይ ስዊድን ክፍሊት መድሕን ስራሕ ስኡናት (Sveriges a-kassor) ዌብሳይት ናይ ኩሎም ክፍሊት መድሕን ስራሕ ስኡናት ሓበሬታ ኣድራሻ ይረኽቡ እዮም።

Sveriges a-kassor (sverigesakassor.se)

እቲ ሄሎ ክፍሊት መድሕን ስራሕ ስኡናት (Hej a-kassa) ዌብሳይት ግልጋሎት ስራሕ ስኡናት ኣብ ምምራፅ መምርሒ ይህብ እዩ።

Hej a-kassa (hejakassa.se)

መትካእታ ገንዘብካ ስራሕ ከተናዲ ንኣዉሮጳ ተማልኣዮ

እንድሕሪ ድኣ ኣብ ሽወደን ካብ ናይ ኣ-ካሳ መተካእታ ገንዘብ ክትወስድ መሰል ኣሎካ ነቲ መተካታ ገንዘብካ ኣብ ካልእ ናይ ሕብረት ኣዉሮጳ ከተማ EU/EES ስራሕ ከተናዲ ክትማልኦ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ሙሉእ ብሙሉእ ስራሕ ኣልቦ ክትከዉን ግድን ኮይኑ ስራሕ ኣልቦ ምስ ኮንካ እንተ ዉሓደ ንኣርባዕተ ሰሙን ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ዝተመዝገብካ ክትከዉን ኣሎካ።

ቅድሚ ምጋሽካ ከተመልክት ከም ዘሎካ ኣስተዉዕል፡ ናብ ተቖጻጻሪ ዉሕስና ስራሕ ኣልቦነት (arbetslöshetsförsäkringen, IAF) ተመልክት

ምስክር መመልከቲ ምንዳይ ስራሕ ኣብ ኣዉሮጳ (መርበብ ሓበሬታ (iaf.se)