ውሕስነት ስራሕን ምዕባለን

ናይ ስራሕን ምዕባለን ውሕስና ኣብ ስራሕ ኣልቦነት ነዊሕ ዝገበርካን ኣብ ናይ ስራሕ ህይወት ንኽትምለስ ሓገዝ ትደሊ ሓደ መደብ እዩ፡ ንስራሕ ኣልቦነት ንኽትጥሕሶ/ክትገድፎ ደገፍ ክንህበካ ኢና።

እንታይ

እዚ ብዉልቃዊ ዝተነድፈ ጻዕርታትን ደገፍን ምስ ናትካ ብንጡፍ ናይ ስራሕ ምንዳይ ዝተወሃሃደ ሓደ መደብ እዩ፡ እቲ ዕላማ እቲ ስራሕ ኣልቦነትካ ብዝተኻእለ ፍጥነት ንኸተብቅዖ እዩ።

ብዛዕባ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን ንምፍላጥ ዌቢናር እውን ክርእዩ ይኽእሉ እዮም።

ዌቢናር ብዛዕባ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን

ንመን

ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ እንተኾይኖምን ኣባና ከም ደላያይ ስራሕ እንተተመዝጊቦም ኣብ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን (jobb- och utvecklingsgarantin) ዝሳተፍሉ ዕድል ክህሉ ይኽእል እዩ። ከምኡ እውን ካብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ሓዲኡ ከማልኡ ኣለዎም፦

  • ን300 መዓልትታት ድጎማ ስራሕ ኣልቦነት እንዳተቐበሉ ነይሮም ከምኡ እውን ነቲ ሓዱሽ ናይ ስራሕ ኩነታት ኣየማልኡን። ካብ ክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት (a-kassan) 20 ወይከዓ ካብኡ ዝነኣሱ ናይ ድጎማ መዓልትታት እንትተርፉ እቲ መደብ ክወሃቦም ይኽእል እዩ።
  • ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዘለዎም፣ ናይ ክፋል እዋን ስራሕ ዝሰርሑን ናይ 60 ሰሙናት ናይ ስራሕ ድጎማታት ዝተጠቐሙን በይኖም ዝነብሩ ሰብ እዮም። 56 ሰሙናት ካብ ዝተጠቐምሉ እዋን ጀሚሩ እቲ መደብ ክወሃቦም ይኽእል እዩ።
  • ኣብ ዝሓለፉ 14 ኣዋርሕ ካብ ክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት ናይ ስራሕ ኣልቦ ድጎማታት ኣይተቐበሉን።
  • ንዝበዘሐ እዋን ኣብ መደብ መትከል እግሪ (etableringsprogrammet) ወይከዓ ውሕስነት ስራሕ ንመንእሰያት (jobbgarantin för ungdomar) ተሳቲፎም እዮም።
  • እስራት ተፈሪዱዎም ከምኡ እውን ካብ ቤት ፍርዲ ወፃኢ ወግዓዊ ስምምዕ ዝተፈቐደሎም ወይከዓ ብይቕሬታ ዝተፈትሑ ኮይኑ ግና ሓደ ዓመት ናይ ሙከራ እዋን ዘይወድኡ እዮም።

ኣብቲ መደብ ቦታ ዝህቦም ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) እዩ። ንውሕስነት ስራሕን ዕብየትን ኣብ ዝተዓለመ ጉጅለ እንተልዮምን ቦታ እንተዘይተዋሂቡዎምን ብቑፅሪ ቴሌፎን 0771-416 416 ይደውሉ።

እንድሕሪ ወናኒ ትካል ኮንካ ከም ስራሕ ኣልቦ ስለ ዘይትሕሰብ ኣብዚ መደብ ክትሳተፍ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ እዚ ስፍሓት ናይቲ ትካል ብዘየገድስ ዝምልከት ኢዩ።

እቲ ኣገባብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ

ንምስታፍ ምስተስማዕምዑ ካብቲ መዓልቲ ብዘይዘንገዐ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ኣብቲ መደብ ይምደቡ። ቀፂሉ ንሶምን ወኪል መራኸቢ ስርሖምን ብዝተኽኣለ ፍጥነት ስራሕ ንክረኽቡ ወይከዓ ትምህርቲ ንክጅምሩ ንምሕጋዝ ተስማዕማዕቲ ስጉምትታት ይተልሙ። እንተድልዩዎም ንዖኦም ዝሕግዝ ተርጓማይ ኣሎ እዩ። ሓድሓደ ኣብነታት ግልጋሎት ከምዚ ዝስዕብ እዮም፦

  • ልምምድ (ፕራክቲክ) ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ
  • ናይ ስራሕ ልምምድ
  • ናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርቲ (Arbetsmarknadsutbildning)
  • ናትካ ትካል ክትከፍት እንድሕሪ ደሊኻ ደገፍን ምኽርን
  • ኣብ ኮምቩክስ (komvux)፣ ፎልክ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ (folkhögskola) ወይከዓ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ምውሳድ
  • ናይ ምዝማድ ግልጋሎታት

ከመይ ይካየደልካ ከም ዘሎ ንከታተለካ እቲ ዘድልየካ ደገፍ ንህበካ።

ኣብ ናይ ስራሕን ምዕባለን ዉሕስነት ክትሳተፍ ከሎኻ ዉሃብ ስራሕ ክቖጸርካ ዉን ዕድል ኣሎ ብናይ ሓድሽ መጀመር ስራሕ ወይ መላለይ ስራሕ።

ሕሙም እንተኾይኖም ወይከዓ ጉድኣት ኣካል እንተልዩዎም ተወሳኺ ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም

እንድሕሪ ጥዕናኻ ወይ ኣካለ ስንክልናኻ ኣብቲ መደብ ንኽትሳተፍ ጽለዋ ዝገብረልካ ኮይኑ ክትነግረና ንደሊ ኢና፡ ብድሕሪኡ ብሓደ ኾይና ንኽትሰርሕ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘድልየካ ክነጽንዕ ኢና።

ሓገዝ ንኣካለ ስንክልና ዘሎካ

ናይቲ መደብ ስፍሓት

ከም ልሙድ እቲ መደብ ናይ ምሉእ ስዓታት እዩ፡ እንድሕሪ ድኣ ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ሃሊኻ ወይ ብምኽንያት ሕማም ወይ ኣካለ ስንክልና ክትሰርሕ ዘይክኣልካ ኣብቲ መደብ ብናይ ፍርቂ ግዜ ክትካፈል ተኽእሎ ኣሎ። ናይ ስራሕን ምዕባለን ውሕስና እንዳተሳተፍካ ከሎኻ ብማዕሪኡ ብናይ ፍርቂ ግዜ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ወርሕታት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ናይ ስራሕን ምዕባለን ዉሕስና ክትሳተፍ ከሎኻ ዕረፍቲ ክትወስድ ትኽእሎ የብልካን ይኹን እምበር ኣብ ፍልይ ዝበለ ኹነታት እንተ በዝሐ ሰለስተ መዓልቲ ዕረፍቲ ክንህብ ንኽእል እንድሕሪ ደሊኻ ኽኣ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ዓመት ንግዚኡ ክሳብ 20 መዓልቲ ከተቋርጽ ትኽእል።

መተካእታ ገንዘብን ኩነትን

ኣብ ሓደ መደብ ክትሳተፍ ከሎኻ ንመተካእታ ገንዘብ ካብ ናይ ዉሕስና ካሳ (Försäkringskassan)

ክሳብ ሕጂ ካብ ክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት ድጎማታት እንተዘይተቐቢሎም ኣብቲ መደብ ዘሎ ቁፅሪ ድጎማታት ኣብ 450 ዝተገደበ እዩ። ናይ ድጎማ መዓልትታቶም ዋላ ድሕሪ ምውድኦም ኣብቲ መደብ ምስታፎም ይቐፅሉ።

ከተምልክት ትኽእል ኢኻ፡ ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ምዝጉብ እንድሕሪ ድኣ ኮንካ እሞ ኣብ ሓደ መደብ እንድሕሪ ትካፈል ኮንካ ብዛዕባ መትካእታ ገንዘብ ንኽተመልክት እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን እንታይ እዩ እቲ ኩነትን ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል።

ኣብ ሓደ መደብ ክትሳተፍ ከሎኻ

ካባኻ እንታይ ትጽቢት ይግበር

ኣብ ሓደ መደብ ምስታፍ ብድልየት እዩ፣ ይኹን እምበር ንኽትሳተፍ እንድሕሪ ወሲንካ ነቲ ዝተሰማማዕናሉ ትልሚ ብንጥፈት ክትስዕቦ ኣሎካ።

ኣብቲ መደብ ኣብ ዝሳተፍሉ እዋን ምስኦም ሓቢርና ኣብ ዝተለምናዮም ተግባራት ክሳተፉ የድሊ። ንቑሕ ብምዃን ስራሕ ክእልሹ ኣለዎም፤ ስራሕ እንተተዋሂቡዎም ንክቕበልዎ ትፅቢት ይግበሮም። ንኩነታቶም ፍታሕ ንምሃብ ንምሙካር፣ ከምኡ እውን ካብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) ዝረኽብዎም ድጎማታት ከም ዘይፅለዉ ንምርግጋፅን ከምዚ ክገብሩ ኣለዎም።

እንድሕሪ ድኣ ለውጥታት ኣሎ ክትሕብረና ከድልየካ እዩ ንምሳሌ ስራሕ ወይ ትምህርቲ እንድሕሪ ጀሚርካ፡

ንክመሃሩ ነበረታትዖም ኢና

ብዙሓት ወሃብቲ ስራሕ ናይ ስረሕተኛታት ጠለብ ኣለዎም፤ ኮይኑ ግና እቲ ትኽክለኛ ስልጠና ዘለዎም ሰባት ንምርካብ ይኸብዶም እዩ። ካብቶም ዘለዉ ስራሕቲ ሓዲኡ ንምርካብ ምምሃር ከድልዮም ይኸውን እዩ ንመደበኛ ትምህርቲ ንኸመልክቱ እውን ነተባብዖም።

ንክምሃሩን ናብ ግድነታዊ ትምህርቲ እንትንጋብዞምን

ጸብጻብ ንጥፈታት ኣቕርብ

ናይ ንጥፈታታ ጸብጻብ ወርሓዊ ከተቕርብ ኣሎካ፡ እዚ ነቲ ናይ ስራሕን ትምህርትን መንገዲ ቅኑዕ ደገፍ ክትረክብን ከምኡ ዉን ካብ ዉሕስና ካሳ ዝመጸካ መተካእታ ገንዘብ ጽልዋ ከይገብረሉን ኣገዳሲ እዩ።

ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ

እንድሕሪ ሓሚምካ

እንድሕሪ ሓሚምካ ካብታ ዝሓመመካላ መዓልቲ ኣትሒዝካ ከተመልክት ኣሎካ እንተ’ዘይኮነ ናይ’ተን ኩለን ዝሓመምካለን እዋን መተካእታ ገንዘብ ክቑረጻልካ እየን፡. እንድሕሪ ድኣ ንነዊሕ ግዜ ሓሚምካ ሕጂ ዉን ኣብቲ መደብ ምእንቲ ክትካፈል እቲ ትሕዝቶ ንዓኻ ከም ዝምችእ ክንገብሮ ክንፍትን ኢና እንድሕሪ ድኣ ብሙሉእ ግዜ ካብ 30 መዓልቲ ንላዕሊ ሓሚምካ እሞ እቲ መደብ ክምችኣካ ስለ ዘይክእል ኮይኑ ካብቲ መደብ ትሰናበት።

እንድሕሪ ሓሚምካ ቡክራትካ ኣመልክት

እንድሕሪ ዝሓመመ ቆልዓ ትኣሊ ኣሎኻ

እንድሕሪ ቆልዓ ክትኣሊ ኣብ ገዛ ምትራፍ ዘድልየካ ኾይኑ ናዓና ምሕባር ከድልየካ እዩ።

ንቖልዓ ንምእላይ ንምብኳር (VAB) ኣመልክት

ኣብቲ መደብ ክሳብ ክንድዚ ክትጸንሕ ትኽእል

ኣብቲ ናይ ስራሕን ምዕብልናን ዉሕስነት ክሳብ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ኩነታት ዝገልጾ ክትሳተፍ ትኽእል

  • ካብዚ ናይ ስራሕን ምዕብልናን ዉሕስነት ወጻኢ ናይ ሙሉእ ግዜ ክትሰርሕ ወይ ክትምሃር ምስ ትጅምር
  • ናይ ሙሉእ ግዜ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ምስ ትወስድ
  • ካብ ወርሒ ንላዕሊ እንድሕሪ ድኣ ብሙሉእ ግዜ ሓሚምካ እሞ እቲ መደብ ክም ዝምችእ ምግባር እንተ’ዘይተኻኢሉ
  • ናብቲ ዝተረጋገፀ ናይ ጡረታ ዕድመ ቅድሚ ምብፅሑ ዘሎ ወርሒ
  • ናይ ኣ-ካሳ ሓድሽ ኩነት እንድሕሪ ኣማሊእካ

ካብቲ ናይ ኣ-ካሳ (a-kassa) መተካእታ ገንዘብ ክመጸካ እንታይ እዩ እቲ ዝድለ ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል፡

መታካእታ ገንዘብ ካብ ኣ-ካሳ

ናብቲ መደብ ክትምለስ ዕድል ይህልወካ ይኸዉን

ኣብ ናይ ሕማም ፍቓድ፣ ናይ ወላዲ ፍቓድ ወይ እንዳተምሃሩ እንተነይሮም ናብቲ መደብ ክምለሱ ይኽእሉ እዮም። ዳግማይ ስራሕ ኣልቦ እንተኾይኖም ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ ከምኡ እውን ንሓድሓደ መፅናዕትታት ንልዕሊ 3 ዓመት ክቐርዩ የብሎምን። ስራሕ ሰሪሖም ስራሕ ኣልቦ እንተኾይኖምን ክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት ዳግማይ ናይ ምርካብ መሰል እንተዘይሃሊዩዎምን ናብቲ መደብ ክምለሱ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ትሕቲ ናብቲ መደብ ከመይ ምምላስ ይከኣል (Så kommer du tillbaka till programmet) ዝብል ኣርእስቲ ዝበለፀ የንብቡ።

መራኸብቲ ስራሕ እንድሕሪ መደብካ ኣቋሪጾሞ

እንድሕሪ መራኸብቲ ስራሕ መደብካ ስሒቦሞ ተቋረጽ ማለት እዩ ስለዚ ንስኻ ድሕሪ ደጊም ኣብቲ መደብ ኣይትካፈልን፡ እንድሕሪ ብዘይ ግቡእ ኣገባብ ተኸታቲልካ ወይ ንስራሓት እንድሕሪ ዘሪግካ እቲ ኣብቲ መደብ ምስታፍ መሰልካ ትስእኖ፡ መራኸብቲ ስራሕ ነቲ መደብካ ንምስሓብ ዘግብር ፍልይ ዝበለ ምኽንያት ዉን ኣሎ ንምሳሌ ንስኻ ድሕሪ ደጊም ኣብቲ መደብ ንምስታፍ ክእለት የብልካን ወይ ኣይትደልን ትኸዉን።

ኣብ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን ድሕሪ 450 መዓልትታት ድጎማታት ናይ ምርካብ መሰል እንተዘይሃልዩዎም በዞም ዝስዕቡ ኩነታት ቦትኦም እውን ክስእኑ ይኽእሉ እዮም፦

  • ካብቲ መደብ ንዝዉሃበካ ጻዕሪ ወይ ካልእ ስጉምቲ ፖሊሲ ዕዳጋ ስራሕ (arbetsmarknadspolitisk) ኣይደልን እንድሕሪ ኢልካ
  • ብዘይ ቅቡል ምኽንያት ንዝተረኸበ ቡቑዕ ስራሕ ኣይደልን ምባል
  • ጸብጻባት ንጥፈተታት ዘይምቕራብ
  • ብዝተስማዕምዕዎ መሰረት ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ እንተዘይተራኺቦም

እቲ መደቦም እንተተቛሪፁ ኣበላቶምን ኣብቲ መደብ ዝቕበልዎም ድጎማታቶምን የቋርፁ እዮም።

ድሕሪ መደብካ ምዝዛሙ

መደቦም ብምውፃእ እንተተቛሪፁ ድሕሪ 45 ናይ ምፅባይ መዓልትታት (karensdagar) ደጊሞም ኣብቲ መደብ ክሳተፉ ይኽእሉ ይኾኑ እዮም። እቶም ናይ ምፅባይ መዓልትታት ብተኸታታሊ ክውድኡ ኣለዎም ከምኡ እውን ከም ደላያይ ስራሕ ኮይኖም ክምዝገቡ ኣለዎም።

መደቦም ኣብ ዝውድአሉ መዓልቲ ካብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ክወፁ እንተመሪፆም ናይ ምፅባይ መዓልትታት ንምጅማር ኣብ ውሽጢ 60 መዓልትታት ከም ደላያይ ስራሕ ክምዝገቡ ኣለዎም።

መደቦም ብንፁር ምኽንያታት እንተተወጊዱ፤ ናብቲ መደብ ምምላስ ኣይከኣልን።

ናብቲ መደብ ብኸምዚ ዝስዕብ ክትምለስ ትኽእል

እቲ መደብካ እንተ ቐልጠፈ እታ ብሓባር ኮይና መደብ ንገብረላ መዓልቲ ሽዓ ክጅመር ይክኣል፡ ንመራኸብቲ ስራሕ ባዕልኻ ምዉካስ ከድልየካ እዩ።

እንድሕሪ ድኣ ካብ ናይ መራኸብቲ ስራሕ መዝገብ ተሰሪዝካ ኣብቲ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ናይ መርበብ ኢንተርነት ኣቲኻ ከም ብሓድሽ ከም ደላይ ስራሕ ክትምዝገብ ኣሎካ፡ ነቲ ናትካ ጉዳይ ክንሪኦ ክንጅምር ኣብ ዉሽጢ ክልተ ስዓት ክንድዉለልካ ኢና።

  • ድሕሪ ስዓት 15.00 ተ’ኾይኑ ንጽባሒቱ ኣብ ናይ ስራሕ ስዓት ኣብ መንጎ ስዓት 9 ን 11 ንድዉል።
  • ክትምልስ ዘይትኽእል እንተ ኾንካ ወይ ደሃይ እንተዘይ ጌርልናልካ ብቑጽሪ ተሌፎን 0771-416 416 ደዉለልና።

ክንድዉለልካ ከሎና ክትምልሰልና ኣገዳሲ እዩ

ኣብ መራኸብቲ ስራሕ እንድሕሪ ድኣ ምዝጉብ ኮንካ ነቲ ናትካ ጉዳይ ክንሪኦ ምእንቲ ክንጅምር ብቑጽሪ ተሌፎን 0771-416 416 ጌርካ ክትድዉለልና ከድልየካ እዩ፡ እቲ ጉዳይካ ብዛዕባ ናብቲ መደብ ንምምላስ ዘሎካ ዕድል ዝምልከት እንተ ኾይኑ ሓብረና

ንናይ ጕዕዞ ወጻኢታት ቍጠባዊ ሓገዝ ክትወሃበሎም ትኽእል ኢኻ

ካብቲ ትነብረሉ ቦታ ወጻኢ ኣብ ካልእ ቦታ ኣብ ሓደ ፕሮግራም ወይ መርመራ ትሳተፍ እንተ ኣለኻ ዄንካ፡ ንናይ ጕዕዞን መንበርን ወጻኢታትካ ቍጠባዊ ሓገዝ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ።

ቍጠባዊ ሓገዝ ናይ ጕዕዞ ኣብ እዋን ምስታፍ ኣብ ሓደ ፕሮግራም ወይ ናይ ስራሕ ምቝጻር ቃለመጠይቕ