ንመፅናዕቲ እንትንጋብዞም

ኣብ ውሕስነት ስራሕን ልምዓትን (jobb- och utvecklingsgarantin) ወይከዓ ኣብ መደብ እግሪ ምትካል (etableringsprogrammet) እንተተሳቲፎም፣ ስራሕ ንምርካብ ክመሃሩ ከም ዘለዎም ክንግምግም ንኽእል ኢና። ካብኡ ንስልጠና ንኸመልክቱን ኣብ ናይ ተግባር ትልሞም ከም ግድነታዊ ንጥፈት ንከእትውዎ ንእንግዶም።

ግድነታዊ ንጥፈት ትምህርቲ ንምድላይ

ትምህርቲ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ሓፍ ከብሎ ይኽእል እዩ። ትምህርቲ እንተዘሃልዩዎም ንነዊሕ እዋን ካብ ስራሕ ወፃኢ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት ወሃብቲ ስራሕ ሰራሕተኛታት ይደልዩ፣ ኮይኑ ግና ትኽክለኛ ስልጠና ዘለዎም ሰባት ምርካብ ይኸብዶም። ነቶም ዘለዉ ስራሕቲ ንምርካብ ትምህርቲ ከድልዮም ይኸውን እዩ። ምናልባት ትምህርቲ ሃልዩዎም ኮይኑ ግና ዕድላት ስራሕ ንምውሳኽ ሞያ ክቕይሩ ኣለዎም።

ኣብ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን ወይከዓ መደብ እግሪ ምትካል እንተተሳቲፎምን ካሕሳ ብመልክዕ ደገፍ ንጥፈት (aktivitetsstöd)፣ ደገፍ ዕብየት (utvecklingsersättning) ወይከዓ ሓገዝ መትከል እግሪ (etableringsersättning) እንተልዩዎም ኣብ ናይ ተግባር ትልሞም ከም ግድነታዊ ንጥፈት ብምግባር ንስልጠና ንኸመልክቱ ነበረታትዖም።

ንጥፈት ማለት ንስልጠና የመልክቱ ማለት እዩ። እዚ ኣብ ኮምቩክስ (komvux)፣ ፎልክ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ (folkhögskola)፣ ፖሊ ቴክኒክ (yrkeshögskola)፣ ኮሌጅ ወይከዓ ዩኒቨርሲቲ ንትምህርቲ ምምልካት ከጠቓልል ይኽእል እዩ።

ንመደበኛ ስልጠና ንኸመልክቱ ኣብ ዝጥየቕሉ እዋን ኣብ ናይ ተግባር ትልሞም ከም ንጥፈት ነእትዎ ኢና፣ ናብ ናተይ ገፃት (Mina sidor) እንትኣትዉ ይረኽብዎ። ክልተ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣለዉ ካብኣቶም ሓዲኡ ድማ ኣብ ናይ ተግባር ትልሞም ይረኽብዎ፦

  • ኣብ ከተማ ምምሕዳር ወይ ኣብ ፎልክ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንትምህርቲ የመልክቱ ወይ
  • ኣብ ፖሊ ቴክኒክ፣ ኮሌጅ/ዩኒቨርሲቲ ወይከዓ ፎልክ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንትምህርቲ የመልክቱ።

እቲ ንጥፈት እንታይ ክገብሩ ትፅቢት ከም ዝግበሮም ይገልፅ፣ ማለት እውን ኣብ መደበኛ ስርዓት ትምህርቲ ንትምህርቲ ምምልካት። ኣብ ሓደ ኮርስ ቦታ እንተረኺቦም ክቕበሉ ኣለዎም ከምኡ እውን ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ሽዑ ንሽዑ ከፍልጡ ኣለዎም። ነዚ ብቐጥታ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፣ እዚ እውን ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ትምህርቲ ናቶም ንጥፈት ይኸውን ኢሉ ውሳነ ንክህብ እዩ።

ሓበሬታ ንጥፈት

ከመይ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ንኽንፈልጥ በቢወርሑ ሓበሬታ ንጥፈታቶም (aktivitetsrapport) ክመልኡ ኣለዎም። ንስልጠና ንከመልክቱ እንትእንገዱ ክምልስዎም ዘለዎም ሰለስተ ተግባራት ኣብ ሓበሬታ ንጥፈቶም ክቕበሉ እዮም። “ነቶም ንጥፈታት ሰሪሐዮም እየ (jag har gjort aktiviteten)” ንዝብል ብምንካእ ኣብቲ ዝወድእሉ ዕለት ይምልኡ፦

  • ንትምህርቲ ምምልካት
  • ንትምህርቲ ምቕባል
  • ንትምህርቲ ምስምዕማዕ።

ንትምህርቲ እንተዘይኣመልኪቶም እንታይ ይኸውን?

ኣብ ናይ ተግባር ትልሞም ብዘሎ ንጥፈት መሰረት ንስልጠና እንተዘይኣመሊቶም ወይከዓ ብጣዕሚ ዘንጊዖም እንተኣመልኪቶም ካብ ደገፍ ንጥፈት፣ ደገፍ ዕብየት፣ ወይከዓ ሓገዝ መትከል እግሪ መጠንቀቕታ ወይከዓ ቅነሳ ክግበሮም ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ካብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) ዝተሓተ ካሕሳ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ናብ ትምህርቲ ተቐባልነት ረኺቦም ኮይኑ ግና እንተዘይተቐቢሎም ካብ ካሕሳ ቅነሳ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ከይዲ ኣብ ዘለዉ ትምህርትታት ዝግበር ካሕሳ

ትምህርቲ እንተጀሚሮም፣ ኣብ ዝመሃርሉ እዋን ብመልክዕ ናይ ደገፍ ንጥፈት፣ ደገፍ ዕብየት፣ ወይከዓ ሓገዝ መትከል እግሪ ካሕሳ ምቕባል ይከኣል ይኸውን እዩ። ንሕና ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሮም ዝከኣል እንተኾይኑ ክንግምግም ኣለና።

 

ግድነታዊ ትምህርቲ – ኣብ መደብ እግሪ ምትካል ሕፅረት ትምህርቲ ንዘለዎም

ሕፅረት ትምህርቲ እንተዘይሃልዩዎምን ኣብ መደብ እግሪ ምትካል (etableringsprogrammet) ዝሳተፉ እንተኾይኖምን ኣብ ግድነታዊ ትምህርቲ ክጠለሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ማለት ናይ ስራሕ ዕድሎም ንምስፋሕ ክስልጥኑ ኣለዎም፣ ከምኡ እውን ኣብ ኮምቩክስን (komvux) ፎልክ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲን (folkhögskola) ንትምህርቲ ከመልክቱ ኣለዎም ማለት እዩ።

 

ትምህርቲ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ክውስኽ ይኽእል እዩ። ትምህርቲ እንተዘይሃልዩዎም ንነዊሕ እዋን ካብ ስራሕ ወፃኢ ናይ ምዃን ዕድሎም ልዑል እዩ። ብዙሓት ወሃብቲ ስራሕ ሰራሕተኛታት ይደልዩ፣ ኮይኑ ግና ትኽክለኛ ስልጠና ዘለዎም ሰባት ምርካብ ይኸብዶም። ነቶም ዘለዉ ስራሕቲ ንምርካብ ትምህርቲ ከድልዮም ይኸውን እዩ። ምናልባት ትምህርቲ ሃልዩዎም ኮይኑ ግና ዕድላት ስራሕ ንምውሳኽ ሞያ ክቕይሩ ኣለዎም።

ኣብ ግድነታዊ ትምህርቲ እንተተጠቕሊሎም፣ ነዞም ዝስዕቡ ክመሃሩ ኣለዎም፦

  • ሽወደንኛ ንስደተኛታት (SFI)
  • ማሕበራዊ ተኮር ትምህርትን
  • መሰረታዊ ወይከዓ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ኣብ ኮምቩክስ ወይከዓ ጀነራል ኮርስ ኣብ ፎልክ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ። ክመሃርዎም ካብ ዝኽእሉ ንኣብነት ናይ ሞያ ስልጠና፣ ሒሳብ ወይከዓ ኮምፒዩተርን ኢንተርኔትን ከመይ ምጥቃም ከም ዝኽእሉ ፍልጠት ዝህብ ኮርስ እዮም።

ግድነታዊ ትምህርቲ ንዖኦም በዞም ዝስዕቡ ይምልከት

  • ኣብ መደብ እግሪ ምትካል ንዝሳተፉ።
  • ሓፂር ትምህርታዊ ድሕረባይታ ንዘለዎም።
  • ስራሕ ንክረኽቡ ኣብ እዋን መደብ እግሪ ምትካል ዓርሶም ምምሃር ንዘድልዮም።

ሓፂር ትምህርታዊ ድሕረባይታ ማለት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣይወድኡን ማለት እዩ። ንኣብነት ኣብ ሃገሮም ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጀሚሮም ኮይኑ ግና ዘይወድኡ ክኸውን ይኽእል እዩ። ወይከዓ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጥራሕ እንተድኣተማሂሮም ወይ ጠቕሊሎም እንተዘይተማሂሮም።

ግድነታዊ ንጥፈት ትምህርቲ ንምድላይ

ግድነታዊ ትምህርቲ ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ኣብ ናይ ተግባር ትልሞም ንጥፈት ክረኽቡ እዮም። ናብ ናተይ ገፃት (Mina sidor) እንትኣትዉ ነቲ ናይ ተግባር ትልሞም ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ንጥፈት ግድነታዊ እዩ ከምዚ ተባሂሉ ይፅዋዕ፦

  • ንትምህርቲ ናብ ከተማ ምምሕዳር ወይከዓ ፎልክ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ የመልክቱ

እቲ ንጥፈት እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ይገልፅ። ንመሰረታዊ ወይከዓ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ኣብ ኮምቩክስ ወይከዓ ኣብ ፎልክ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንጀነራል ኮርስ ከመልክቱ ኣለዎም። ቅድሚ ኣብቲ ንጥፈት ዝተጠቐሰ ዕለት ናብቲ ስልጠና ከመልክቱ ኣለዎም።

ኣብ ናይ ስልጠና ኮርስ ቦታ እንተረኺቦም ክቕበሉዎ ኣለዎም ከምኡ እውን ነቶም ትምህርትታት ዝጅምርሉ ዕለት ሽዑ ንሽዑ ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ከፍልጡ ኣለዎም። እዚ እውን ንሕና ትምህርቲ ናቶም ንጥፈት ይኸውን ኢልና ውሳነ ንኽንህብ፣ ነዚ ብቐጥታ ምፍላጦም ኣገዳሲ እዩ።

ሓበሬታ ንጥፈት

ከመይ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ንኽንፈልጥ በቢወርሑ ናይ ሓበሬታ ንጥፈታቶም (aktivitetsrapport) ክመልኡ ኣለዎም። ንስልጠና ንከመልክቱ እንትእንገዱ ክምልስዎም ዘለዎም ሰለስተ ተግባራት ኣብ ሓበሬታ ንጥፈቶም ክቕበሉ እዮም። “ነቶም ንጥፈታት ሰሪሐዮም እየ (jag har gjort aktiviteten)” ንዝብል ብምንካእ ኣብቲ ዝወድእሉ ዕለት ይምልኡ፦

  • ንትምህርቲ ምምልካት
  • ንትምህርቲ ምቕባል
  • ንትምህርቲ ምስምዕማዕ።

ንትምህርቲ እንተዘይኣመልኪተ እንታይ ይኸውን?

ንትምህርቲ ኣብ ኮምቩክስ ወይከዓ ኣብ ፎልክ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንጀነራል ኮርስ እንተዘይኣመልኪቶም ወይከዓ ብጣዕሚ ዘንጊዖም እንተኣመልኪቶም ካብ ሓገዝ መትከል እግሪ (etableringsersättning) መጠንቀቕታ ወይከዓ ቅነሳ ክግበሮም ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ካብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) ዝተሓተ ካሕሳ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ናብ ትምህርቲ ተቐባልነት ረኺቦም ኮይኑ ግና እንተዘይተቐቢሎም እውን ካብ ሓገዝ መትከል እግሪ ቅነሳ ክግበሮም ይኽእል እዩ።

ኣብ መደብ እግሪ ምትካል እንትሳተፉ ካሕሳ

ይርከቡና

እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ርግፀኛ እንተዘይኮይኖም ብቑፅሪ ስልኪ 0771-416 416 ይደውሉልና።

ኣብ መደብ እግሪ ምትካል እንተተሳቲፎምን ካብ ሽወደንኛ ወፃኢ ብኻልእ ቋንቋ ሓበሬታ እንተደልዮምን ብቁፅሪ ስልኪ 0771-860 100