ኣብ ሓደ መደብ ወይ ፕሮግራም ምስ ትሳተፍ

ምሳና ኣብ ቤ/ጽ ዕዮ(ኣርቤትስ ፈርሜድሊን) ምስ ትምዝገብ ዝተፈላለዩ ደገፋት ክወሃቡኻ ይኽእሉ እዮም።ገሊኦም እዞም ደገፋት ፕሮግራም(መደብ) ኢልና ንጽወዖም።ኣብ ሓደ ፕሮግራም ምስ ትሳተፍ፡ንጥፈታዊ ክፍሊት፡ዕብየታዊ ክፍሊት ወይ ክፍሊት መትከሊ-እግሪ ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ኣየናይ ክፍሊት ከም ዝወሃበካ ዝውስን እቲ ትሳተፎ ፕሮግራምን ዕድሜኻን እዩ።ኣብ ሓንቲኣን ካብ’ዘን ፕሮግራማት ምስ ትሳተፍ ከመይ ከም ዝመስል ኣብ’ዚ ጽሑፍ ክንሕብረካ ኢና።

ንሓንቲ ፕሮግራም ዝምልከት ውሳነ ምስ ዝወሃበካ

ግምገማ ድሕሪ ምክያድ፡ደገፍ ንኽግበረልካ መሰል ዘለካን ዘይብልካን ዝውስን ቤ/ጽ ዕዮ እዩ።ቤ/ጽ ዕዮ ኣብ ሓንቲ ፕሮግራም ክትሳተፍ ውሳነ ምስ ዘመሓላልፍ፡ካብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ውሕስነት(ፈርሸክሪን ካሳን) ንጥፈታዊ ክፍሊት፡ዕብየታዊ ክፍሊት ወይ ክፍሊት መትከሊ-እግሪ ክወሃበካ ተመልክት።

ንጥፈታዊ ክፍሊትን ዕብየታዊ ክፍሊትን

ክፍሊት መትከሊ-እግሪ(ኣብ መደብ መትከሊ-እግሪ ምስ ትሳተፍ)

ነቲ ናይ መደብ መተካእታ ገንዘብካ ኩነት

ኣብ ሓደ መደብ ክትሳተፍ ከሎኻ እሞ ናይ ንጥፈታት ደግፍ፣ ናይ ምዕባለ መተካእታ ገንዘብ ወይ ናይ መትከል-እግሪ መተካእታ ገንዘብ እንድሕሪ ዝዉሃበካ ኮይኑ ነቲ ኩነት ከተማልኡ ኣገዳሲ እዩ፡ እንድሕሪ ድኣ ብኣገባብ ኣይተመላለስካን ኢልና ገምጊምናዮ መጠንቅቕታ ክዉሃብካ ይኽእል ወይ ንሓደ ወይ ብዙሕ መዓልታት ብዘይ መተካእታ ትተርፍ።

ነቲ ናይ መደብ መተካእታ ገንዘብካ ኩነት

ምስ ትሓምም ብኲሪትካ ሓብር

ኣብ ሓደ ፕሮግራም(መደብ) ክትሳተፍ ከለኻ እንተ ሓሚምካ፡ምእንትን ኣብ’ተን ዝሓመምካየን መዓልትታት ክፍሊት ክወሃበካ፡ኣብ’ታ ቀዳመይቲ ዝሓመምካላ መዓልቲ ሕማምካ ክትሕብረና ኣለካ።

ምስ ትሓምም ብኲሪትካ ሓብር

ቈልዓ ምስ ዝሓመኪ ብኲሪትኪ ሓብሪ (VAB)

ዝሓመመ ቈልዓ ንምእላይ ኣብ’ቲ ምዱብ ንጥፈታትኪ ክትሳተፊ ምስ ዘይትኽእሊ፡ክትሕብርና ኣለኪ።

ቈልዓ ምስ ዝሓመኪ ብኲሪትኪ ሓብሪ (VAB)

ጸብጻብ ንጥፈት ሃብ

ወርሒ ወርሒ ንጥፈታዊ ጸብጻብካ ክትህበና ኣለካ።ናብ ስራሕን ትምህርትን ዘምርሕ ቁኑዕ ሓገዝ ንኽትረክብን እቲ ካብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ውሕስነት (ፈርሸክሪን ካሳን) ዝወሃብ ክፍሊት ንኽወሃበካ፡ወርሓዊ ጸብጻብ ምሃብ ኣገዳሲ’ዩ።ወርሓዊ ጸብጻብ እንተ ቐልጠፍካ ዕለት 1 እንተ ደንጐኻ ድማ ዕለት 14 ከተረክቦ ኣለካ።

ጸብጻብ ንጥፈት ሃብ

ክፍሊት ንወጻኢታት መጐዓዝያ

ኣብ ርሕቕ ዝበለ ካልእ ቦታ ናይ ስራሕ ቃለ-መጠይቕ ንምግባር ምስ ትኸይድ ወይ እቲ ትሳተፎ ፕሮግራም (መደብ) ካብ ቤትካ ናብ’ቲ ቦታ መዓልቲ መዓልቲ በቲ ንቡር ክትጐዓዝ ምስ ዘይትኽእል፡ንመጓዓዝያን ንመንበሪ-ቦታን ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብ ክግበረልካ ከተመልክት ይፍቀደልካ እዩ።

ቃለ-መጠይቕ ስራሕ ንምግባር ወይ ኣብ ፕሮግራም ንምስታፍን ዝኸውን ሓገዝ ወጻኢታት መጐዓዝያ

መድህንን ካሕሳ ጒድኣትን

ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ፡ኣብ ገሊኡ ኲነታት ብናይ ካማር ኮሌግየትን ብናይ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ጥሮታ ቦርድን ኣቢሉ ናይ መድሕን ሰብኣዊ ጒድኣትን ናይ መድሕን-ሕይወት ጒጅለን ሸፈነ ክህልወካ ይኽእል እዩ።ኣብ’ቲ ናትካ ትካል ንምኽፋት ዝወሃብ ደገፍ ምስ ትሳተፍ ግን እዚ መድህን እዚ ኣየገልግልን እዩ።ጠንቂ ናይ’ቲ ዝወረደ ጒድኣት ንስኻ ምስ ትኸውን፡እቲ ንጥፈት ዝህበካ ትካል ብሰንኪ እቲ ዝወረደ ጒድኣት ካሕሳ ንኽንከፍሎ ከመልክት ይኽእል እዩ።

ኣብ ሓደ ፕሮግራም(መደብ) ኣብ ትሳተፈሉ እዋን ዘሎ መድህንን ካሕሳ ጒድኣትን

ሚና ሲዱር Mina sidor

መደብ ወይ ፕሮግራም ብዝምልከት ውሳነ እንተ ሂብናካ ኣብ ሚና ሲዱር(Mina sidor) ኣቲኻ ክትርእዮ ትኽእል።

ሚና-ሲዱር

ምሳኻ ዝኸይድ ካልእ ደገፍ ኣሎ’ዶ?

ቤ/ጽ ዕዮ፡ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ክብ ንኽብል ደገፍ ገምጋም ናይ ኣድላይነት ደገፍ የካይድ።እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዝወሃበካ ዝውስን ህሉው ኲነታትካ እዩ።ኲሎም እቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም ደገፋት ኣብ ትሕቲ Stöd A-Ö ተመልኪቶም ኣለዉ።

ደገፋት (Stöd A-Ö)