ደገፍ ንጥፈትን ክፍሊት ምዕባለን

ደላይ ስራሕ ከለኻን ኣብ ገለ ካብቶም ፕሮግራማትና ኣብ ትሳተፈሉ ዘሎኻሉ እዋንን፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክፍሊት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ትወሃቦ ክፍሊት ደገፍ ንጥፈት ወይ ክፍሊት ምዕባለ ይብሃል።

ክፍሊት ክረክብ ከመይ ክገብር ኣለኒ?

ኣብ ገለ ካብ’ቶም መደባትና ምስ ትምዝገብ፡ካብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳን) ክፍሊት ንኽወሃበካ ከተመልክት ኣለካ።እቲ ተመልክቶ ናይ’ታ ዝነጠፍካላ ዝሓለፈት ወርሒ እዩ።ከምኡ እንዳ ገበርካ ድማ ወርሒ ወርሒ ትቕጽሎ።እቲ ዝቐለለ ኣብ መካነ-መርበብ(ዌብሳይት) ናይ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳን) ምስ ተመልክት እዩ።ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን እቲ ክፍሊት መዓስ ከም ዝወርደልካን ኣብኡ ኣብ’ቲ መካነ-መርበብ ከተንብቦ ትኽእል።

ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንኽፍሊት ኣመልክት (forsakringskassan.se)

ነቲ ናይ ገንዘበይ መተካእታ ክዕቅብ እንታይ ከማልእ ኣሎኒ?

ብዘይ እቲ ዝዉሃበካ መተካእታ ገንዘብ ምእንቲ ከይትተርፍ ነቲ ትገብሮ ናይ ስራሕ ምንዳይ ክትኣልዮ ኣገዳሲ እዩ ከምኡ ዉን ነቲ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ግዜኻ ምእንቲ ከይናዋሕ ንዝዉሃበካ ኹሉ ናይ ስራሕ ዕድል ሕራይ ኢልካ ምቕባል፡ እዚ ማለት ንምሳሌ እቲ ምስና ዘሎካ መደብ ምክትታልን ከምኡ ኽኣ ኣብ ኣኼባን ኣብ ካልእ ዝተሰማማዕናሉ ንጥፈታትን ምስታፍን፡ እንድሕሪ ድኣ ካብቶም ናትና ኣቕረብቲ ደገፍ ትረክብ ኴንካ እቲ ትገብርዎ መደብ ክትከታተል ኣሎካ።

ኣብ ናይ ተግባር ትልሞም እንድሕር ዘይሃልዩ ጥራሕ እንበር ንቑሕ ምዃንን ስራሕ ክእልሹን ኣለዎም። ከምኡ እውን በቢወርሑ ካብ 1ይ ክሳብ መበል 14 ኣብ ዘለዉ መዓልትታት ሓበሬታ ንጥፈት (aktivitetsrapport) ከቕርቡ ኣለዎም።

እቲ ኩነት ኩሉ ማለት እንድሕሪ ድኣ ናይ ምንዳይ ስራሕካ ብሕማቕ ኣገባብ ሒዝካዮ ወይ ናይ ስራሕ ኣልቦነትካል ግዜ እንድሕሪ ኣናዊሕካዮ ነቲ ናይ መተካእታ ገንዘብካ ጽልዋ ክገብረሉ ከም ዝኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ እ+ዩ።

ነቲ ናይ መደብ መተካእታ ገንዘብካ ኩነት

እንድሕሪ ሓሚምካ ወይ ዝሓመመ ቆልዓ እንድሕሪ ክትኣሊ ኾንካ ኣብቲ መደብ ክትካፈል ከም ዘይትኽእል ንዓና ምሕባር ከድልየካ እዩ፡ እንድሕሪ ድኣ ከተዕርፍ ደሊኻ ኣቐዲምካ ካባና ተቐባልነት ክትረክብ ኣሎካ።

እንድሕሪ ሓሚምካ

እንድሕሪ ዝሕመመ ቆልዓ ትኣሊ ኣሎኻ

ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ እዩ ዝወሃበኒ?

ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ፡እንተ በዝሐ ንሓሙሽተ መዓልትታት ኣብ ሰሙን ብሕሳብ ውሱን ክፍሊት ንመዓልቲ ይስለዓልካ።ስለ’ዚ ናይ’ተን ኣብ’ቲ ፕሮግራም ኮይንካ ትሳተፈን ነፍሲ-ወከፍ መዓልትታት ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።

እቲ ንመዓልቲ ዝዉሃበካ መተካእታ ገንዘብካ ኣብዚ ዝስዕብ ዝተመርኮሰ እዩ፡ ዕድሜኻ ክንደይ ምዃኑ፣ እቲ ካብ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ካሳ (a-kassa) ናይ ስራሕ ኣልቦነት ዝዉሃብ መተካእታ ገንዘብ (arbetslöshetsersättning) ንኽትረክብ ኩነት ተማልእ ወይ ዘይተማልእ እንተ ኾንካ፡ እንድሕሪ ድኣ ካብ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ካሳ መትካእታ ገንዘብ እዋን ኣሎካ ኣብቲ እዋን ክመጸካ ዝነበሮ ናይ ንጥፈታት መተካእታ ገንዘብ ካብቲ እዋን እቲ ይጎድል።

ኣብቲ ናይ ዉሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) መርበብ ኢንተርነት ክንደይ ገንዘብ ከም ትረክብ ክትሪኦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ እንተኾይንካ (መካነ-መርበብ ናይ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን) (forsakringskassan.se)

ሕቶታትን መልስን

እቲ ገንዘብ ምዓስ እዩ ዝኽፈል?

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ኣብ ዕለት 26 ናይ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ነቲ ገንዘብ ይኸፍልዎ። ገንዘብካ ኣብ ዕለት 26 ክመጸካ ንኽኽእል፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ናይ ግድን እንተ ደንጎየ እቲ ምልክታኻ ኣብ ዕለት 7 ናይ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ክበጽሖም ኣለዎ።

ድሕሪ ዕለት 7 እንተ ኣመልኪትካ፡ እቲ ክፍሊትካ እንተ ቐልጠፈ ዕለት 26 ኣብታ ድሒራ ትመጽእ ወርሒ ይኽፈለካ። ቅድሚ እታ ወርሒ ምውድኣ እንተ ዘይኣመልኪትካ፡ ናይታ ዝሓለፈት ወርሒ ክፍሊት ብምልኡ ክትከስሮ ተኽእሎ ኣሎ።

እንተ ሓሚመ እንታይ የጋጥም?

ምስ ትሓምም፡ኣብ’ታ ዝሓመምካላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ከም ዝሓመምካ ክትሕብር ኣገዳሲ’ዩ።ከም ዝሓመምካ እንተ ዘይሓበርካ፡ናይ’ተን ዝሓመምካየን መዓልትታት ክፍሊት ክኽለኣካ ይኽእል እዩ።

እንተ ሓሚምካ

ውላደይ እንተ ሓሚሙ እንታይ የጋጥም?

ንዝሓመመ ውላድካ ክትኣሊ ኣብ ገዛ ምጽናሕ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ፡ ኣብታ መጀመርታ መዓልቲ ምሳና ርክብ ክትገብር ኣገዳሲ እዩ።

ዝሓመመ ቈልዓ ትኣሊ እንተ ኣለኻ ዄንካ

ዕረፍቲ ክወስድ እንተ ደልየ ከመይ እገብር?

ዕረፍቲ ክትወስድ ምስ ትደሊ፡ቅድም ቀዳድም ንሕና ከነፍቅደልካ ኣለና።ነቲ ምውሳድ ዕረፍቲ ዝውስነልካ እቲ ንጥፈት ዝህበካ ትካል ዘይኮነ፡ቤ/ጽ ዕዮ(ኣርቤትስ ፈርሜድሊን) እዩ።

ኣብ ሓደ ፕሮግራም እንዳ ተሳተፍኩን ክፍሊት እንዳ ተኸፈለንን ማዕረ ማዕሪኡ ክሰርሕ ይኽእል ድየ?

እወ፡ ኣብ ሓደ ፕሮግራም እንዳ ተሳተፍካ ክትስርሕ ትኽእል ኢኻ። ግን በቲ ትረኽቦ ደሞዝ መጠን ናትካ ናይ መትከል እግሪ ክፍሊት ይንኪ እዩ። ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት እዮም ነቲ ሕሳብ ዝገብርዎ።

ክፍሊት እንዳ ተኸፍለኒ ማዕረ ማዕሪኡ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ክረክብ ይኽእል’ዶ?

እወ፡ኣብ ሓደ ፕሮግራም እንዳተሳተፍካ ከለኻ ንወላዲ ዝኽፈሎ ክፍሊት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ግን ማዕረ እቲ ከም ወላዲ ዝኽፈለካ ክፍሊት መጠን፡ክንድኡ ድማ እቲ ኣብ መደብ(ፕሮግራም) ብምስታፍካ ዝወሃበካ ክፍሊት ይቕንስ።ነዚ ኣቀናንሳ ክንደይ ምዃኑ ዝቕምሮ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን (ፈርሸክሪን ካሳን)እዩ።

ኣብ ሓደ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ እንተኾይንካ(መካነ-መርበብ ናይ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን) (forsakringskassan.se)

ንዓኻ ኣብ ፕሮግራም መትከል እግሪ ትሳተፍ

ኣብ ሓደ ናይ መትከል እግሪ ፕሮግራም ትሳተፍ እንተ ዄንካ፡ ክፍሊት መትከል እግሪን ከምኡ’ውን ምናልባት ክፍሊት ክራይ ገዛን ተወሳኺ ክፍሊት መትከል እግሪን ክትክፈል ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ኣየናይ ክፍሊት ንኽኽፈለካ መሰል ከም ዘሎካ ኣንብብ።

ክፍሊት መትከል እግሪ