ኣብ ሓደ ፕሮግራም(መደብ) ኣብ ትሳተፈሉ እዋን ዘሎ መድህንን ካሕሳ ጒድኣትን

ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ፡ኣብ ገሊኡ ኲነታት ብናይ ካማር ኮሌግየትን ብናይ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ጥሮታ ቦርድን ኣቢሉ ናይ መድሕን ሰብኣዊ ጒድኣትን ናይ መድሕን-ሕይወት ጒጅለን ሸፈነ ክህልወካ ይኽእል እዩ።ኣብ’ቲ ናትካ ትካል ንምኽፋት ዝወሃብ ደገፍ ምስ ትሳተፍ ግን እዚ መድህን እዚ ኣየገልግልን እዩ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ጒድኣት ምስ ተውርድ፡እቲ ንጥፈት ዝህበካ ትካል ብሰንኪ እቲ ዝወረደ ጒድኣት ካሕሳ ንኽንከፍሎ ከመልክት ይኽእል እዩ።

መድህንን ሰብኣዊ ጒድኣትን

ቤት ምኽሪ ንግዲ (Kammarkollegiet) ብቅድመ ኩነት ”ስምምዕ ካሕሳ ኣብ ጉዳይ ዉልቃዊ ጉድኣት” መተካእታ ገንዘብ ይዉስን (PSA) እቲ መድሕን ዝምልከት ኣብ ምስ ፍልይ ዝበለ ሓደጋ መጉዳእቲ ዝተኣሳሰረ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ፖሊሲ መደብ ምስ ትካፈል እዩ፡ ብዛዕባ ኣብ ናይ መራኸብቲ ስራሕ መደብ ክትካፈል ከሎኻ ዝምልከት ናይ ዉልቃዊ ጉድኣት መድሕን ብተወሳኺ ክትፈልጥ እንድሕሪ ደሊኻ ኣብ ናይቤት ምኽሪ መርበብ ኢንተርነት ኣቲኻ ርአ።

ቤት ምኽሪ መርበብ ኢንተርነት (kammarkollegiet.se)

ጒድኣት ብኸምዚ ዝስዕብ ገይርካ ተመልክት:

  • ነታ ኣብ መካነ-መርበብ ናይ ካማርኮሌግየም (kammarkollegiet.se) ዘላ ”Person i arbetsmarknadspolitiska åtgärder” ትብል ቅጥዒ ምልኣያ።
  • ነቲ ኣብ’ታ ቅጥዒ ተሪፉ ዘሎ ቤ/ጽ ዕዮ ክመልኦ ዘለዎ ንቤ/ጽ ክመልኦ ሕተቶ።
  • ንስኻን እቲ ንጥፈት ዝህብ ትካልን ነታ ቅጥዒ ክታምኩም ኣንብሩላ።
  • ናይ’ቶም ብሰንኪ እቲ ዝወረደካ ጒድኣት ዘውጻኻዮም ወጻኢታት ፋቱራን መግለጽን ምስ’ታ ቅጥዒ ኣሰኒኻ ለኣኮም።
  • ነዛ ዝተመልአት ቅጥዒ ምስ’ቲ ፋቱራ የሕቢርካ ናብ ካማርኮሌግየት ለኣኮ።

እቲ ንጥፈት ዝህብ ትካላ ነቲ ዝወረደ ናይ ስራሕ ጒድኣት ብመሰረት እቶም ኣብ ሕጊ ሃዋሁ ስራሕን መምርሕታት ናይ ቤ/ጽ ሃዋሁ ስራሕን ዘለዉ ድንጋገታት ናብ ቤ/ጽ ሃዋሁ ስራሕ ከመልክት ኣለዎ።

መድህን-ሕይወት ጒጅለን

መድህን-ሕይወት ጒጅለ ክሕተ ዝጅመር ሞት ምስ ዝወርደካ እዩ።

ቤ/ጽ ዕዮ ኣብ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ፡መድህን-ሕይወት ጒጅለ ስለ ዝምልከተካ፡ተወሳኺ ብዛዕባ እዞም መድህን-ሕይወት ክትፈልጥ ምስ ትደሊ ኣብ መካነ-መርበብ ናይ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ጥሮታ ቦርድ (spv.se) ኣቲኻ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ካሕሳ ጒድኣት

ጠንቂ ናይ’ቲ ዝወረደ ጒድኣት ንስኻ ምስ ትኸውን፡እቲ ንጥፈት ዝህበካ ትካል ካሕሳ ጒድኣት ንኽንከፍሎ ናብ ቤ/ጽ ዕዮ ከመልክት ይኽእል።ነቲ ንጥፈት ዘዳሉ ትካል ዝሃቦ ጸብጻብ ኲነት፡ትኽክል ኣይኮነን ምስ ትብል፡ናትካ ጸብጻብ ንቤ/ጽ ዕዮ ክትህቦ ትኽእል ኢኻ።