ብኣካላዊ ጉድኣት፣ ብናይ ኣእምራዊ ወይ ቀልባዊ ተግባራዊ-ክእለት ዝጎደሎም ወይ ጥዕና ንዘይብሎም ስራሕ ዘናድዩ ሓገዝ

ኣካላዊ ጉድኣት፣ ጉድለት ናይ ኣእምራዊ ወይ ቀልባዊ ተግባራዊ-ክእለት፣ ብሓኪም ዝተረጋገጸ ቀዋሚ ሕማም ወይ ካልእ ዝኾነ ጸገማት ኣሎካ? ስራሕ ከተናዲ ከሎኻ፣ ንናይ ስራሕ ህይወት ትዳሎ እንተ’ሎኻ ወይ ኣብ ስራሕ እንተ’ሎኻ ካባና ደግፍ ክትረክብ መሰል ኣሎካ።

እቲ ደገፍ ንመን ይምልከቶ?

ኣብዚ ታሕቲ እቲ መብዛሕቱ ግዜ ናብቲ ናህና ደገፍ ዘምርሕ ጸገማትን ኣካለ-ስንክልናን ነርኢ፡ እዚኣቶም እንድ’ሕሪ ኣለዉኻ ማለት ስራሕ ከተናዲ ከሎኻ ጽልዋ ዝገብሩልካ ጸገማት፣ ንናይ ስራሕ ዓለም ክትዳሎ ከሎኻ ወይ ክትሰርሕ ከሎኻ ዝጽግመካ እንተ ኾይኑ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል።

ልብወታዊ (kognitiva) ጸገማት

ክትምሃር፣ ከተተኩር፣ ዝጀመርካዮ ከይወዳእካዮ ምግዳፍን ናይ ምዝካርን ጸገም ክህልወካ ይኽእል፡ ናይ’ዚ ጠንቂ ADHD ወይ ኣዉቲዝም ክኸዉን ይኽእል።

ናይ ቋንቋ ጸገም 

ንምሳሌ ከተንብብን ክትጽሕፍን ጸገም ኣሎካ፡ ናይ’ዚ ጠንቂ ዲስለክሲ (dyslexi) ናይ ምንባብ ጸገም ወይ ኣፋሲ (afasi) ብድሕሪ ናይ ሓንጎል መጉዳእቲ ዘምጽእ ናይ ምዝራብ ጸገም ክኸዉም ይኽእል።

ኣእምራዊ ሕማም 

ምናልባት ጭንቀት፣ ሻቕላ፣ ስትረስ፣ ድኻም፣ ቅዛነት፣ ናይ ምድቃስ ጸገም ወይ ናይ ማሕበራዊ ፍርሒ ይስምዓካ ይኸዉን።

ናይ ጥዕናኻ ጸገም 

ንምሳሌ ኣብ ኣካላትካ ብዙሕ ቃንዛ፣ ከቢድ ኣለርጂ ወይ ናይ ልቢ ጸገማት ኣሎካ።

ንኽትንቀሳቐስ ዘሎካ ክእለት ዉሱን እዩ 

ኮፍ ወይ ደው ክትብል ክትከይድ ወይ ኣእዳዉካን ኣእጋራን ክትጥቀመሎም ጸገማት ኣሎካ።

ምርኣይ

ንምሳሌ ከቢድ ናይ ምርኣይ ጸገም ኣሎካ ወይ ዓይነ ስዉር ኢኻ፡ ንሰብ ብርሑቕ ናይ ምልላይ ጸገም ወይ ናይ ምጽሓፍ ጸገም ኣሎካ።

ምስማዕ 

ንምሳሌ ናይ ምስማዕ ጸገም ኣሎካ ወይ ኩሉ ኹሉ ኣይትሰምዕን (ጸማም) ትኸዉን፡ ንዘረባ ወይ ኣብ ረብሻ ክትሰምዕ ይጽግመካ ይኸዉን።

ናይ ኣካል ናይ ስነ-ኣእምሮ ጉድለት

ብምኽንያት ናይ ኣልኮላዊ መስተ፣ ዕጸ-ፋርስ፣ መድሃኒት ወይ ብሰልዲ ቁማር ምጽዋት ብዘይ ኣገባብ ምጥቃም ወይ ወልፍታት ስለ ዘሎካ እዚ ስራሕ ክትዕቅብ ዘሎካ ክእለት ጽልዋ ክገብረሉ ይኽእል።

ዘክር!

እቲ ጸገምካ ኣብዚ ዝርዝር ዉን እንተ’ዘይ ተገለጸ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

መራኸብቲ ስራሕ እንታይ ደገፋት ይህቡ?

ደገፍና ንኣካለ-ስንክልና፣ ብሓኪም ዝተረጋገጸ ቀዋሚ ሕማም፣ ሕማም ወይ ካልእ ዝኾነ ጸገማት ዘሎካ ንኸነቃልለልካ እዩ፡ ኣብዚ ታሕቲ እቶም ንህቦም ልሙዳት ደገፋት ነርኢ፡ ንምሳሌ፡

  • ንዓኻን ነቲ ናትካ ብቕዓትን ዝሰማማዕ ስራሕ ንደልየልካ።
  • ንኽትሰርሕ ዝሕግዘካ ናዉቲ ወይ ምምዕራይ ዘድሊ እንተ’ሎ ንምርምር።
  • ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ናይ ስራሕ ምዕላም።
  • ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ናይ ስራሕ ምልምማድ።
  • ምስ እዞም ዝስዕቡ ፍለይ ዝበለ ክእለታት ዘለዎም ሓካይም ከም ናይ ስራሕ ኣካላዊ ሓኪም (physiotherapist)፣ ናይ ኣካላዊ ሓኪም፣ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓኪም፣ ናይ ማሕበረ-ሰብ ሰራሕተኛ፣ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ኣማኻሪ፣ ናይ ምራኣይ ፍሉይ ክኢላ ወይ ናይ ምስማዕ ክኢላ ተራኸብ።

  • ስራሕ ንምንዳይ ተወሳኺ ሓገዝ፡ ንምሳሌ ሓገዝ ንመመልከቲ ስራሕ ምጽሓፍ።
  • ሓደ ሰብ ስራሕ ክትረክብ ዝሕግዘካን ምስቲ ሓድሽ ዉሃብ ስራሕ ዝዛረበልካን።
  • ስራሕ እንዳ’ናደኻ ከሎኻ ብመራኸብቲ ስራሕ ናይ ስልጠና ትምህርቲ እንድሕሪ ዝዉሃበካ ኮይኑ ናይ ትምህርታዊ ደገፍ።
  • ኣብ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ዝህብዎ ንጥፈታት ወይ ትምህርቲ እንድሕሪ ድኣ ትካፈል ኮንካ ናይ ምልክት ቋንቋ ኣተርጓሚ።

  • ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዘፋልጠካን ዝድግፈካን ሰብ።
  • እቲ ስራሕ ንዓኻ ከም ዝምችኣካ ምግባር፡ ንምሳሌ እቲ ናይ ስራሕ መጠነ-ቅልጣፈን ዕማምን ንዓኻ ከም ዝምችእ ምግባር።
  • ነቲ ዉሃቢ ስራሕ ኣብ ስራሕካ ንስራሕካ ከቃልለልካ ዝኽእል ናይ ሓገዝ ናዉቲ ከቕርበልካ ኣበርክቶ ምግባር።

እታ መጀመርታ ስጉምቲ በዚ ዝስዕብ መንገዲ ዉሰዳ

ስራሕ ከተናዲ፣ ንስራሕ ክትዳሎ ከሎኻ ወይ ክትሰርሕ ከሎኻ ሓገዝ ንኽንህበካ እንታይ ዓይነት ጸገማት ወይ ኣካለ-ስንክልና ከም ዘሎካን ብኸመይ ከ ጽልዋ ከም ዝገብሩላካን ምፍላጥ ከድልየና እዩ፡ ብድሕሪኡ ብሓደ ኾይና ንኽትሰርሕ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘድልየካ ክነጽንዕ ኢና።

በዚ ዝስዕብ ትጅምር፡

  • ከም ደላይ ስራሕ ተመዝገብ
  • ብዛዕባ ዘሎካ ጸገማት ንገረና

ዘክር!

እንትደኣ ድሮ ተመዝጊብካ ኮንካ ተወከሰና

ኣይተመዝገብካን - ከምዚ ግበር 

1.

ብመርበብ ኢንተርነትና ተመዝገብ

2.

ደዊልና ናይ መደብ ዘተ ምእንቲ ክንገብር እቲ ንዓኻ ዝጥዕመካ ግዜ ትመርጽ።

3.

ኣብቲ ንገብሮ ናይ መደብ ዘተ እቲ ዘሎካ ጸገማት ክትነግረና ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ዘመድ ወይ ካልእ ሰብ ምሳኻ ከም ደገፍ ክህልዉካ ይክኣል እዩ።

4.

ንዕሙቕ ዝበለ ናይ መደብ ዘተ ክንገብር ክንጽዉዓካ ኢና። ድሓር እቲ መጽናዕቲ ደገፍ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተፈላለየ ኮይኑ ዝተፈላለየ ግዜ ኽኣ ይወስድ።

ንኽትምዝገብ ሓገዝ የድልየካ ድዩ?

ኣብቲ ናይ መንግስቲ ናይ ኣገልግሎት ማእከል (Statens servicecenter) ንኽትምዝገብ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ቆጸራ ምሓዝ ኣየድልየካን እዩ፡ ናብ ሓደ ቤት-ጽሕፈት ኬድካ ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ክትምዝገብ ከም ትደሊ ነጊርካ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ እንድሕሪ ናይ ኤለትሮኒክ መንነት መርኣይ ዘይበልካ መንነት ወርቐት ከም መዘወሪ መኪና ፍቓድ፣ ፓስፖርት ወይ መልለይ ወረቐት ካርድ ተማላእ።

እቲ ንዓኻ ዝቐርበካ ናይ ኣገልግሎት ቤት-ጽሕፈት ርኸብ (statenssc.se)

ዝያዳ ሓበሬታ ንዓኻን ንኣዝማድካን

ብዛዕባ እዛ ገጽ ንስድራኻን ንኻልኦት ኣብ ጥቓኻ ዘለዉ ኣገደስቲ ሰባትን ሓብር፡ ኣሰራርሓ ደገፍ መራኸብቲ ስራሕ ከመይ ከም ዝካየድ ዝፈልጡ ኣዝማድ ምህላው ጽቡቕ ነገር ክኸዉን ይኽእል እዩ።

እንድሕሪ ድኣ ዝያዳ ክትፈልጥ ደሊኻ ቪድዮ ክትርኢ፣ ፖድካስት (podcast) ክትሰምዕ ትኽእል ወይ ክኣ ናብ ዝርዝር ሓበሬታ ዘለዎም ካልኦት ገጻት ክትከይድ ትኽእል፡ ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ድጋፍ በዚ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ መላገቢ (link) ትረክብ።

ደገፍ ኣካለ ስንክልና ዘሎካ ወይ ጥዕና ዘይብልካ 

ከምዚ ጌርካ ትምዝገብ

ንናይ መደብ ዘተ ተዳሎ

ካብ ናይ ጥዕና ዉሕስነት (sjukförsäkringen) ገንዘብ እንድሕሪ ዝመጽካ ኾይኑ ወይ ዝመጸካ እንተ ነይሩ

ተወከሰና

እቲ ብዛዕባ ደገፍ ዘሎካ ሕቶትታት ንምልሰልካ ከምኡ ዉን ንቕድሚት ንኽትስጉም ንሕግዘካ፡ ንምሳሌ ከምዚ ዝስዕብ እንድሕሪ ደሊኻ ተወከሰና፡

  • ሕቶ ብዛዕባ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ደገፍ
  • በቲ መርበብ ኢንተርነትና ክትምዝገብ ሓገዝ እንድሕሪ ደሊኻ
  • ቅድሚ ምስና ምርኻብካ ክትፈልጦ ትደሊ ነገር
  • ሕቶ ብዛዕባ እቲ ዝዉሃበካ ደገፍ ምስ ተወድአ ብዛዕባ እቲ ዝተቖጸርካዮ ስራሕ እንታይ ከም ትገብር

ናይ ኤለትሮኒክ መልለይ መንነት ዘሎካ ሓገዝ ብዉልቂ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ኣብዚ ታሕቲ ክትዉከሰና ትኽእለሉ ዝተፈላለየ መንገደታት ኣሎ፡ ንዓኻ ብዝበለጸ ዝሰማምዐካ ምረጽ።

ምስና ብጽሑፍ ዘቲ (chatta)

ጉዳይካ መሪጽካ ሕቶታ ሕተትን ንመልሲ ድማ ተጸበ

ምስ ናይ ስራሕ መራኸቢ ብጽሑፍ ዘቲ (chatta)

ዝኽፈተሉ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ 8-16

ምስና ብጽሑፍ ዘቲ

ብተሌፎን ተወከሰና

ተመሊስና ክንድዉለልካ ወይ ኣብ ሪጋ ክትጽበ እንድሕሪ ደሊኻ ምረጽ

ምስ ናይ ስራሕ መራኸቢ ተዛረብ

ዝኽፈተሉ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ 8-16

0771-416 416

ናብ ናይ ኣገልግሎት ቤት-ጽሕፈት ምጻእ

ቆጸራ ምሓዝ ኣየድልን።

ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ናይ ኣገልግሎት ቤት-ጽሕፈት ድለ።

ናይ ዝኽፈተሉ ስዓታት ይፈላለ እዩ።