ካብ ናይ ጥዕና ዉሕስነት (sjukförsäkringen) ገንዘብ እንድሕሪ ዝመጽካ ኾይኑ ወይ ዝመጸካ እንተ ነይሩ ስራሕ ድለ

ድሕሪ ደጊም ንናይ ሕማም ደገፍ ገንዘብ (sjukpenning)፣ ናይ ሕማም መተካእታ ገንዘብ (sjukersättning) ወይ ናይ ንጥፈታት መተካእታ ገንዘብ (aktivitetsersättning) መሰል እንተ ዘይብልካ እሞ ስራሕ ከተናዲ እንድሕሪ መሪጽካ ካባና ካብ መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ዋላ`ውን መተካእታ ገንዘብ እንተለኳ ብማዕረ ስራሕ ከተናዲ ዕድል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ዉልቃዊ ኣኼባ

ናይ ስራሕ መራኸብትን ናይ ውሕስነት ካሳን (Försäkringskassan) ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ንኽትምለስ ጽቡቕ ቅድመ-ኩነት ክህቡኻ ይትሓባበሩ እዮም። ካብ ናይ ሕማም ትካል መተካእታ ይሃሉኻ ኣይሃሉኻ ብዝየገድስ ናብ መራኸቢ ስራሕ ንኽትመጽእ ቅቡል ኢኻ። ብድሓን ምጻእ። ናይ ዉሕስና ካሳ ንሕና መራኸብቲ ስራሕ ኣየናይን እንታይን ኣገልግሎት ከም ዝፈዉየላክ ምእንቲ ክንሕበረካ ምሳና ቆጸራ ክሕዙልካ እዮም። ኣብቲ ናይ ስራሕ ህይወትካ ባዕልኻ ዳግመ-ምምዕርራይ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ንኽቐለልካ ዉን ክንዝቲ ኢና::

ብዛዕባ እቲ ዳግመ-ምምዕራይ ዝግበር ኣኼባ ብቛንቋ ሽወደን እተርኢ ፊልም፣ (Försäkringskassan YouTube) (youtube.com)

ናይ ሕማም ደገፍ ገንዘብ እንዳ መጸካ ከሎ ስራሕ ምንዳይ ፣

ካብ 90 ክሳብ 180 መዓልታት እንድሕሪ ድኣ ኣብ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ዄንካ ናይ ዉሕስነት ካሳ እቲ ናይ ሕማም ደገፍ ገንዘብ እንዳ መጸካ ስራሕ ከተናዲ ትኽእል ኢኻ ዝብል ገምጋም ክወስዱ ይኽእሉ እዮም፡ እዚ እቲ ተቖጺርካሉ ዘሎኻ ስራሕ እንዳ ሃለዎካ ከሎ ዉን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ፡ ዉሕስነት ካሳ ስራሕ ኣብ ተናድየሉ ግዜ ወይ ሓድሽ ሞያ ንኸተጥሪ ሃሰስ ኣብ ትብለሉ ግዜ እቲ ናይ ሕማም ደገፍ ገንዘብ ይኸፍሉኻ።

ዉሕስነት ካሳ እንድሕሪ ስራሕ ከተናዲ ትኽእል ኢኻ ኢሎም ገምጊሞም ኣብቲ መራኸብቲ ስራሕ ከም ስራሕ ተናዲ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ፡ ኣብ መራኸብቲ ስራሕ arbetsformedlingen.se ኣብቲ ናይ ሓድሽ ስራሕ ምንዳይ ዝሕግዘካ ሓበሬታን ጠቓሚ ምኽርን ኣሎ።

ይኹን እምበር እቲ ዉሳኔ ዘድልዮ ካብ መራኸብቲ ስራሕ ዝዉሃብ ደገፋት ክትጥቀም ኣይትኽእልን ኢኻ : ምኽንያት ናይዚ ክኣ ምስ እቲ መተካእታ ገንዘብ ካብ ናይ ሕማም ዉሕስነት ዝመጸካ ገንዝብ ክጽምበር ስለ ዘይክኣል እዩ፡ ስለዚ እቲ ካብ ናይ ዉሕስነት ካሳ ዝመጸካ መተካእታ ገንዘብ ኣሉታዊ ጽልዋ ከይገብረልካ ምእንቲ ኩነታትካ ን መራኸብቲ ስራሕ ምሕባር ኣገዳሲ እዩ።

ካብ ዉሕስነት ካሳ ናይ ሕማም መተካእታ ገንዘብ እንዳ ተቐብልካ እሞ እንድሕሪ ድኣ ብገዛእ ርእስኻ ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ክትምዝገብ ደሊኻ ቅድም ንዉሕስነት ካሳ ኣብ መራኽብቲ ስራሕ ክትምዝገብ ከፍቕዱልካ ስለ ዘለዎም ኣቐዲምካ ንዕኦም ምዉካስ ከድልየካ እዩ፡ ብኸምዚ ኣገባብ እቲ ዝመጸካ መተካእታ ገንዘብ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣይክህልዎን እዩ።

ካብ ናይ ሕማም ዉሕስና ገንዘብ ዘይመጽካ እንተ ኾይኑ ስራሕ ምንዳይ

ካብ ናይ ጥዕና ዉሕስነት ድሕሪ ደጊም መትካእታ ዘይመጸካ ኾይኑ ማለት ናይ ሕማም ደገፍ ገንዘብ፣ ናይ ሕማም መተካእታ ገንዘብ ወይ ናይ ንጥፈታት መተካእታ ገንዘብ ናባና ናብ መራኸብቲ ስራሕ ብድሓን ምጻና፡ ስራሕ ክትደልይ ክትጅምርን ከምኡ ኽኣ መራኽብቲ ስራሕ እንታይ ከወፍዩልካ ከም ዝኽእሉ ሓበሬታ ክትረክብ ምስ ዉሕስነት ካሳን መራኽበቲ ስራሕን ኣኼባ ክትገብር ዕድል ኣሎ።

እንድሕሪ ዉሕስነት ካሳ ቆጸራ ክሕዙልካ ዘይደለኻ ካብታ መጀመርያ ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካላ መዓልቲ ባዕልኻ ናባና ናብ መራኸብቲ ስራሕ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ክትምዝገብ ከሎኻ

ነቲ መራኸብቲ ስራሕ ዝህብዎ ኣቕርቦ ንኽትካፈሎ ስራሕ ኣልቦ እንት ኾንካ ወይ ስራሕ ኣልቦ ንኽትከዉን ሓደጋ ማለት (ሪስክ) እንተደኣ ኣል`ዩ:: ስራሕ ከተናዲ ከሎኻ ከም ኩነታቱ ካባና ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ኣባና ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ኣብ ተመዝጊብካሉ ዘሎኻ እዋን እንድሕሪ መተካእታ ገንዝብ ተመልክት ኮንካ ወይ መተካእታ ገንዘብ እንድሕር ዝመጽካ ኮይኑ ስራሕ ነጢፍካ ክተናዲ ኣሎካ፡ እቲ ዝተሰማማዕናሉ ንድፊ ዉን ምክትታሉ ከድልየካ እዩ።

ኣብ እንዳ መራኽብቲ ስራሕ ምምዝጋብ እንድሕሪ ዘይደለኻ፣

ኣብ እንዳ መራኸብቲ ስራሕ ተመዝጊብካ ስራሕ እንድሕሪ ዘየናደኻ ነቲ ኣብ እቶቶካ መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ሕማም መተካእታ ገንዘብ (sjukpenninggrundande SGI) ጽልዋ ክገብረሉ ይኽእል እዩ፡ እዚ ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቲ ነቲ ካብ ናይ ዉሕስነት ካሳ ዝመጸካ መተካእታ ገንዘብ : ንምሳሌ እንድሕሪ ሓሚምካ ወይ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ መተካእታ ገንዘብ ክትሓትት እንድሕሪ ደሊኻ ኣብኡ ዝተሞርኮሰ ስለ ዝኾነ እዩ፡ ዉሕስነት ካሳ ብዛዕባ ኣብ እቶቶካ መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ሕማም መተካእታ ገንዘብ ሕቶ እንተ’ሎካ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ናይ ዉሕስና መርበብ ኢንተርነት ገጽ ትረክብ ኢኻ።

ናይ ሕማም ደገፍ ገንዘብ (forsakringskassan.se)

ናይ ሕማም መተካእታ ገንዘብ (forsakringskassan.se)

ናይ ንጥፈታት መተካእታ ገንዘብ (forsakringskassan.se)

መራኸብቲ ስራሕ እዚ ዝስዕብ ሓገዝ ክወፍዩልካ ይኽእሉ፣

  • ሓገዝ ካባና ብተሌፎን፣ ቀጥታዊ ምጽሓሓፍ (chatt) ወይ ኣኼባ ብቖጸራ ትረክብ
  • ብዝተፈላለየ መንገዲ ስራሕ ንኸተናዲ ሓበሬታ
  • ናይ ስራሕ ዕዳጋ ሓበሬታ
  • ናይ መራኸብቲ ስራሕ ዝህብዎ ኣገልግሎት ሓበሬታ
  • ንኣብነት ደገፍ ናይ ሞያ ትምህርቲ፣ ናይ መዛግብ ሓቀኝነት መረጋገጺ፣ ልምምድ ናይ ሞያን ናይ ትምህርትን መዳለዊ ኮርሳት፣
  • ካብ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ዉሕስነት ሓበሬታ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነት መተካእታ ገንዘብ፣
  • ንናይ ኣገልግሎት ኣቕረብትና ንተቖጻጸሪቲ ዝምችእ ደገፍ።

ስራሕ ኣልቦነት - ሕጂ እንታይ እዩ እቲ ዝኽወኖ?