ሕክምናዊ ሰነዳት ናባና መዓዝ ከም ዘቕርቡ

እንትሰርሑ ወይ ስራሕ እንደልዩ ዝፀልዎም ጉድኣት ኣካል ወይከዓ ሕማም እንተሃልዩ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ሰነዳት ሕክምና ክሓቶም ይኽእል እዩ። ካባና ዘድልዮም ደገፍ እንትንውስን እዚ ሰነድ ኣገዳሲ እዩ።

መዝገባት ሕክምና ኣብ ምንታይ ረብሓ ይውዕሉ?

ንዖኦም ብዝተኽኣለ መጠን ንምድጋፍ ናህቶም ድልየታት ሓፈሻዊ ርድኢት ክንረክብ ኣለና። ምስኦም ብዝግበሩ ዝርርባት ኣብ ምንታይ ጎበዝ ከም ዝኾኑን እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉን ከዓ ምስ ስራሕን ቦታ ስራሕን ብዝተተሓሓዘ እንታይ ዓይነት ገደባት ወይ ፀገማት ከም ዝገጥምዎም እውን ንርዳእ ኢና። እቶም ሰነዳት ምስኦም ሓቢርና ካብ ንሰርሖ ሓፈሻዊ ግምገማ ካብ ብርክት ዝበሉ ክፋላት ሓደ እንትኸውን እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዝደልዩን ካባና ክረኽቡ ከም ዝኽእሉን እንትንውስን ኣገዳሲ እዩ።

ጉድኣት ኣካል ወይከዓ ሕማም እንትገጥሞም ክረኽብዎ ዝኽእሉ ደገፍ

መዝገባት ሕክምና እንታይ እዮም?

ሰነዳት ሕክምና ዝተፈላለዩ ወረቐታት ምስክር ሕክምና፣ ፀብፃብ ሕክምና ወይከዓ መግለፂ ግልጋሎት ሕክምና ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፣ ፀብፃብ ሕክምና፣ ቅዳሕ መዝገብ ሕክምና ወይ ኒዩሮሳይካትሪክ ምርመራ። ከምኡ እውን ናይ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ወይ ብፍሉይ ዝተስተኻኸለ ቤት ትምህርቲ ወረቐት ምስክር ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቶም ሰነዳት ዘለዎም ጉድኣት ኣካል ወይከዓ ሕማምን ንዖኦም እንታይ ማለት ከም ዝኾነን ክገልፁ ኣለዎም። ንኣብነት ናይ ምዝካር ወይ ምትኳር ፀገም እንተልዩዎም፣ ወይከዓ ኣብ ሰውነቶም ዝፀልዎም ቃንዛ እንተልዩዎም። እቲ ሰነድ ትኽክለኛ ንክኾን፣ ነዞም ዝስዕቡ እውን ከጠቓልል ኣለዎ

  • ሽሞምን ቁፅሪ ማሕበራዊ ድሕንነቶምን፣
  • ነቲ ሰነድ ናይ ዝፈጠሮ ሰብ ሽምን መዓርግን፣
  • ዝተወሃበሉ ዕለት።

ሰነዳቶም ካብቲ ዘዘራርብዎ መቕረባይ ግልጋሎት ጥዕና ክሓትቱ ይኽእሉ እዮም። ብዙሕ ግዘ ዲጂታል ወረቐታት ሕክምና ካብ 1177.se ባዕሎም ክረኽቡን ከውርዱን ይኽእሉን እዮም። ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ወይ ብፍሉይ ኣብ ዝተስተኻኸለ ቤት ትምህርቲ እንተተማሂሮም ካብ ዝተምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ሰነድ ክሓትቱ ይኽእሉ እዮም።

ሰነዶም ብኸመይ ከም ዘቕርቡ

ደጋፊ ሰነዳት ክትሰዱ ዘድልየኩም ምሳና ርክብ እንተሃልዩኩምን ኣብኡ ምስተሰማማዕናን ጥራይ እዩ። ናብ'ቲ ዝሃብናኩም ኣድራሻ ብፖስታ ስደድዎ፣ ወይ ድማ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ማእከል መንግስቲ (Statens servicecenter) ኣብ ዝርከብ ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ኣረክቡ።

ነቲ ቢሮ ግልጋሎት ይርከብዎ (statenssc.se)

ሰነዳቶም ሓንሳብ ምስተቐበልና ስካን ተገይሮም ኣብ ሲስተማትና ይቕመጡ። እቶም ሰነዳት ምስ ወሃብቲ ስራሕ ፈፂሞም ኣይካፈሉን፣ ንዋኒኖም ዝሕዞ ናይ ዋኒን በዓል መዚ ጥራሕ ንሰነዳቶም ክረክብ ይኽእል።