ከም ደላይ ስራሕ ተመዝገብ


ናይ መጀመርያ ናይ ስራሕ ኣልቦነት መዓልቶም የመዝግቡ። ብኤሌክትሮኒክ መለለዪ ብምእታውን ኣካውንት ብምኽፋትን ይጀምሩ። ይእተዉ (Skriv in dig) እሞ ኩሉ ሓበሬታ ይምልኡ፣ ንኣብነት ኣየኖት ዓይነት ስራሕቲ ከም ዝደልዩ፣ እንታይ ዓይነት ልምዲ ከምዘለዎም። ካብኡ ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ትልማዊ ኣኼባ ይቋፀሩ። ንካሕሳ ንምምልካት ንክፍሊት ስራሕ ኣልቦ (a-kassa) የመልክቱ።

ትሕዝቶ ናይ’ዚ ገጽ

መዓስ እየ ክምዝገብ ዘለኒ?

ኣብታ ናይ መጀመርታ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑላ መዓልቲ ናባና ምምዝጋብ ኣገዳሲ እዩ። ክፍሊት ውሕስነት ስራሕ ኣልቦነት ስራሕ ኣልቦ ካብ ዝኾንሉ መዓልቲ ካሕሳ ናይ ምርካብ መሰሎም ክግምግም ይኽእል። ስራሕ ኣልቦ ቅድሚ ምዃኖም እውን ሓበሬታ ምምላእ ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም። ካብኡ ምዝጋቦም ቅድሚ ምእታዎም ነታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ስራሕ ኣልቦነት ይፀበዩ።

ኣብ ናይ መጀመሪያ መዓልቲ ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም ናባና እንትምዝገቡን ንጡፍ ኮይኖም ስራሕ እንትደልዩን ካልእ በዓል ስልጣን ወይከዓ ምምሕዳር ከተማ ካሕሳ ናይ ምርካብ መሰሎም ክግምግም ይኽእል እዩ። ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan)፣ ንኣብነት ናህቶም ናይ ሕማም ረብሓ ዘማልኡ እታዎታት ኤስጂኣይ (SGI)፣ ክውስን ይኽእል እዩ።

ከመይ ጌይረ እየ ዝምዝገብ?

  • ምምዝጋብ ቅድሚ ምጅማርካ እቲ ቐዳማይ ስጉምቲ ብኤለትሮኒክ መንነት ኣቲኻ ሕሳብ ምኽፋትን እቲ ናትካ ሐበሬታታን ምምላእ እዩ፡ በቲ ሕሳብ መብዛሕቱኡ ንዓኻ ዘርኢ ጉዳያት ዝሓዘ ኣብ ናተይ ገጽ (Mina sidor) ትረክብ።
  • ሕሳብ ምስ ከፈትካ ናብቲ ተመዝገብ (Skriv in dig) ዝብል ኣቲኻ ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርታትካ፣ ናይ ስራሕ ዓለም ተሞኩሮታትካ፣ ክእለታትካ ከምኡ ዉን እቲ ትደልዮ ስራሕ ምላእ፡ ከትምዝገብ ከሎኻ ከይትሃወኽካ እኹል ግዜ ዉሰድ ብዙሕ ሓበሬታ እንድሕሪ ድኣ ሂብካና ብወንና ዝያዳ ብዝቐልጠፈ ንሕግዘካ።
  • ኣብ መጨረሻ ምስ ሓደ መራኸብቲ ስራሕ ናይ ዘተ ትልሚ ክትገብር ቆጽራ ሒዝካ እቲ ዝመላእካዮ መዝገብ ስደዶ፡ ምስ ተመዝገብካ ብቐጥታ ይድወለካ ይኸዉን፡ እንድሕሪ ድሮ ሕጂ ኣብዚ ዉሽጢ 3 ወርሓት ስራሕ ክትጅምር ወይ ክትምሃር ፈሊጥካ ኣሎኻ ኾንካ ምሳና ናይ ዘተ ትልሚ ቆጸራ ምግባር ኣየድልየካን እዩ፡ ኣብ ክንድኡ እቲ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር ከሎኻ ካብቲ መዝገብ ብኣዉቶማቲክ ክትወጽእ እንተ ደለኻ ሕቶ ይመጸካ እሞ ሽዑ ምስ መለስካ ንኽትምዝገብ ትሰዶ።

ኩሉ እቲ ዘድሊ ሓበሬታትካ ምስ መላእካን ንኽምዝገብ ፈሪምካ ምስ ሰደድካን ከም ደላይ ስራሕ ከም ዝተመዝገብካ መረጋገጺ ክመጸልካ እዩ።

እንተ ደኣ ናትካ ኮምፕዩተር ወይ ስማርት ፎን ዘይብልካ ናብቲ ናይ ኣገልግሎት ቤት-ጽሕፈት መጺእካ ኮምፕዩተር ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ።

ኤሌክትሮኒክ መለለዪ እንተዘይሃልዩዎም ምዝገብኦም ብኦንላይን ከዳልዉ ይኽእሉ እዮም። ብናይ ተጠቃማይ ሽምን ምስጢራዊ ቃልን ይእተዉ (Skriv in dig)፣ ኣካውንት ይኸፈቱ ቀፂሉ ከዓ ኣብ መእተዊ ሓበሬትኦም ይምልኡ። ድሕሪኡ ከም ደላዪ ስራሕ ንምምዝጋብ ናብ ቢሮ ግልጋሎት ምኽያድ የድልዮም እዩ። ናይ መመዝገቢ ናይ መጀመርያ መዓልቶም ካብታ ቢሮ ግልጋሎት ዝኸዱላ መዓልቲ ጀሚራ ትቑፀር። ካብኡ ንካሕሳ ምእንቲ ከመልክቱ ንሶም ስራሕ ኣልቦ ከም ዝኾኑ ንክፍሊት ስራሕ ኣልቦነቶም ከንፍልጠሎም ኢና። ናብቲ ቢሮ ግልጋሎት እንትመፁ ታሴርኦም ሒዞም ይምፁ።

ቅድሚ ቢሮ ግልጋሎት ምጉብናዮም ቀልጢፎም ስለዝቕይሩ ናይ ስራሕ ሰዓታቶም ምርግጋፅ ፅቡቕ እዩ።

ንቢሮ ግልጋሎት ይርከቡ

ሓበሬትኦም ኣብቲ ዌብሳይት ምስኣእተዉ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልትታት ብኣካል ክኸዱ ኣለዎም። ከምኡ እንተዘይገይሮም ሓበሬትኦም ክጠፍእ እዩ።

ካብ ኦ-ካሳ ክፍሊት ክወሃበካ ኣመልክት

ስራሕ ኣልቦ እንድሕሪ ኾንካን እሞ ኣባና ምዝጉብ እንድሕሪ ኾንካ ስራሕ ኣብ ተናድየሉ ግዜ ካብ ኣ-ካሳ ናይ ገንዘብ መተካእታ ክምጸካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ ክንደይ ገንዝብ ከም ዝመጸካ ኣብ ቅድሚ ሕጂ ክንደይ ከም ዝሰራሕካን ከምኡ ዉን ኣብ ናይ ኣ-ካሳ ኣባል እንተ ኾንካን ወሳኒ እዩ።

ነቲ ናትካ ኦ-ካሳ ብምውካስ ክፍሊት ክወሃበካ ኣመልክት።ነዚ ንምግባር እቲ ዝቐለለ ኣብ ናይ ኦ-ካሳ መካነ-መርበብ(ዌብሳይት) መንነትካ ብምርግጋጽ(ሎግኢን ብምግባር) ከተካይዶ ትኽእል።

ኣባል ኦ-ካሳ እንተዘይኾይንካ፡ስራሕ-ኣልቦኛ ኣብ ትኾነሉ እዋን፡ኣባል ክትኸውንን መሰረታዊ ክፍሊት ክወሃበካን ተመዝገብ።ኣባል ናይ ሓንቲ ኦ-ካሳ ክትኸውን እንተ ዘይደሊኻ ግን መሰረታዊ ክፍሊት ክወሃበካ ኣብ ኣልፋ-ካሳ ከተመልክት ትልእል።

ክፍሊት ካብ ኦ-ካሳ

ቅድሚ እቲ ናይ መደብ ምውጻእ ዝግበር ዝርርብ ተቐራረብ

ክትምዝገብ ከሎኻ ንናይ ዘተ ትልሚ ክትገብር ምስ ሓደ መራኸቢ ስራሕ ቆጸራ ትገብር፡ እንድሕሪ ኣብዚ ዉሽጢ 3 ወርሓት ስራሕ ክትጅምር ወይ ክትምሃር ኾንካ ናይ ዘተ ትልሚ ቆጸራ ምግባር ኣየድልየካን እዩ።

ንናይ መደብ ዘተ ተዳሎ

ሕቶታትን መልስን

ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ዘለኒ ኣኼባ ብኸመይ ናብ ካልእ ግዘ ክቕይሮ ወይ ክስርዞ ይኽእል?

ንኣብነት ብቃለ-ምሕተት ስራሕ ወይ ብስራሕ ምኽንያት ዝኣመሰሉ ክርከቡ እንተዘክኢሎም ናይ ፈለማ ትልማዊ ፃውዒቶም ናብ ካልእ እዋን ክቕይርዎ ኣለዎም። ናተይ ገፃት (Mina sidor) ይእተዉ።

ናተይ ገፃት (Mina sidor)

እንተሓሚሞም ወይከዓ ኣብ ናይ ወሊድ ፍቓድ (vab) እንተሃልዮም፤ ቆፆርኦም ባዕሎም ናብ ካልእ ግዘ ክቕይሩ ዘይኽእሉ እንተኾይኖም ከም ዝቐረዩ ከፍልጡናን ነቲ ቆፆሮ ናብ ካልእ እዋን ንምቕያርን ክድውሉልና ኣለዎም። ነቲ ቆፆሮ ክስርዙዎ እንተደልዮም እውን ክድውሉልና ኣለዎም።

ስራሕ-ኣልቦንነት ኣብ መድህን ስራሕ-ኣልቦነት፡ ብኸመይ አመልክት?

ኤ-መንነት ተጠቂምካ ኣብ መካነ-መርበብና ክትምዝገብ ከለኻ፡ ብሓባር ምስኡ ድማ መድህን ስራሕ-ኣልቦነት( a-kassa) ከትመልክት ድሌት ከም ዘለካ ሓብር። ድሕረኡ ኣብ መካነ-መርበብ ናይ’ታ ትምልከተካ መድህን ስራሕ-ኣልቦነት( a-kassa) ኣቲኻ ነቶም ዝጥለቡ ሓበሬታታት ምልኣዮም።

እንድሕሪ ድሮ ኣብ ሓደ ኣ-ካሳ ተመዝጊብካን ኣመልኪትካን ኔርካ ይኹን እምበር ንገለ እዋን ብምኽንያት ስራሕ ወይ ብምኽንያት ሕማም እንድሕሪ ኣቋሪጽካዮ ኔርካ እታ መጀመርያ ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካላ መዓልቲ ብተሌፎን ወይ ብሓጺር ቀጥታ ዘተ (chatt) ክተዉከሰና ከድልየካ እዩ፡ ድሓር ንሓና ንኣ-ካሳኻ ዳግም ስራሕ ተናዲ ከም ዘሎኻ ንሕብሮም።

ተደሃየና

ሰረት ክፍሊት-ሕማም ዝኾነ ኣታዊ ማለት እንታይ ማለት’ዩ( SGI)?

GI ማለት ሰረት ክፍሊት-ሕማም ዝኾነት ኣታዊ ማለት’ዩ። ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳን) ክንደይ SGI ከም ዝግበኣካ ይቕምሮ። ምስ ትሓምም ወይ ዕረፍቲ-ወላዲ ምስ ትወስድ ንኣብነት፡ ነቲ ዝወሃበካ ብዝሒ ገንዘብ ዝውስኖ SGI እዩ።

ብዛዕባ SGIን ንዕኡ ኣብ ዝተፈላለየ ዂነታት ብኸመይ ክትዕቅቦ ከም ትኽእል ናትካ ሕቶታታት እንተለካ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን (ፈርሸክሪን ካሳን) ተደሃዮ።

ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን (ፈርሸክሪን ካሳን) (forsakringskassan.se)

መሰናበቲ-ደሞዝ ምስ ተቐበልኩ እንታይ የጋጥም?

kassa) ድማ ተመልክት።መድህን ስራሕ-ኣልቦነት( a-kassa) ድማ ካበነይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ሓገዝ ከም ዝወሃብ ይቕምር(ሒሳብ ይገብር)። መድህን ስራሕ-ኣልቦነት( a-kassa) መሰናበቲ-ደሞዝ ከም ደሞዝ ናይ ስራሕ’ዩ ዝሓስቦ።

መዓስ ከም ተመዝገብካ ነቲ ሰረት ክፍሊት-ሕማም ዝኾነ ኣታዊ( SGI) ስለ ዝጸልዎ፡ ብዛዕባኡ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ንቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳን) ተደሃዮ።

መሰናበቲ-ደሞዝ እንዳወሰድካ ከሎኻ ከም ደላዪ-ስራሕ ድማ እንተ ተመዝጊብካ፡ ነጢፍካ ስራሕ ከተናዲ’ውን ይግበኣካ’ዩ። እዚ ማለት፡ ስራሕ ብቐጻሊ ከተናዲ ኣለካን ንጥፈታዊ ጸብጻብ ድማ ወርሓዊ ከተቕርብ ኣለካ።

መጠንቀቕታ ምስንባት ወይ ካብ ስራሕ እንተ ተሰናቢተ ክሓስቦ ዘለኒ እንታይ’ዩ?

ኲሎም መጠንቀቕታ ምስንባት ዝወሃቦም ካብ ስራሕ ክሰናበቱ እዮም ማለት ኣይኮነን፡ ግን ምናልባት ካብ ስራሕ እሰናበት እኸውን ኢልካ ምድላው ግን ጽቡቕ’ዩ።

ናይ ምስንባት ደረት-ግዜኻ ንኣብነት ክንደይ ምዃኑ ፈትሾ። ምናልባት ስራሕ ኣልቦኛ እንተ ኾይንካ፡ ተዳሊኻ ምእንቲ ክትጸንሕ፡ ዝርዝር ተመኲሮኻን(cv) ውልቃዊ ደብዳቤኻን(personligt brev) ጽሒፍካ ኣዳልዎም።

ስራሕ ኣልቦኛ ምስ ትኸውን፡ ኣብ’ታ መጀመርያ ስራሕ ኣልቦኛ ዝኾንካያ መዓልቲ ኣባና ተመዝገብ። ነቲ ምምዝጋብ ብዝቐለለ ተከናውኖ ኣብ’ዚ ኣብ መካነ-መርበብና’ዩ።

ተመዝጊበ ምዃነይ ብኸመይ ክርእዮ እኽእል?

ተመዝጊብካ እንድሕሪ ኾንካ ንኸተረጋግጽ ኣብቲ ናተይ ገጽ (Mina sidor) ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ፡ ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ምዝጉብ እንድሕሪ ድኣ ኾንካ ኣብ ትሕቲ ሽምካ ”Inskriven” ዝብል ጽሑፍ ከምኡ ዉን ዝተመዝገብካሉ ዕለት ክትርእይ ኢኻ፡ ከምኡ ዉን ናይ ዝተመዝገብካሉ ምስክር ኣብ ትሕቲ ናተይ ሰነዳት (Mina dokument) ዝብል ክትርኢ ኢኻ፡ ኣብ ትሕቲ ሽምካ ኣይተመዝገብካን ”Du är inte inskriven” ዝብል እንድሕሪ’ሎ ኣይተመዝገብካን ኣሎኻ ማለት እዩ።

ዝተመዝገብኩ ምዃነይ ብኸመይ ምስክር-ወረቐት ክረክብ እኽእል?

ኣባና ከም ተመዝገብካ ዘርኢ ምስከር ወረቐት ባዕልኻ ክትሓትም ትኽእል ኢኻ፡ ብናይ ኤለትሮኒክ መንነት ጌርካ ኣብ ናተይ ገጻት ኣቲኻ ናብ ናተይ ሰነዳት "Mina dokument" እቶ፡ ኣብኡ ናይ ዝተመዝገብካሉ ምስክር ወረቐት ክትሓትሞ ወይ ከተርእዮ ትኽእል ብመልክዕ PDF ትረክብ።

ኣበየናይ ናይ ”ስራሕ-ኣልቦነት ካሳ” (a-kassa) ኣባል ምዃነይ፥ ኣብቲ ዝተመዝገብኩሉ ጊዜ ኣይመላእኩዎን እየ። ሕጂ እንታይ ክገብርዩ ዚግብኣኒ?

ክትምዝገብ ከለኻ፡ካብ ኦ-ካሳ ክፍሊት ክወሃበካ እንተ ዘየመልከትካዮ፡ተሌፎን ደውለልና እሞ ነታ ናትካ ኦ-ካሳ ክንሕብራ ኢና።እቲ ናብ ኦ-ካሳ ዘመልከትካዮ ከም ቅቡል ዝቚጸር፡ካብ’ታ ተሌፎን ዝደወልካልና ወይ መጺኻ ዝበጻሕካናን መንነትካ ዘረጋገጽካልናን መዓልቲ እያ።

ክምዝገብ እንተደልየ፣ ኤሌክትሮኒክ መታወቂያ እንተዘየልዩንን እቲ ቢሮ ግልጋሎት እንተተዓፅዩን እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ክምዝገብ እንተደልየ፣ ኤሌክትሮኒክ መታወቂያ እንተዘየልዩንን እቲ ቢሮ ግልጋሎት እንተተዓፅዩን እንታይ ክገብር ኣለኒ?

እቲ ሃገራዊ ማእኸል ግልጋሎት ኩልግዘ ኣብቲ ከባቢ ቢሮ ግልጋሎት ክኸፍት ይፅዕር እዩ፣ ስለዚ ኣብ ቀረብኦም ናይ ዘለዉ ቢሮ ግልጋሎታት መኽፈቲ ሰዓታት ኣቐዲሞም የረጋግፁ።

ኣብ ቀረብኦም ናብ ዘሎ ቢሮ ግልጋሎት ንምኽያድ ዝርሕቆም እንተኾይኑ፣ ከይዲ ምዝገባ ንምጅማር ብቑፅሪ ቴሌፎን 0771-416 416 ብምድዋል ምስ ተወካሊ ምርኻብ ስራሕ ክዘራረቡ ይኽእሉ እዮም። በይዝኦም ናብ ቢሮ ግልጋሎት ክሳብ ዝኸዱን ናይ መንነት መረጋገፂ ዘቕርቡን እቲ ምዝገባ ሙሉእ ከምዘይኮነ ልቢ ይበሉ።