ቅድሚ እቲ ንምውጻእ መደብ ዝግበር ዝርርብ

ሓንሳብ ኣባና ምስ ተመዝገቡ እቲ ዝፅል ስዳሮ ብዝተኽኣለ ፍጥነት ስራሕ ንምርካብ ወይ ትምህርቲ ንምጅማር እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ምትላም እዩ። ምሳና እቲ ናይ መጀመርያ ኣኼባ ብሓደ ኮይንና ትልሚ ግብሪ ነዳልወሉ ትልማዊ ኣኼባ እዩ። ብፅቡ ኩነታት ንክኸይድ ምድላዎም ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝርርብ መብዛሕትኡ ግዘ ብስልኪ ወይከዓ ኣብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ኣብ ዘሎ ቦታ ይግበር።

ኣብቲ ትልማዊ ኣኼባ እንታይ ይኸውን?

ኣብቲ ኣኼባ ንሶምን ወኪል ስራሕን ኣብ መንጎ ካልኦት ነገራት ኣብዞም ዝስዕቡ ይዘራረቡ፦

  • ክእለታቶም
  • እንታይ ዓይነት ስራሕቲ ይደልዩ
  • ካባና እንታይ ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ
  • ኣብ ዕላምኦም ንምብፃሕ ንሶም ባዕሎም ክገብርዎ ዝኽእሉ።

ንስራሕ ንምምልካት ተወሳኺ ደገፍን ሓገዝን ከድልዮም ዝኽእል ነገር እንትልዩ እውን ክንሪኦ ኢና። ንኣብነት፤ ጉድኣት ኣካል፣ ምርመራ፣ ወይከዓ ኣብ ጥዕንኦም ፀገማት እንተልዩዎም። ኣብዚ ኩነታት፤ ንክስረሑ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዝደልዩ ንግምግም።

ብኣካላዊ ጉድኣት፣ ብናይ ኣእምራዊ ወይ ቀልባዊ ተግባራዊ-ክእለት ዝጎደሎም ወይ ጥዕና ንዘይብሎም ስራሕ ዘናድዩ ሓገዝ

ናይ ትልማዊ ፃውዒት ቆፆሮ ደጊሞም የትሕዙ

ንኣብነት ብቃለ-ምሕተት ስራሕ ወይ ብስራሕ ምኽንያት ዝኣመሰሉ ክርከቡ እንተዘክኢሎም ናይ ፈለማ ትልማዊ ፃውዒቶም ናብ ካልእ እዋን ክቕይርዎ ኣለዎም። ዳግማይ ቆፆሮ ንምትሓዝን ንምቕያርን ናብ ናተይ ገፃት (Mina sidor) ይእተዉ። እንተሓሚሞም ወይከዓ ኣብ ናይ ወሊድ ፍቓድ እንተሃልዮም፤ ቆፆርኦም ባዕሎም ናብ ካልእ ግዘ ክቕይሩ ዘይኽእሉ እንተኾይኖም ከም ዝቐረዩ ከፍልጡናን ነቲ ቆፆሮ ናብ ካልእ እዋን ንምቕያርን ክድውሉልና ኣለዎም። ነቲ ቆፆሮ ክስርዙዎ እንተደልዮም እውን ክድውሉልና ኣለዎም።

ኣብ ናተይ ገፃት (Mina sidor) (ብሽወደንኛ) ዳግማይ ቆፆሮ የትሕዙ

ንኣለሻ ስርሖም ትልሚ ግብሪ ንፈጥር

ኣብቲ ትልማዊ ኣኼባ ንሶምን እቲ ወኪል ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕን ብዝተኽኣለ ፍጥነት ስራሕ ንምርካብ ወይከዓ ትምህርቲ ንምጅማር እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ንዘራረብ። ንዘመልክትዎም ስራሕቲ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዝደልዩን እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ከም ዘካይዱን ብዛዕባ ዕዳጋ ስራሕ ንዘራረብ። እቲ ወኪል ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ነቶም ውፅኢታት ኣብ ትልሚ ግብሪ ይፅሕፍ፤ እዚ ድማ ኣብ ናተይ ገፃት (Mina sidor) ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ትልሚ ግብሮም ወቕታዊ ንምግባር እቲ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣድላዪ ኮይኑ እንትርከብ እንተንኣሰ በቢሽድሽተ ወርሒ ክሕደስ ኣለዎ። እዚ ምናልባት ሓደ ንጥፈት እንትውዳእን ካልእ እንትጅምርን ወይ ናይ ደገፍ ድልየቶም እንተተቐይሩ ክኸውን ይኽእል።

ንቐፃሊ ካብ ኣቕረብትና ብሓዲኦም ዝድገፉ እንተኾይኖም ነቲ ትልሚ ግብሮም ነካፍሎም ኢና።

ትልማዊ ፃውዒት ኣብ ዘየድልዮም እዋን

ኣብ እዋን ምዝገባ ብርግፅ ስራሕ ከም ዝህልዎም ወይከዓ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ትምህርቲ ከም ዝጅምሩ እንተፈሊጦም ትልማዊ ቃለ-ምሕተት ኣየድልዮምን። ኣብዚ ኩነት ናትና ዲጂታል ግልጋሎታት ጥራሕ ይጠቀሙ ኣብ እዋን ምዝገባ ብዘቕርብዎ ሓበሬታ መሰረት ባዕሉ ዝፍጠር ትልሚ ንጥፈት ይቕበሉ። ኣብ ናተይ ገፃት ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም።

ከመይ ጌርካ ከም ትምዝገብ እቲ ብመርበብ ኢንተርነት ዝዉሃብ ሰሚናር (webbinarium) ርአ (ብቛንቋ ሽወደን)

ነቲ ኣኼባ ከምዚ ዝስዕብ ጌርካ ክትዳለወሉ ትኽእል

እንታይ ክትሰርሕ ከም ትደሊ ሕሰበሉን ነቲ ናትካ ትምህርታውን ሞያውን ሓጺር ድሕረ-ባይታ (cv) ኣሓድሶን ብቐጥታ ነየኖት ስራሓት ክትደሊ ኢልካ ትሓስብ? ነቲ ዘለካ ትምህርቲ ወይ ተመኩሮታት ክትምልኣሉ የድልየካ ዲዩ? ብዛዕባ ሽቶታትካን ናብ ስራሕ ዘምርሕ መንገዲ ከመይ ክመስል ከም ዝኽእልን ጽቡቕ ጌርካ ሕሰበሉ። ብዛዕባ እቲ ቀጻሊ ስጕምትኻ ዘለካ ሓሳባት ጽሓፎ። ከምኡ’ውን እቶም ንዓና ዘለዉኻ ሕቶታት ሕሰበሎምን ጽሓፎምን።

ቅድሚ እቲ ናይ ዉጥን ዝርርብ ክትገብሮም ትኽእል ንኣሽቱ ምኽርታት፡

ሸቶን ንኡስ-ሸቶን ናይ ስራሕ ምድላይካ ብንጹር ግለጾም (ብቛንቋ ሽወደን)

ምዕዶ ናይ ስራሕ ክትደሊ ከለኻ፡ ትምህርታውን ሞያውን ሓጺር ድሕረ-ባይታ (cv) ውልቃዊ ደብዳቤ (ብቛንቋ ሽወደን)

ናብ ፕላትስባንከን (Platsbanken) ኣቲኻ፡ ንኽትደልዮ ዚሰማማዕ ስራሕ እንተ ረኸብካ ርኣ።  (ብቛንቋ ሽወደን)

ሓደ ሓጺር ናይ ሂወት ታሪኽ (profil) ኣዳሉን ብሰራሕተኛታት ዝደልዩ ወሃብቲ ስራሕ ተረኸብን (ብቛንቋ ሽወደን)

ኣብቲ ናትና ወቢናር ተሳተፍን ነቶም ናትና ናይ ስራሕ ፖዳት (jobbpoddar) ስምዓዮምን

ዘሎካ ምስክር ወርቐት (ሰርቲፊኬት) ኣተርጕምካ ከም ዝግምገመልካ ግበር

ናይ ወጻኢ ትምህርቲ እንድሕሪ ኣልዩካ ስራሕ ከትናዲ ወይ ኣብ ሽወደን ክትምሃር እንድሕር ደሊኻ ምስክር ወርቐትካ ኣተርጕምካ ትምህርትኻ ከተገምግሞ ከድልየካ እዩ።

ንመዛግብትኻ ከተተርጉሞም ኣድላይነት እንተ’ሎካ ክንሕግዘካ ተወከሰና፡ እዚ እቲ ናይ ትምህርቲ መዛግብትኻ ብቛንቋ እንግሊዝ፣ ፈርንሳ፣ ጀርመን ወይ ሓዳ ካብ ናይ ኖርዲክ ዘይኮነስ ብኻልእ ቋንቋ ዝተመዝገበ እንተ ኾይኑ እዩ።

ናይ ዩኒቨርሲትን ኮለጅን ቤት ምኽሪ (UHR) ነት ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ንኽግምገም ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ወጻኢ-ሃገር ትምህርቲ መገምገሚ uhr.se (ብቛንቋ ሽወደን)

ንናይ ስራሕ ኣልቦነት መተካእታ ገንዘብ ኣመልክት

ብዛዕባ ኣ-ካሳ፡ ብዛዕባ ኣባልነትካ ወይ ካልእ ነገር ሕቶታት እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ ምስ ናትካ ኣ-ካሳ ብቐጥታ ርክብ ግበር። ክፍሊት ካብ ኣ-ካሳ፣ ስራሕ ኣልቦ ኣብ ዘለኻሉ እዋን፡ ማሕበርተኛ ናይ ሓደ ኣ-ካሳን ኣባና ምዝጉብን ክትከውን ከለኻ ክወሃበካ ዝኽእል ገንዘብ እዩ። ኣብዚ መተካእታ ገንዘብ ከመይ ጌርካ ከም ተመልክት ከምኡ ዉን ኣብ ናይ ኣ-ካሳ (a-kassa) ኣባል እንትዘይ ኮንካ ከመይ ከም ትገብር እቲ ዝምልከቶ ስያመታት ከተንብብ ትኽእል።

ክፍሊት ካብ ኣ-ካሳ (ብቛንቋ ሽወደን)

ኵሉ እቲ ሓበሬታ መሊእካዮ ዲኻ?

እቲ ክትምዝገብ ከሎኻ ዝሃብካዮ ሓበሬታ ደጊምካ እንተ ርኣኻዮ ይምረጽ፡ እቲ ኩሉ ዝተመሃርካዮ፣ ቅድሚ ሕጂ ትሰርሖ ዝነበርካ ስራሕ ወይ ክኣ ካልእ ነቲ ናትካ ክእለት ክጉልሖ ዝኽእል ኣቕሪብካ ምዃንካ ደጊምካ ርአ፡ እቲ ኣኸቤና ኣድማዒ ምእንቲ ክኸዉን ቅድሚ ናይ ውጥን ዝርርብና ኣቲኻ (logga in) ጌርካ ሓበሬታትካ መልኣዮ።

ናትካ ብቕዓታት መልኣዮም (ብቛንቋ ሽወደን)

ኣብቲ ናተይ ገጻት (Mina sidor) መደባትካ ተኸታተል

እቲ መደብካ ምስ ተዳለወ ኣብቲ ናተይ ገጻት ማለት ሚና ሲዱር ትረኽቦ፡ ኣብኡ ነቲ ንጥፍታትካ ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ክትገብር ትኽእል ኣየናይ ኢኻ ዛዚምካዮን እቲ ዝቕጽል ስጉምቲ ኸ እንታይ እዩ ትርኢ፡ እቲ ሚና ሲዱር ኣብቲ ትገብሮ ናይ ስራሕ ምንዳይ ይድግፈካ እዚ ስለ ዝኾነ ብቐጻሊ ነቲ ዘሎካ መደብ እዋናዊ ምግባሩ (uppdatera) ኣገዳሲ እዩ።

ናተይ ገጻት (Mina sidor) (ብቛንቋ ሽወደን)