ደገፍ ኣካለ ስንክልና ዘሎካ ወይ ጥዕና ዘይብልካ

ኣካለ ስንክልና፣ ዝተወሰነ ምልክት ሕማም (diagnos)፣ ሕማም ወይ ካልእ ጸገማት እንድሕሪ ኣሎካ ስራሕ ከተናዲ ከሎኻ ወይ ኣብቲ ትሰርሓሉ ቦታ ደገፍ እንድሕሪ ኣድልዩካ ካባና ተወሳኺ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ኣብዚ ታሕቲ ንዓኻ ገለ ኣካለ ስንልክና ዘሎካ ወይ ጥዕና ዘይብልካ ዝምልከት ዝተፈላለዩ ደገፋትና ኣኪብናዮ ኣሎና።

Arbetsintegrerande övningsplatser

እቲ ደገፍ ንዓኻ ካብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ንነዊሕ እዋን ዝተፈለኻን ብናይ ስራሕ ክእለትካን ኣብ ኣየናይ ስራሕ ከም ዝሰማማዕካን ትጠራጠርን እዩ ዝምልከት።

Arbetsmarknadsutbildning för personer med synnedsättning

እንድሕሪ ድኣ ናይ ምርኣይ ጸገም ወይ ናይ ምርኣይ ድኻም ኣሎካ ኾይኑ ንናትካ ድሌትን ኩነታትን ዝሰማማዕ ናይ ዉልቂ ትምህርት ናብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ መንገዲ ክኸዉን ይኽእል።

Bidrag för personligt biträde

ብሰንኪ ሓደ ስንክልና ዝነከየ ዓቕሚ ምስራሕ እንተ ኣሎካ ኾይኑ ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታኻ ካብ ሓደ ሰብ ደገፍን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ ኵነት እቲ ወሃብ ስራሕካ ነዚ ዝኸውን ሰራሕተኛ ንኽምድብ ሓደ ቍጠባዊ ሓገዝ ይወሃቦ እዩ።

Bidrag till hjälpmedel på arbetsplatsen

ስራሕካ ኽትፍጽም ንኽትክእል ንናውቲ ሓገዝ ዝኸውን ቍጠባዊ ሓገዝ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ውሃብ ስራሕካ እውን ንናውቲ ሓገዝ ወይ ንናይ ስራሕ ቦታ መሰማምዒ ዝኸውን ቍጠባዊ ሓገዝ ክወሃቦ ይኽእል እዩ።

Förmedlingsinsatser

ናይ ስራሕ መራኸብቲ ጻዕርታት ንስራሕ ከተናዲ ወይ ትምህርቲ ንኽትጅምር ዘድልየካ ዝድግፍ ሓደ መደብ እዩ፡ ካብቶም ኣቕረብትና ከም ደገፍ ሓደ ተቖጻጻሪ ማለት ትሓጋጋዚ ይግበረልካ።

Individuellt pedagogiskt stöd vid utbildning

ካብቶም ናትና ትምህርታዊ ጻዕርታት ኣብ ገሊኦም ክትሳተፍ ከሎኻ፡ ምስ ናውቲ ሓገዝ ዝተማልኣ ስነ-ምምህርናዊ ደገፍ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ።

Lönebidrag

ብምኽንያት ሓደ ስንክልና ዝነከየ ዓቕሚ ስራሕ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ምስቲ ናትካ ኵነታት ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ ሓደ ስራሕ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ማዕረ ማዕርኡ እቲ ወሃብ ስራሕካ ንደሞዝካ ዝኸውን ቍጠባዊ ሓገዝ ክወሃቦ ይኽእል እዩ።

Samhall

ኣብ ትካል ሳምሃል ብምስራሕ፡ ናይ ስራሕ ዓቕምኻን ብቕዓት ሞያኻን ከተማዕብል ዕድል ትረክብ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ደገፍን መምርሕን ኪወሃበካ’ዩ።

Skyddat arbete hos offentlig arbetsgivare

ሓደ ከም ዝሰማምዓካ ዝተገብረ ስራሕ ንዓኻ ሓደ ስንክልና ዘሎካ።

Steg till arbete

ነዚ ዝስዕብ ክትገብር ሓገዝ ዘድልየካ ክትምዕብልን ንስራሕ ወይ ንትምህርቲ ክትድልድልን ከምኡ ዉን ስራሕ ንኽትረክብን ንምድላው።

Särskild stödperson för introduktion och uppföljningsstöd - SIUS

ስንክልና እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ስራሕ ኣብ ትደልየሉ እዋን፡ ወይ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ሓዲሽ ኣብ ዘሎኻሉ እዋን ደገፍን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓጋዚ ሰብ ስራሕ ንምርካብ ክሕግዙኻ ኣብ ዝኽእሉ ዕማማትን ካልኦት ዘድልዩ ነገራትን ስልጠና ብምሃብ ክሕግዘካ እዩ።

Yrkesintroduktion för teckenspråkiga

ብናይ ምልክት ቋንቋ ትጥቀም ስራሕ ክትረክብ፣ ናትካ ትካል ክትጅምር ወይ ክትምሃር ትደልን ደገፍ ዘድልየካን።

በዚ መንገዲ እቲ ዘድልየካ ተወሳኺ ሓገዝ ካባና ክትረክብ ትኽእል

መን’ዩ እዚ ደገፍ ክረክብ ዝኽእል፣ ኣበየናይ ኩነታት ኢኻ እቲ ደገፍ ክትረኽቦ ትኽእል ከምኡ ዉን ነቲ ደገፍ ክትረክብ ትወስዶ መጀመርያ ስጉምቲ እንታይ እዩ ክትፈልጥ ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ።

ንኣካለ-ሱንኩላንን ጥዕና ንዘይብሎም ስራሕ ዘናድዩን ሓገዝ

ተወሳኺ ደገፋት ካብ መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen)

እዚ ኣብዚ ገጽ ዘሎ ደገፍ ንዓኻ ኣካለ ስንክልና፣ ዝተወሰነ ምልክት ሕማም (diagnos)፣ ሕማም ወይ ካልእ ጸገማት ዘሎካ እዩ ዝምልከት፡ መራኸብቲ ስራሕ ብፍላይ ንዓኻ ዝምልከት ደገፍ ዉን ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ተወሳኺ ደገፋት ካብ መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen)