ናይቶም ምልክታ ዘቕረብካሎም ስርሓት መረጋገጺ ምቕራብ ምስ ዘድልየካ

እንድሕሪ ስራሕ ኣልቦ ኾንካ እሞ ካብ ኣ-ካሳ (a-kassan) መተካእታ ገንዘብ ትወስድ ኾንካ ወይ ኣብ ሓደ መደብ ስለ ትሳተፍ ካብ ዉሕስና ካሳ (Försäkringskassan) መተካእታ ገንዘብ ትወስድ እንተ ኾንካ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ተቕርቦ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ኣመልኪተዮም ዝበልካዮም ናይ ስራሕ ቦታታት ከም ዘመልከትካ መረጋገጺ ስደደልና ክንብለካ ንኽእል ኢና።

ከም’ዚ እዩ ዝግበር፡

ነቲ ንገብሮ ቁጽጽር እንተ ተመሪጽካ፡ መልስኻ ትልእኸሉ ቅጥዒ ዝሓዘ ደብዳቤ ክለኣኸካ እዩ። ኣብ’ቲ መመለሲ ቅጥዒ፡ ከተራጋግጾም ዘለካ ስራሕ(ዕዮታት) ኣየኖት ምዃኖም ተመልኪቱ ኣሎ። ንስኻ ድማ ኣብ ጸብጻብ ዝሃብካያ ስራሕ ብሓቂ ከም ዘመልከትካያ፡ ንኣብነት ነዞም ዝስዕቡ ትልእኾም ፡

  • መመልከቲኻ ወይ ናትካ ሲቪ (CV)
  • ነታ ስራሕ ከም ዘናደኻያ ዘረጋግጽ ሰነድ፡ ንኣብነት ነታ ስራሕ ከም ዝደለኻያ ዘረጋግጽ መልሲ ካብ ወሃቢ ስራሕ፡ ወይ ድማ ነቲ ዝለኣኽካዮ ምልክታ ስራሕ፡ ወሃቢ-ስራሕ ከምተቐበሎ ዘረጋግጽ ካልእ ዓይነት ሰነድ
  • ነታ ስራሕ ከም ዘመልከትካያ መረጋገጺ ዝኸውን ስእሊ ሰሌዳ-ኮምፒተር(ዲስፕለይ)

ኣብ ጸብጻብ ዘቕረብካያ ስራሕ ብሓቒ ከም ዘመልከትካያ ዘረጋግጽ ሰነድ፡ እንተ ወሓደ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣቐምጦ።

ነቲ ናትካ ትሕተ-ቀጸላ/ወረቐት ምስክር ኣብዚ ገጽ ብዘሎ ቅጥዒ ጌርካ ከተረክበና ትኽእል፡ ከም ምርጫ በቲ ናብ ገዛኻ ብደብዳበ “መመለሲ ቅጥዒ ናይ ትሕተ-ቀጸላ ጠለብ” (”Svarsblankett begäran om underlag”) ዝብል ቅጥዒ ብቡስጣ ጌርካ ናብ መራኸብቲ-ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ክትሰዶ ትኽእል።

እንድሕሪ ዘይመለስካ እንታይ የጋጥም?

እንድሕሪ እቲ ዝተመልአ ናይ መልሲ ፎርም ኣብ ግዚኡ ዘይሰዲድካዮ፣ ወይ እቲ ኣብ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ዝርዝር ናይ ዘናደኻዮ ስራሓት መረጋገጺ እንተ’ዘይ ኣቕረብካ መጠንቀቕታ ይዉሃበካ ወይ ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ንሓደ ወይ ንብዙሕ መዓልታት ትተርፍ።

ኩነት ናይ ኣ-ካሳ መተካእታ ገንዘብ እንድሕሪ ኣሎካ

ነቲ ናይ መደብ መተካእታ ገንዘብካ ኩነት

መልስኻ ብቕጥዒ ጌርካ ልኣኽ

እንድሕሪ ናይ ዉልቅኻ ሓበሬታ ብምስጢር ዝትዓቀበ ኾይኑ እዚ ቅጥዒ ኣይትጠቐም ኣብ ክንድኡ ብደብዳበ ጌርካ ልኣኽ።

እቲ ቅጥዒ ብቛንቋ ሽወደን ጥራይ እዩ ዘሎ።

Observera!
Du ska bara använda formuläret om du har fått ett brev från oss om att du ska lämna in underlag för att visa att du har sökt de jobb som du har redovisat i din aktivitetsrapport.

(KON20XXXXXXXXX) Ange endast siffrorna. ÄrendeID hittar du högst upp på brevet du fått.





Vill du att vi lägger till dina uppgifter till ditt ärende? * (mandatory)
Vill du att vi lägger till dina uppgifter till ditt ärende?