Arbetsmarknadsutbildning

ናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርቲ ነቲ ዘሎካ ክእለት ኣሐይሉ ስራሕ ብቐሊል ከም ትርከብ ይገብር፡ እቲ ትምህርቲ ናብ ሓደ ጽቡቕ ሞያ ናይ መጻኢ ሰፊሕ ዕድል ዝህብ ይመርሕ።

ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም ትምህርትታት ኣብ’ዚ ኣለዉኻ

ቤ/ጽ ዕዮ ዘዳልዎም፡ዝተፈላለዩ ሞያታት ክትቐስመሎም ትኽእል፡ትምህርትታት ኣለዉ።ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ቤ/ጽ ዕዮ ኣዳሊዎም ዘለዉ ትምህርትታት ኣብ’ዚ ብቐሊሉ ክትረኽቦም ትኽእል።ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ናይ ትምህርቲ ቦታ ኬድካ ትምህርታዊ ዑደት ንምግባር ከተመልክተሎም ትኽእል ኣየኖት ምዃኖም ኣብ’ዚ ክትርእዮም ትኽእል።

ትምህርታዊ ዑደት ኣብ’ዚ ድለ

ኣብ ሓደ ናይ ትምህርቲ ዑዶት ብዛዕባ እቲ ንዓኻ ዝሰማማዓካ ሓደ ትምህርቲ ከምኡ ዉን ሓደ ሞያ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል፡ ነቲ ዘድልየካ ትምህርቲ ወይ ትምህርትታት ናብቲ ዝምልከቶ ሰብ ኢ-መይል ብምጽሓፍ ከተመልክት ትኽእል፡ ድሓር እቲ ትምህርቲ ዘዳሉ መረጋገጺ ክሰደለካ እዩ።

እንታይ

ናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርቲ ኣብቲ ሕጽረት ዝሰልጠኑ ሰራሕተኛታት ዘለዎሉ ቦታ ናይ ሓጺር ናይ ሞያ ስልጠና እዩ፡ ኩሉ እቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርትታትን ከምኡ ዉን ናብቲ ሞያታትን ዘምርሕዎን ንኽልቲኦም ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ዝበቅዕ እዩ፡ እቲ ትምህርቲ ስራሕ ክትረክብ ዉሕስነት እኳ እንተ’ዘይ ኮነ ስራሕ ንኽትረክብ ንዕድልካ ግን ኣጸቢቑ የማሓይሾ፡ እቲ ትምህርቲ መብዛሕቱ ግዜ ካብ ገለ ሰሙናት ክሳብ ሹዱሽተ ወርሒ ይወስድ ግን ኣብ ሓደ ሓደ ኩነታት ክነዉሕ ይኽእል እዩ፡ እቲ ትምህርቲ ናይ ምሉእ ስዓታት እዩ።

ንመን

ዕድል ናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርቲ ንኽትምሃር ጽልዋታት ዝገብሩልካ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረካ ትምህርትን ተመክሮን፣ ስራሕ ንኽትረክብ ዘሎካ ዕድልን እቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋኸ እንታይ ይመስል ዝብል ካብቲ ኣብ ግምት ነእትዎም ነገራት እዮም፡ ከም ደላይ ስራሕ ኣባና ምምዝጋብ ከድልየካ እዩ፡ ካብዞም ዝስዕቡ ገለ ከተማልእ ዉን ከድልየካ እዩ፡

  • ዕድመኻ 25 ዓመት ዝመላእካ ክትከዉን ኣሎካ፡
  • ዕድመኻ ካብ 25 ዓመት ንታሕቲ ኮይኑ ናይ ስራሕ ክእለታትካ ዝነክእ ኣካለ ስንክልና ኣሎካ፡
  • ዕድመኻ 18 ዓመት ኮይኑ ካብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ኣዚኻ ሪሕቕካ ኣሎኻ፡

ይኹን እምብር እቲ ትምህርቲ ንዓኻ እዋናዊ ምዃኑ ኩሉ ግዜ ዝውስኑ ናይ ስራሕ መራኸብቲ ቤት ጽሕፈት (Arbetsförmedlingen) እዮም። ብዘይካ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ቅድመ-ኩነት ዘማልኡ ነየኖት እዩ ነቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርቲ ዝፍቀደሎም ምስ ግዜ ክፈላለ ይኽእል እዩ።

እቲ ኣገባብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ

እዚ ትምህርትታት ብባዕልና ነዋፍሮም ኣብ ምሉእ ሃገር ዘለዉ ናይ ትምህርቲ ኣዳለዉቲ ይዉሃብ፡ ኣብዲጂታላዊ ኣገልግሎትና ”ናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርትታት ርኸብ (Hitta arbetsmarknadsutbildningar)” ዝተፈላለዩ ትምህርትታት ክተናዲ ትኽእል ከምኡ ዉን {3 ብዲጂታላዊ ኣገልግሎትና ”ዕዶት ኣናዲኻ (Hitta studiebesök)” ንዕዶት ከተመልክት ትኽእል፡ ምናልባት ብቐንዲ ንዓኻ) ዝበቅዕ ትምህርቲ ትረክብ ትኸዉን፡

ንናይ ጉዕዞ ወጻኢታት መተካእታ ገንዘብ

ኣብ ሓደ መደብ ክትካፈል ከሎኻ እሞ እቲ መደብ ኣብ ካልእ ከተማ እንድሕሪ ኮይኑ ንናይ ጉዕዞኻ- ከምኡ ዉን ናይ መንበሪ ወጻኢታትካ ዝሽፍን ናይ ገንዘብ ኣበርክቶ ክዉሃበካ ክተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ንናይ ጉዕዞ ወጻኢታት ኣበርክቶ ገንዘብ

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ይ ደገፍ ጻዕርታት

ዉልቃዊ ትምህርታዊ ደገፍ (IPSU)

ኣብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርቲ ( arbetsmarknadsutbildning) ክትምሃር ከሎኻ ብ ናዉቲ ሓገዝ ዝተማልአ ደገፍ ትምህርቲ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ዉልቃዊ ትምህርታዊ ደገፍ (IPSU)

ናይ ሞያ ቋንቋ ሽወደን

ቅድሚ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርቲ ምጅማርካ ወይ እንዳ ተመሃርካ ከሎኻ እንድሕሪ ድኣ ፍልጠት ቋንቋ ሽወደንካ ከተማሓይሽ ዘድልየካ ኮይኑ ምስቲ ሞያ ዝዉሃሃድ ቋንቋ ሽወደን ክትምሃር ደገፍ ክዉሃበካ ይክኣል እዩ።

ናይ ሞያ ቋንቋ ሽወደን

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።

ተወሰኽቲ ደገፋት ርኸብ