ሓፈሻዊ ትምህርቲ

እቶም መብዛሕትኦም ስራሓት ሓደ መባእታዊ ትምህርቲ ንኽህልወካ ይጠልቡ እዮም። ኣብ ውሽጢ ዓንኬል እቶም ናትና ዝተፈላለዩ ደገፋትን ፕሮግራማትን ንኽእለትካ ህነጾ።

Studiemotiverande kurs på folkhögskola

ክትማሃር ፈትን፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ደራኺ ሓይሊታትካ ኣለሊ፡ ከምኡ’ውን ብትምህርቲ ወይ ብስራሕ ንቅድሚት ከሰጉመካ ዝኽእል መገዲ ርኸብ። ብንጥፈታት መተባብዒ ንምርካብ፡ ብልምምድ ሜላ መጽናዕትን፡ ከምኡ’ውን ኣብቶም ፍሉይ ኣገዳስነት ዘሎዎም ዓይነት ትምህርትታት ኣድህቦ ብምግባርን፡ ትምህርትኻ ንኽትቅጽል ብዝሓሸ ዝተቐራረብካ ትኸውን። እዚ ነቲ ናይ ስራሕ ምርካብ ዕድላትካ የዕብዮ እዩ።

Studiestöd för utbildning på grundskole- och gymnasienivå

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ዝህልወካ፡ስራሕ ክትረክብ ዘለካ ዕድል ክብ ይብል።ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝተመሃርካዮ መሰረታዊ ትምህርትኻ ብሓገዝናን ሓገዝ ካልኦት መንግስታውያን ትካላትን ወስኸሉ።

Studiestöd för utbildning på yrkeshögskola, högskola och universitet

ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድላትካ ንኸተዛይድ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ኮለጅ ወይ ኣብ ብደረጃ ድሕረ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብምምሃር ብቕዓትካ ከተዕቢ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሽወደን ሓዲሽ እንተ ድኣ ኴንካን ብዙሓት ሰባት ዘድልዮ ሞያ እንተድኣ ኣለካ ኾይኑን፡ ዝያዳ ብዙሓት ዕድላት ኣለዉኻ።