Studiestöd för utbildning på yrkeshögskola, högskola och universitet

ናይ ስራሕ ዕድልካ ክብ ንምባል ኣብ ሞያዊ ኮለጅ፡ ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ።ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ ምስ ትኸውን ሞያኻ ድማ ተጠላቢ ምስ ዝኸውን፡ካልኦት ተወሰኽቲ ዕድላት’ውን ኣለዉኻ።ኣብ እዋን ምህሮ ቊጠባዊ ኲነታትካ ብኸመይ ከምትኣልዮ፡ኣብ’ዚ ተመልኪቶም ኣለዉ።

ክፍሊት-ትምህርቲ እንዳወሰድካ ተምሃር

ክፍሊት-ትምህርቲ ሓገዝን ልቓሕን ዝሓዘለ ንኽትመሃር ብሲ.ኤስ.ኤን(CSN) ዝወሃብ ገንዘብ እዩ።እቲ ትምህርቲ ኣብ ቤ/ት ኣባጽሕ፡ኣብ ቤ/ት ሓፋሽ(ፎልክ ሀግስኮላ)፡ኣብ ሞያዊ ቤ/ት፡ኣብ ኮለጅ፡ ዩኒቨርሲትን ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከባ ገሊአን ኣብያተ-ትምርህትን ክኸውን ይኽእል።ክፍሊት-ትምርህቲ ንኸተመልክትን ብዝያዳ ድማ ንዓኻ እንታይ ከም ዝምልከት ንኽትፈልጥ ኣብ መካነ መርበብ ናይ ሲ.ኤስ.ኤን(CSN) ኣቲኻ ረአ

ሲ.ኤስ.ኤን (CSN) - ደገፍ-ትምህርቲ

ናይ ዳግመ-ምምዕርራይ ደገፍ

እዚ ናይ ዳግመ-ምምዕርራይ ደገፍ ካብ ሽወደናዊ ሓገዝ ተመሃሮ (CSN) ንዓኻ ትሰርሕ ወይ ኣብ ቀርባ ግዜ ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካ እሞ ኣብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ተደላይ ምእንቲ ኽትከዉን ንኽእለትካ ንኸተዛይዶ ክትምሃር ትደሊ ይምልከት።

ናይ ዳግመ-ምምዕርራይ ደገፍ ክሳብ 80 ሚእታዊት ካብ ደሞዝካ ዝበጽሕ ኣበርክቶ ዝሓዘ እዩ እዚ ክሳብ ኣብ ዉሱን ዝኾነ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ እዩ፡ እንድሕሪ ደሊኻ ነቲ ኣበርክቶ ብለቓሕ ከተማልኦ ትኽእል ኢኻ፡ ነዚ ናይ ዳግመ-ምምዕርራይ ደገፍ ንምርካብ ገለ ክማላእ ዘለዎ ስያመታት ኣሎ ንምሳሌ ቅድሚ እዚ ናይ ደገፍ መመልከቲ ናብ CSN ምምጽኡ ካብ 24 ወርሒ እንተ ዉሓደ እተን 12 ወርሓት ዝሰራሕካ ክትከዉን ኣሎካ።

CSN ናይ ዳግመ-ምምዕርራይ ደገፍ (csn.se)

ብሓገዝ ቤ/ጽ ዕዮ ተምሃር

ኣብ ገሊኡ ኲነታት ኣብ ሞያዊ ቤ/ት፡ኣብ ኮለጅን ዩኒቨርሲትን ንኽትመሃር ብቤ/ጽ ዕዮ ቊጠባዊ ሓገዝ ክወሃበካ ይኽእል’ዩ።ከም’ዚ ዝኸውን ግን ኣብ መደብ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን ወይ ከኣ ኣብ መደብ መትከሊ-እግሪ ምዝጉብ ምስ ትኸውን’ዩ።

ተሳታፊ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን(ዮብ ኦክ ኢትቬክሊንስ ጋራንቲ) ምስ ትኸውን፡ ኣብ ሞያዊ ኮለጅ፡ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ከምኡ’ውን ኣብ ላዕለዋይ ቤ/ት ሓፋሽ(ፎልክ ሀግስኮላ) ንኽትመሃር ብቤ/ጽ ዕዮ ዝወሃብ ቊጠባዊ ሓገዝ ክትረክብ ተኽእሎታት ኣሎ። ፈለማ ግን እቲ ትምህርቲ ስራሕ ንኽትረክብ ዘለካ ዕድል ዘበርኾ ምዃኑን ዘይምዃኑን ገምጋም ነካይድ።ብጠቕላልኡ ን12 ኣዋርሕ ምሉእ ሰዓታት ኣብ መዓልቲ እንዳ ተማሃርካ ካባና ቊጠባዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ውሽጢ መደብ መትከሊ-እግሪ ኮይንካ፡ብመልክዕ ቊጠባዊ ሓገዝ ክፍሊት መትከሊ-እግሪ እንዳወሰድካ ኣብ ሞያዊ ቤ/ት፡ኣብ ኮለጅን ኣብ ዩኒቨርሲትን ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።ብመሰረቱ ግን ካልኣይ-ደረጃ ትምህርቲ ዝወዳእካ ክትኸውን ኣለካ።ገለ ዓውድታት ከም ዝወሰድካዮም ዝጠልባ ኣብያተ ትምርህትታ’ውን ኣለዋ።መብዛሕቱ ግዜ ድማ ብቚዕ ሽወደንኛን እንግልዝኛ ክህልወካ ይጥለብ’ዩ።መደብ መትከሊ-እግሪ ምስ ተወድአ ምህሮኻ ክትቕጽሎ ምስ ትደሊ፡ካብ ሲ.ኤስ.ኤን (CSN) ክፍሊት-ትምህርቲ ከተመልክት ዕድል ኣለካ።

ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ ንዝኾንካ

ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ ምስ ትኸውንን ኣብ ዓድኻ ዘጥረኻዮ ሞያ ወይ ትምህርቲ ምስ ዝህልወካ፡ ናብ ስራሕ ዓለም ብዝቐልጠፈ ትኣትወሉ መንገዲ ኣሎ።

ናይ ዓድኻ ዩኒቨርሲቲ፡ኮለጅ ወይ ሞያዊ ኮለጅ ከም ዝተመሃርካ ዝሕብር ሰነድ ናይ ትምህርቲ ምስ ዝህልወካ፡ናብ ቦርድ ዩኒቨርሲትን ኮለጃትን( UHR) ለኣኮ።እቲ ቦርድ ነቲ ሰነዳት ትምህርትኻ ድሕሪ ምምርማር ርኢትኡ ይህበሉ።ናይ’ቲ ቦርድ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት-ግምገማ ብምጥቃም፡ምህሮኻ ኣብ ሽወደን ክንደይ ከም ዝግመት(ዝቚጸር) ክትርእዮ ትኽእል።ኣብ ሞያ ሕክምና ትሰርሕ እንተ ነይርካ ድማ ሰነዳት ትምህርትኻ ናብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን(ሶሻል ስቲረልሰን) ለኣኮ። መምህር ወይ ናይ መዋእለ-ሕጻናት መምህር ምስ ትኸውን ድማ ናይ መምህር ተሴራ ንምርካብ ኣብ ቤ/ጽ ጕዳያት ትምህርቲ( Skolverket) ከተመልክት ዕድል ኣለካ።

ምግምጋም ናይ ወጻኢ ሃገር ትምርህቲ ብቦርድ ዩኒቨርሲትን ኮለጃትን(UHR)

ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን(ሶሻል ስቲረልሰ) ብዛዕባ ተሴራ

ቤ/ጽ ጒዳያት ትምህርቲ ብዛዕባ ተሴራ መምህር

ተወሰኽቲ ደገፋት ርኸብ